1Kings (15/22)  

1. ንንጉስ የሮብዓም ወዲ ናባጥ ኣብ መበል ዓሰርተው ሾሞንተ ዓመቱ ድማ ኣቢያም ኣብ ይሁዳ ነገሰ።
2. ሰለስተ ዓመት ኣብ የሩሳሌም ነገሰ። ስማ ኣዲኡ ኸኣ ማዓካ፡ ንሳ ጓል ኣቢሻሎም እያ።
3. በቲ ቕድሚኡ ኣቦኡ ዝገበሮ ሓጢኣት ከደ፡ ልቡ ድማ ከም ልቢ ኣቦኡ ዳዊት ምስ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ፍጹም ኣይነበረን።
4. ምእንቲ ዳዊት ኢሉ ግና፡ ብድሕሪኡ ወዱ ኼተንስእ ንየሩሳሌምውን ኬጽንዓ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ኣብ የሩሳሌም መብራህቲ ሀቦ።
5. ዳዊት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ገበረ፡ ብጀካ እቲ ናይ ኡርያ ሔታዊ ነገርሲ፡ ብዂሉ ዘመን ህይወቱ ኻብቲ ዝአዘዞ ዘበለ ኣየግለሰን።
6. ኣብ መንጐ ሮብዓምን የሮብዓምን ድማ ብዂሉ ዘመን ህይወቱ ውግእ ነበረ።
7. እቲ ዝተረፈ ናይ ኣቢያም ነገርን እቲ ዝገበሮ ዂሉን፡ ንሱ ኣብቲ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት ይሁዳዶ ተጽሒፉ ኣየሎን ኣብ መንጐ ኣብያምን የሮብዓምን ድማ ውግእ ነበረ።
8. ኣቢያም ከኣ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ኣብ ከተማ ዳዊት ድማ ቀበርዎ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ኣሳ ነገሰ።
9. ንየሮብዓም ንጉስ እስራኤል ኣብ መበል ዕስራ ዓመቱ ድማ ኣሳ ኣብ ይሁዳ ነገሰ፡
10. ኣርብዓን ሓደን ድማ ኣብ የሩሳሌም ነገሰ። ስም ኣዲኡ ኸኣ ማዓካ፡ ንሳ ጓል ኣቢሻሎም እያ።
11. ኣሳ ድማ ከም ኣቦኡ ዳዊት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ገበረ።
12. ነቶም ኣብ ተባዕታይ ዝመንዘሩ ኸኣ ካብታ ሃገር ሰጐጎም። ነቶም ኣቦታቱ ዝገበርዎም ኲሎም ጣኦታት ድማ ኣግለሶም።
13. ነዲኡ ማዓካውን፡ ንኣስታርተ ናይ ጽያፍ ምስሊ ስለ ዝገበረት ካብ መንግስታ ሰዐራ፡ ኣሳ ድማ ነቲ ምስላ ቘሪጹ ኣብ ርባ ቄድሮን ኣንደዶ።
14. ነቲ በረኽቲ ግና ኣየግለሶን። ኣሳስ ምሉእ ዘመኑ ድኣ ልቡ ምስ እግዚኣብሄር ፍጹም ነበረ።
15. ነቲ ኣቦኡ ዝቐደሶን ንሱ ዝቐደሶን ወርቅን ብሩርን ኣቓሑን ድማ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣእተዎ።
16. ኣብ መንጐ ኣሳን ባዕሳ ንጉስ እስራኤልን ድማ ምሉእ ዘመኖም ውግእ ነበረ።
17. ባዕሳ ንግስ እስራኤል ከኣ ንይሁዳ ደየባ። ገለ ወጺኡ ናብ ኣሳ ንጉስ ይሁዳ ይኺድ ከሮሐድግ ኢሉ ድማ ንራማ ሰርሓ።
18. ሽዑ ኣሳ ኣብ መዛግብቲ ቤት እግዚኣብሄርን ኣብ መዛግብቲ ቤት ንጉስን ተሪፉ ዝነበረ ዂሉ ወርቅን ብሩርን ወሲዱ ኣብ ኢድ ገላዉኡ ሀቦም። ነዚ ድማ ንጉስ ኣሳ ናብቲ ኣብ ደማስቆ ዘሎ ቤንሃዳድ ድማ ንጉስ ሶርያ፡ ወዲ ጣብሪሞን ወዲ ኸዝዮን፡ ልኢኹ፡
19. ኣብ መንጎ ኣቦይን ኣቦኻን ከም ዝነበረ፡ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ድማ ኪዳን ይኹን። እንሆ፡ ገጽ በረኸት ብሩርን ወርቅን ሰዲደልካ ኣሎኹ እሞ፡ ካባይ ምእንቲ ኪኸይድሲ፡ ነቲ ምስ ባዕሳ ንጉስ እስራኤል ዝአቶኻዮ ኺዳንካ ኣፍርሶ፡፡ በሎ።
20. ቤንሃዳድ ከኣ ንንጉስ ኣሳ ሰሚዑ ንኸተማታት እስራኤል ኪወግእወን ሓላቑ ሰራዊቱ ሰደደ፡ ንዒዮንን ንዳንን ንኣቤልቤትማዓካን ንብዘላ ኪነትሮትን ምስ ብዘላ ምድሪ ንፍታሌምን ድማ ሰዐረን።
21. ኰነ ኸኣ፡ ባዕዛ እዚ ምስ ሰምዔ፡ ንራማ ምስራሕ ሐዲጉ ኣብ ቲርጻ ተቐመጠ።
22. ሽዑ ንጉስ ኣሳ ሓደ እኳ ናጻ ኸይሐደገ ንብዘላ ይሁዳ ኣኽተተ። ነቲ ባዕሳ ንራማ ሰሪሑሉ ዝነበረ ኣእማንን ኣዕጻውን ወሰዱ፡ ንጉስ ኣሳ ድማ ብእኡ ገይሩ ንጌባዕ ናይ ብንያምን ንሚጽጳን ሰርሔን።
23. ኲሉ እቲ ዝተረፈ ናይ ኣሳ ነገር ከኣ፡ ኲሉ መንፍዓቱን ኲሉ ዝገበሮን ዝሰርሔን ከተማታትን፡ ንሱ ኣብቲ መጽሓፍ ኣየሎን፡ ብጊዜ እርግናኡ ግና ኣእጋሩ ሐመመ።
24. ኣሳ ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ዮሳፋጥ ነገሰ።
25. ናዳብ ወዲ የሮብዓም ከኣ ንኣሳ ንጉስ ይሁዳ ኣብ ካልኣይ ዓመቱ ኣብ እስራኤል ነገሰ። ክልተ ዓመትውን ኣብ እስራኤል ነገሰ።
26. ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ድማ ክፉእ ገበረ፡ ብመገዲ ኣቦኡን በቲ ንእስራኤል ዘስሐተሉ ሓጢኣቱን ከኣ ከደ።
27. ባዕላ ወዲ ኣሒያ ኻብ ቤት ይሳኮር ድማ ተማሓሓሉ። ናዳብን ብዘሎ እስራኤልን ንጊብቶን ከቢቦምዋ ኸለዉ ኸኣ፡ ባዕሳ ኣብ ጊብቶን ናይ ፍልስጥኤማውያን ቀተሎ።
28. ባዕሳ ኣብ ሳልሰይቲ ዓመቱ ንኣሳ ንጉስ ይሁዳ እዩ ዝቐተሎ፡ ኣብ ክንዳኡ ድማ ነገሰ።
29. ኰነ ኸኣ፡ ምስ ነገሰ፡ ብሰሪ እቲ የሮብዓም ዝገበሮ ሓጢኣት፡ ብእኡ ኸኣ ንእስራኤል ስለ ዘስሐቶ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤልውን ስለ ዘዀረዮ፡ ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ብባርያኡ ብኣሒያ ሺሎናዊ እተዛረቦ ንቤት የሮብዓም ኣጥፍኣ፡ ክሳዕ ዜጽንቶ ንየሮብዓም ሓደ እኳ ትንፋስ ዘለዎ ኣይሐደገሉን።
30. ኰነ ኸኣ፡ ምስ ነገሰ፡ ብሰሪ እቲ የሮብዓም ዝገበሮ ሓጢኣት፡ ብእኡ ኸኣ ንእስራኤል ስለ ዘስሐቶ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤልውን ስለ ዘዀረዮ፡ ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ብባርያኡ ብኣሒያ ሺሎናዊ እተዛረቦ ንቤት የሮብዓም ኣጥፍኣ፡ ክሳዕ ዜጽንቶ ንየሮብዓም ሓደ እኳ ትንፋስ ዘለዎ ኣይሐደገሉን።
31. ኲሉ እቲ ዝተረፈ ናይ ናዳብ ነገርን እቲ ዝገበሮ ዂሉን ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት እስራኤልዶ ተጽሒፉ ኣየሎን፡
32. ኣብ መንጎ ኣሳን ባዕላ ንጉስ እስራኤልን ምሉእ ዘመኖም ውግእ ነበረ።
33. ንኣሳ ንጉስ ይሁዳ ኣብ ሳልሰይቲ ዓመቱ ባዕሳ ወዲ ኣሒያ ኣብ ልዕሊ ዂሉ እስራኤል ኣብ ቲርጻ ነገሰ፡ ዕስራን ኣርባዕተን ዓመት ገዝኤ።
34. ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ድማ ክፉእ ገበረ፡ ብመገዲ የሮብዓምን በቲ ንእስራኤል ዘስሐተሉ ሓጢኣቱን ከኣ ኸደ።

  1Kings (15/22)