1Kings (16/22)  

1. ንየሁ ወዲ ሓናኒ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ባዕሳ ኸምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጾ፡
2. ኣነ ኻብ ሓመድ ኣልዒለስ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል መስፍን ገይረካ ኽነሰይ፡ ንስኻ ግና ብመገዲ የሮብዓም ብምኻድካ፡ ንህዝበይ እስራኤል ብሓጢኣቶም ኬዀርዩኒ ስለ ዘስሓትካዮም፡
3. እንሆ፡ ንባዕሳን ንቤቱን ንንየው ክጸርጎም እየ፡ ንቤትካ ድማ ከም ቤት የሮብዓም ወዲ ናባጥ ልገብራ እየ።
4. ካብ ባዕሳ ነቲ ኣብ ከተማ ዝሞተ ኣኽላባት ኪበልዕዎ እዮም፡ ነቲ ኣብ መሮር ዝሞተ ኸኣ ኣዕዋፍ ሰማይ ኪበልዓኦ እየን።
5. እቲ ዝተረፈ ናይ ባዕሳ ነገርን እቲ ዝገበሮን እቲ መንፍዓቱን፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት እስራኤልዶ ተጽሒፉ ኣየሎን፡
6. ባዕሳ ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ኣብ ቲርጳውን ተቐብረ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ኤላ ነገሰ።
7. ከም ቤት የሮብዓም ኪኸውን ኢሉ፡ ብግብሪ ኢዱ ኬዀርዮስ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዝገበሮ ዂሉ ኽፉእ ዘበለ ስለ ዝገበረን ንየሮብዓም ድማ ስለ ዝቐተሎን፡ እቲ ነብዪ የሁ ወዲ ሓናኒ እተነግረ ቓል እግዚኣብሄር ኣብ ባዕሳን ኣብ ቤቱን ተፈጸመ።
8. ንኣሳ ንጉስ ይሁዳ ኣብ መበል ዕስራን ሹድሽተን ዓመቱ ኸኣ ኤላ ወዲ ባዕሳ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣብ ቲርጳ ነገሰ፡ ክልተ ዓመት ገዝኤ።
9. ግናኸ ጊልያኡ ዚምሪ፡ እቲ ኣብ ፈረቓ ሰረገላታቱ ሓለቓ ዝነበረ፡ ተማሓሐሉ። ኣብ ቲርጳ፡ ኣብ ቤት እቲ ኣብታ ኣብ ቲርጳ ዘላ ቤት ኣዛዚ ዝነበረ ኣርጻ፡ ሰትዩ ሰኺሩ ኸሎ፡
10. ዚምሪ አትዩ ወቒዑ ቐተሎ፡ ንኣሳ ንጉስ ይሁዳ ኣብ መበል ዕስራን ሾብዓተን ዓመቱ ቐተሎ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ነገሰ።
11. ኰነ ድማ፡ ነጊሱ ኣብ ዝፋኑ ምስ ተቐመጠ፡ ብኡብኡ ንብዘሎ ቤት ባዕሳ ቐተለ፡ ካብ ዘመዱ ኰነ ካብ ፈተውቲ ዀነ፡ ደው ኢሉ ኣብ መንደቕ ካብ ዚሸይን ሓደ እኳ ኣየትረፈሉን።
12. ብሰሪ ዂሉ እቲ ዝገበርዎ ሓጢኣት ባዕሳን ሓጢኣት ወዱ ኤላን፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከኣ ስለ ዘስሐቱ፡ ከምቲ ብነብዪ የሁ ኣብ ልዕሊ ባዕሳ እተዛረቦ ቓል እግዚኣብሄር፡ ዚምሪ ንብዘላ ቤት ባዕሳ ኣጽነታ።
13. ብሰሪ ዂሉ እቲ ዝገበርዎ ሓጢኣት ባዕሳን ሓጢኣት ወዱ ኤላን፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከኣ ስለ ዘስሐቱ፡ ከምቲ ብነብዪ የሁ ኣብ ልዕሊ ባዕሳ እተዛረቦ ቓል እግዚኣብሄር፡ ዚምሪ ንብዘላ ቤት ባዕሳ ኣጽነታ።
14. እቲ ዝተረፈ ናይ ኤላ ነገርን እቲ ዝገበሮ ዂሉን ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት እስራኤልዶ ተጽሒፉ ኣየሎን∶:
15. ንኣሳ ንጉስ ይሁዳ ኣብ መበል ዕስራን ሾብዓተን ዓመቱ ኸኣ ዚምሪ ኣብ ቲርጳ ሾብዓተ መዓልቲ ነገሰ። እቶም ህዝቢ ድማ ንጊብቶን ናይ ፍልስጥኤማውያን ከቢቦምዋ ነበሩ።
16. እቶም ከቢቦም ዝነበሩ ህዝቢ፡ ዚምሪ ተማሓሒሉ ንንጉስ ድማ ቀቲልዎ፡ ኪብሉ ሰምዑ። ሽዑ ብዘለዉ እስራኤል ንዖምሪ ሓለቓ ሰራዊት በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብቲ ሰፈር ኣብ እስራኤል ኣንገስዎ።
17. ዖምሪን ብዘለዉ እስራኤል ከኣ ምስኡን ካብ ጊብቶን ደዪቦም ንቲርጻ ኸበብዋ።
18. ኮነ ድማ፡ ዚምሪ እታ ኸተማ ኸም እተታሕዘት ምስ ረአየ፡ ብሰሪ እቲ መገዲ የሮብዓም እናኸደ፡ እቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ዘበለ ብምግባሩ ዝገበሮ ሓጢኣቱን በቲ ንእስራኤል ዘስሐተሉ ሓጢኣቱን፡ ናብታ ኣደራሽ ቤት ንጉስ ኣትዩ፡ ነታ ቤት ንጉስ ኣብ ልዕሊኡ ብሓዊ ኣንደዳ፡ ሞተ ኸአ።
19. ኮነ ድማ፡ ዚምሪ እታ ኸተማ ኸም እተታሕዘት ምስ ረአየ፡ ብሰሪ እቲ መገዲ የሮብዓም እናኸደ፡ እቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ዘበለ ብምግባሩ ዝገበሮ ሓጢኣቱን በቲ ንእስራኤል ዘስሐተሉ ሓጢኣቱን፡ ናብታ ኣደራሽ ቤት ንጉስ ኣትዩ፡ ነታ ቤት ንጉስ ኣብ ልዕሊኡ ብሓዊ ኣንደዳ፡ ሞተ ኸአ።
20. እቲ ዝተረፈ ናይ ዚምሪ ነገርን እቲ ዝተማሓሐሎ ምምሕሓልን፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት እስራኤልዶ ተጻሒፉ ኣየሎን፡
21. ሽዑ እቲ ህዝቢ እስራኤል ኣብ ክልተ ኽፍሊ ተመቕለ። ፍርቂ እቲ ህዝቢ ንቲብኒ ወዲ ጊናት ኬንግሶ ሰዐቦ። እቲ ፍርቂ ኸአ ንዖምሪ ሰዐቦ።
22. እቲ ንዖምሪ ዝሰዐቦ ህዝቢ ድማ ነቲ ቲቦኒ ወዲ ጊናት ዝሰዐበ ህዝቢ ሐየሎ፡ ቲብኒ ኸአ ሞተ፡ ዖምሪውን ነገሰ።
23. ንኣሳ ንጉስ ይሁዳ ኣብ መበል ሰላሳን ሓደን ዓመቱ ዖምሪ ከኣአ ገዝኤ። እተን ሽዱሽተ ዓመት ኣብ ቲርጻ ነገሰ።
24. ንኸረን ሰማርያ ድማ ካብ ሸመር ብኽልተ ታለንት ብሩር ዕደጋ፡ ኣብቲ ኸረን ከአ ሰርሔ፡ ስም እታ ዝሰርሓ ኸተማ ድማ ብስም ሸመር ጎይታ እቲ ኸረን፡ ሰማርያ ኢሉ ሰመያ።
25. ዖምሪ ኸአ ኣብ ቅድሚኡ ዝነበሩ ኹሎም ዚኸፋ ገበረ።
26. ብኹሉ መገዲ የሮብዓም ወዲ ናባጥን በቲ ንሱ ንእስራኤል፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ብኸንቱነቶም ምእንቲ ኪኾርይዎ፡ ብዘስሐተሉ ሓጢኣቱን ከደ።
27. እቲ ዝተረፈ ምድሪ ዝገበሮ ነገርን እቲ ዝገበሮ መንዓቱን ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት እስራኤልዶ ተጽሒፉ ኣየሎን፡
28. ዖምሪ ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ኣብ ሰማርያውን ተቐብረ። ኣብ ክንዳኡ ኸአ ወዱ ኣክኣብ ነገሰ።
29. ንኣሳ ንጉስ ይሁዳ ኣብ መበል ሰላሳን ሾሞንተን ዐመቱ ድማ ኣከኣብ ወዲ ዖምሪ ኣብ እስራኤል ነገሰ። ኣክኣብ ወዲ ዖምሪ ኸአ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዕስራን ክልተን ዓመት ኣብ ሰማርያ ገዝኤ።
30. ኣክኣብ ወዲ ዕምሪ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ካብቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ኹሎም ዚኸፍእ ገበረ።
31. ኮነ ኸአ፡ እቲ ብሓጢኣት የሮብዓም ወዲ ናባጥ ምኻዱ ቐሊልዎስ፡ ንኢዛቤል፡ ጓል ኤትባዓል ንጉስ ሲዶን፡ ሰበይቱ ኽትከውን ወሰዳ። ከይዱ ድማ ንበዓል ኣገልግሎ፡ ሰገደሉውን።
32. ኣብታ ኣብ ሰማርያ ዝሰርሓ ቤት በዓል ድማ ንበዓል ኣገልገሎ ሰገደሉውን።
33. ኣከኣብ ከአ ኣስታርተ ገበረ። ኣከኣብ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ዜኾሪ ብምግባሩ፡ ካብቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ኹሎም ነገስታት እስራኤል ገደደ።
34. ብዘመነኑ ኸአ ሒኤል ቤትኤላዊ ንያሪኮ ሰርሓ። ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ብእያሱ ወዲ ነዌ እተዛረቦ ድማ ብኣቢራም፡ በቲ በኹሩ ሰረታ፡ ደጌታት ኸአ ብሴጉብ፡ በቲ ንእሽቶ ወዱ ኣቖሙ።

  1Kings (16/22)