1Kings (17/22)  

1. ሓደ ኻብቶም ኣብ ጊልዓድ ዝነበሩ ድማ ኤልያስ ቲስቢታዊ ንኣከኣብ፡ በዘን ዓመታት እዚኣተን፡ ኣነ ኸይተዛረብኩ፡ ኣውሊ ዀነ ወይ ዝናም ከይኸውን፡ እቲ ኣነ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢለ ዘሎኹ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል እዩ፡ በሎ።
2. ቃል እግዚኣብሄር ድማ፡ ካብዚ ናብ ምብራቕ ኣቢልካ ኺድ እምኦ ኣብቲ ኣብ መንጽር ዮርዳኖስ ዘሎ ርባ ከሪት ተሐባእ።
3. ቃል እግዚኣብሄር ድማ፡ ካብዚ ናብ ምብራቕ ኣቢልካ ኺድ እምኦ ኣብቲ ኣብ መንጽር ዮርዳኖስ ዘሎ ርባ ከሪት ተሐባእ።
4. ኪኸውን ከኣ እዩ፡ ካብቲ ርባ ኽትሰቲ ኢኻ፡ ኣብኡ ኺምግቡኻ ድማ ንኳዃት ኣዚዘ ኣሎኹ፡ ኢሉ መጾ።
5. ከይዱ ኸኣ ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ገበረ። ከይዱውን ኣብቲ ኣብ መንጽር ዮርዳኖስ ዘሎ ርባ ከሪት ተቐመጠ።
6. እቶም ኳዃት ድማ ብጊሓት እንጌራን ስጋን፡ ምሸትውን እንጌራን ስጋን የምጽኡሉ ነበሩ፡ ካብቲ ርባ ኸኣ ይሰቲ ነበረ።
7. ኰነ ድማ፡ ኣብታ ሃገር ዝናም ስለ ዘይዘነመ፡ ድሕድሪ ሓያሎ ጊዜ እቲ ርባ ነጸፈ።
8. ተንስእ እሞ ናብ ሰራጵታ ናይ ሲዶና ኺድ፡ ኣብኣውን ተቐመጥ። እንሆ፡ ኣብኣ ሓንቲ መበለት ሰበይቲ ኽትምግበካ ኣዚዘ ኣሎኹ፡ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጾ።
9. ተንስእ እሞ ናብ ሰራጵታ ናይ ሲዶና ኺድ፡ ኣብኣውን ተቐመጥ። እንሆ፡ ኣብኣ ሓንቲ መበለት ሰበይቲ ኽትምግበካ ኣዚዘ ኣሎኹ፡ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጾ።
10. ተንሲሱ ኸኣ ናብ ሰራጵታ ኸደ። ናብ ደገ እታ ኸተማ ምስ መጸ ድማ፡ እንሃ፡ ዕጨይቲ እትኣሪ መበለት ሰበይቲ ኣብኡ ነበረት። ንእአ ኸኣ ጸዊዑ፡ በጃኺ፡ ዝሰትዮ ሒደት ማይ በቕሓ ጌርኪ ኣምጽእለይ፡ በላ።
11. ከተምጽኣሉ ኢላ ምስ ከደት ድማ፡ በጃኺ፡ ኣብ ኢድኪ ቚራስ እንጌራ ተማልእለይ፡ ኢሉ ጸውዓ።
12. ንሳ ኸኣ፡ ህያው እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እዩ፡ ኢላ ብጀካ ሸልገት ሓርጭ ኣብ ዕትሮ፡ ሒደት ዘይቲ ኣብ መቐርሰሚቶ፡ እንጌራስ የብለይን፡ እኔኹ ኸኣ ክልተ ዕጨይቲ እኣሪ ኣሎኹ፡ ኣትየ ድማ ንኣይን ንወደይን ክስንክቶ እሞ በሊዕናዮስ ክንመውት ኢና፡ በለት።
13. ኤልያስ ከኣ፡ ኣይትፍርሂ፡ ኪዲ፡ ከምቲ ዝበልክዮ ግበሪ፡ ቅድሚ ግና ካብኡ ንኣይ ንእሽቶ ቕጫ ሰንኪትኪ ኣምጽእለይ፡ ድሕሪኡ ድማ ንኣኽን ንወድኽን ሰንክቲ።
14. እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ እሞ፡ ክሳዕ እታ እግዚኣብሄ ንምድሪ ዝናም ዜዝንመላ መዓልቲ ሓርጭ ካብ ዕትሮ ኣይውዳእን፡ እቲ ዘይቲውን ካብ መቐርሰሚቶ ኣይጐድልን፡ በላ።
15. ከይዳ ኸኣ ከምቲ ኤልያስ ዝበላ ገበረት። ንሳን ንሱን ቤታን ድማ ብዙሕ መዓልቲ በልዑ፡
16. ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ብኤልያስ እተዛረቦ፡ እቲ ሓርጭ ካብ ዕትሮ፡ እቲ ዘይቲውን ካብ መቐርሰሚቶ ኣይጐደለን።
17. ኰነ ድማ፡ ድሕሪ እዚ ነገር እዚ ወዲ እታ ሰበይቲ፡ እታ ብዓልቲ ቤት፡ ሐመመ። እቲ ሕማሙ ኸኣ ትንፋሱ ኽሳዕ ዚሰኣን በርትዖ።
18. ሽዑ ንሳ ንኤልያስ፡ ኣታ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንኣይን ንኣኻንሲ እንታይ ኣራኸበና ሓጢኣተይ ከተዘክር ወደይውን ክትቀትል ኢኻ ዝመጻእካኒ፡ በለቶ።
19. ንሱ ግና፡ ወድኺ ሀብኒ፡ በላ። ካብ ሕቚፋ ወሲዱ ኸኣ ናብታ ዚነብረላደርቢ ኣደየቦ እሞ ኣብ ዓራቱ ኣደቀሶ።
20. ሽዑ ንሱ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡ ነዛ ኣነ ምስኣ ብግሽነት ዝነብር ዘሎኹ መበለት ወዳ ብምቕታልዶ ኽፉእ ገበርካያ፡ኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለለ።
21. ኣብ ልዕሊ እቲ ቘልዓ ሰለስተ ሳዓ በጥ ኢሉ ድማ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡ በጃኻ፡ ነፍሲ እዚ ቘልዓ እዚ ናብ ውሽጡ ምለሳ፡ ኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለለ።
22. እግዚኣብሄር ከኣ ደሃይ ኤልያስ ሰምዔ፡ ነፍሲ እቲ ቘልዓ ድማ ናብ ውሽጡ ተመለሰት እሞ ህያው ኰነ።
23. ኤልያስ ከኣ ነቲ ቘልዓ ወሲዱ፡ ካብ ደርቢ እታ ቤት ኣውሪዱ ነዲኡ ሀባ፡ ኤልያስ ድማ፡ ርኣዪ፡ ወድኺ ሐውዩ፡ በለ።
24. እታ ሰበይቲ ኸኣ ንኤልያስ፡ ንስኻ ናይ ኣምላኽ ሰብ ከም ዝዀንካ፡ ቃል እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ኣፍካ ሓቂ ኸም ዝዀነ፡ ሕጂ ፈለጥኩ፡ በለቶ።

  1Kings (17/22)