1Kings (14/22)  

1. በቲ ዘመን እቲ ኣቢያ ወዲ የሮብዓም ሐመመ።
2. የሮብዓም ድማ ንሰበይቱ፡ በጃኺ፡ ተንስኢ እሞ ሰበይቲ የሮብዓም ምዃንኪ ኸይትፍለጥስ፡ ክዳንኪ ለውጢ፡ ናብ ሺሎ ኸኣ ኪዲ። እንሆ፡ እቲ ብዛዕባይ ኣብ ልዕሊ እዚ ህዝቢ እዚ ኸም ዝነግስ እተዛረበ ነብዪ ኣሒያ ኣብኣ ኣሎ።
3. ዓሰርተ እንጌራን ሕምባሻን ንጽባ መዓርን ሒዝኪ ናብኡ ኺዲ። ንሲ ነዚ ቘልዓ ዚኸውን ነገር ኪገልጸልኪ እዩ፡ በላ።
4. ሰበይቲ የሮብዓም ድማ ከምኡ ገበረት፡ ተንሲኣ ኸኣ ናብ ሺሎ ኸደት፡ ናብ ቤት ኣሒያውን አተወት። ኣሒያ ግና ኣዒንት ብእርግና ፈዚዘን ነበራ እሞ፡ ኪርኢ ኣይከአለን።
5. እግዚኣብሄር ድማ ንኣሒያ እንሃ ሰበይቲ የሮብዓም ብዛዕባ ወዳ፡ ንሱ ሓሚሙ እዩ እሞ፡ ክትጥይቐካ ትመጽእ ኣላ። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ጋሻ ተመሲላ ኽትኣቱ እያ እሞ፡ ከምዝን ከምንዝ ኢልካ ተዛረባ፡ በሎ።
6. ኰነ ኸኣ፡ ብደገ ኽትኣቱ ኸላ፡ ኣሒያ ኣእጋራ ድግድግ ኪብል ምስ ሰምዔ፡ በለ፡ ኣቲ ሰበይቲ የሮብዓም፡ እተዊ። ስለምንታይ ኢኺ ጋሻ እትመስሊ፡ ኣነ ድማ ከቢድ ነገር ክነግረኪ ናባኺ ተላኢኸ ኣሎኹ።
7. ኪዲ እሞ ንየሮብዓም በልዮ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ካብ ማእከል ህዝቢ ልዕል ኣቢለ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል መስፍን ገበርኩኻ፡
8. መንግስቲ ድማ ካብ ቤት ዳዊት ቀዲደ ሀብኩኻ። ንስኻ ግና፡ ከምቲ ትእዛዛተይ ዝሐለወ ኣብ ቅድመይ ከኣ ቅኑዕ ዘበለ ጥራይ ኪገብር፡ ምሉእ ልቡ ዝሰዐበኒ፡ ከም ባርያይ ዳዊት ኣይኰንካን።
9. ክፉእ ንምግባር ደኣ ኻብቶም ቅድሜኻ ዝነበሩ ዂሎም ገደድካ፡ ከተዀርየኒ ድማ ኬድካ ኻልኦት ኣማልኽትን ዝፈሰሰ ምስልታትን ገበርካ፡ ንኣይ ግና ናብ ድሕሪ ዝባንካ ደርቤኻኒ።
10. ስለዚ እንሆ፡ ንቤት የሮብዓም ክፉእ ከምጽኣላ እየ፡ ኣብ እስራኤል ዘሎ እሱር ኰነ፡ ፍቱሕ ኰነ ድማ ካብ ቤት የሮብዓም ደው ኢሉ ኣብ መንደቕ ዚሸይን ዘበለ ኸጽንት እየ። ፋንድያ ኸም ዚዂስተር ገይረ ኸኣ ንቤት የሮብዓም፡ ፈጺማ ኽሳዕ እትጠፍእ፡ ክዂስትራ እየ።
11. እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ ነቲ ኻብ የሮብዓም ኣብ ከተማ ዝሞተ፡ ኣኽላባት ኪበልዕዎ እዮም፡ ኣብ መሮር ንዝሞተ ኸኣ ኣዕዋፍ ሰማይ ኪህላማዓኦ እየን።
12. ንስኺ ተንሲእኪ ንቤትኪ ኺዲ እሞ፡ እግርኺ ናብ ከተማ ኽትአቱ ኸላ፡ እቲ ቘልዓ ኺመውት እዩ።
13. ኣብ ቤት የሮብዓም ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ጽቡቕ ነገር ኣብኡ ስለ እተረኽበ፡ ካብ የሮብዓም እዚ ጥራይ ኣብ መቓብር ኪአቱ እዩ እሞ፡ ንእኡ ብዘለዉ እስራኤል እናበኸዩ ኪቐብርዎ እዮም።
14. እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ እስራኤል ንጉስ ዚዀኖ ኼተንስእ እዩ፡ ንሱ በታ መዓልቲ እቲኣ ንቤት የሮብዓም ኪጽንታ እዩ። ሕጂ እሞ እንታይ ኪግበር እዩ∶:
15. ሻምብቆ ኣብ ማይ ሰሰው ከም ዚብል፡ ንእስራኤል ድማ እግዚኣብሄር ኪወቕዖ እዩ። ንእግዚኣብሄር ኬዀርዩስ ኣስታርቴታቶም ስለ ዝገበሩ ኸኣ፡ ንእስራኤል ካብዛ ነቦታቶም ዝሀቦም ጽብቕቲ ምድሪ ኺምንቊሶም፡ ናብ ስግር ርባውን ኪዘርዎም እዩ።
16. ብሰሪ እቲ የሮብዓም ዝገበሮ ሓጢኣት፡ ንእስራኤል ከኣ ዘሕትኦም፡ ንእስራኤል ኣሕሊፉ ኺህቦም እዩ።
17. ሰበይቲ የሮብዓም ድማ ተንሲኣ ኸደት፡ ናብ ቲርጻውን መጸት፡ ንሳ ኣብ ልዳት ቤታ ምስ በጽሔት፡ እቲ ቘልዓ ሞተ።
18. ከምቲ እግዚኣብሄር ብባርያኡ፡ ብነብዪ ኣሒያ፡ እተዛረቦ ቓል ከኣ ብዘለዉ እስራኤል ቀበርዎን በኸዩሉን።
19. እቲ ዝተረፈ ናይ የሮብዓም ነገር ድማ፡ እቲ እተዋግኦን እቲ ዝነገሶን፡ እንሆ፡ ኣብቲ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት እስራኤል ተጽሒፉ ኣሎ።
20. እቲ የሮብዓም ዝነገሶ ዘመን ከኣ ዕስራን ክልተን ዓመት እዩ። ምስ ኣቦታቱ ድማ ደቀሰ፡ ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ናዳብ ነገሰ።
21. ሮብዓም ወዲ ሰሎሞን ድማ ኣብ ይሁዳ ነገሰ። ሮብዓም ኪነግስ ከሎ ኸኣ፡ ወዲ ኣርብዓን ሓደን ዓመት ነበረ። ኣብታ እግዚኣብሄር ስሙ ኣብኣ ኼንብር ካብ ኲሎም ነገዳት እስራኤል ዝሐረያ ኸተማ የሩሳሌም ዓሰርተው ሾብዓተ ዓመት ነገሰ። ስም ኣዲኡ ኸኣ ናዓማ፡ ንሳ ዓሞናዊት እያ።
22. ይሁዳ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ፡ ካብቲ ኣቦታቶም ዝገበርዎ ዚበዝሕ ሓጢኣት ብምግባሮም ከኣ ኣቕንእዎ።
23. ንሳቶም ድማ ኣብ ልዕሊ ዂሉ ነዋሕቲ ዂርባታትን ኣብ ትሕቲ ዂሉ ልምሉም ኦምን በረኽትን ሓወልታትን ኣስተርቴታትን ሰርሑ።
24. ኣብታ ሃገር ድማ ኣብ ተባዕታይ ዚምንዝሩ ነበሩ። ከም ኲሉ ርኽሰት እቶም እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ዘጥፍኦም ኣህዛብ ይገብሩ ነበሩ።
25. ኰነ ድማ፡ ንንጉስ ሮብዓም ኣብ ሓምሰይቲ ዓመቱ ሺሻቅ ንጉስ ግብጺ ንየሩሳሌም ደየባ።
26. ንመዛግብቲ ቤት እግዚኣብሄርን ንመዛግብቲ ቤት ንጉስን ከኣ ወሰዶ።
27. ንጉስ የሮብዓም ድማ ኣብ ክንዳኡ ዋላቱ ኣስራዚ ገበረ፡ ኣብ ኢድ ሓላቑ እቶም ንደገ ቤት ንጉስ ዚሕልዉ ተኸተልቲ ኣማዕቈቦም።
28. ኰነ ኸኣ፡ እቲ ንጉስ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ምስ ዚኸይድ፡ እቶም ተኸተልቲ ድማ ይመልስዎ ነበሩ።
29. እቲ ዝተረፈ ናይ ሮብዓም ነገር ድማ፡ ኲሉ ዝገበሮ ዘበለ፡ ንሱ ኣብቲ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት ይሁዳዶ ተጽሒፉ ኣየሎን∶:
30. ኣብ መንጎ ሮብዓምን የሮብዓምን ከኣ ኲሉ ዘመን ውግእ ነበረ።
31. ሮብዓም ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ምስ ኣቦታቱ ኸኣ ኣብ ከተማ ተቐብረ። ስም ኣዲኡ ድማ ናዓማ እዩ፡ ንሳ ዓሞናዊት እያ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ኣቢያም ነገሰ።

  1Kings (14/22)