1Kings (13/22)  

1. የሮብዓም ኪዐጥን ኣብ መሰውኢ ደው ኢሉ ኸሎ ድማ፡ እንሆ፡ ናይ ኣምላኽ ሰብ ብቓል እግዚኣብሄር ካብ ይሁዳ ናብ ቤትኤል መጸ።
2. ብቓል እግዚኣብሄር ከኣ ኣብቲ መሰውኢ ጨዲሩ፡ ኣታ መሰውኢ፡ ኣታ መሰውኢ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብለካ ኣሎ፡ ንቤት ዮስያስ ዝስሙ ወዲ ኺውለደላ እዩ። ንሱ ነቶም ኣባኻ ዚዐጥኑ ኻህናት በረኽቲ ኣብ ልዕሌኻ ኺስውኦም እዩ፡ ኣዕጽምቲ ሰብውን ኣባኻ ኼንድዱ እዮም፡ በለ።
3. በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ከምዚ ኢሉ ምልክት ሀበ፡ እቲ እግዚኣብሄር እተዛረቦ ምልክት እዚ እዩ፡ እንሆ፡ እቲ መሰውኢ ኺነቅዕ እዩ፡ እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ ሓመዂስቲ ኸኣ ፋሕ ኪብል እዩ።
4. ኰነ ድማ፡ እቲ ንጉስ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ኣብ ልዕሊ ቤትኤል ዘሎ መሰውኢ ኢዱ ዘርጊሑ፡ ሐዝዎ በለ። እታ ዝዘርግሓሉ ኢዱ ግና ነቐጸት እሞ ናብኡ ኺመልሳ ኣይከኣለን።
5. ከምቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ብቓል እግዚኣብሄር ዝሀቦ ምልክት ድማ፡ እቲ መሰውኢ ነቕዔ፡ እቲ ሓመዂስቲውን ፋሕ በለ።
6. ሽዑ እቲ ንጉስ ነቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ እዛ ኢደይ ክትምለሰለይሲ፡ በጃኻ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ተማህሊልካ ምእንታይ ለምኖ፡ ኢሉ መሰለሰሉ። እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ከኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተማህለለ፡ እታ ኢድ ንጉስ ድማ ናብኡ ተመልሰት፡ ከም ቀደማውን ኰነት።
7. እቲ ንጉስ ከኣ ነቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ምሳይ ናብ ቤት እቶ እሞ ብላዕ፡ ህያብን ክህበካ እየ፡ በሎ።
8. እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ግና ነቲ ንጉስ፡ እንጌራ ኣይትብላዕ፡ ማይ ድማ ኣይትስተ፡ በታ ዝኸድካያ መገዲውን ኣይትመለስ፡ ብዚዝብል ቃል እግዚኣብሄር ተአዚዘ እየ እሞ፡ ፈረቓ ቤትካ እንተ ትህበኒ እኳ፡ ምሳኻስ ኣይአቱን፡ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ኸኣ እንጌራ ኣይበልዕን ማይውን ኣይሰትን፡ በሎ።
9. እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ግና ነቲ ንጉስ፡ እንጌራ ኣይትብላዕ፡ ማይ ድማ ኣይትስተ፡ በታ ዝኸድካያ መገዲውን ኣይትመለስ፡ ብዚዝብል ቃል እግዚኣብሄር ተአዚዘ እየ እሞ፡ ፈረቓ ቤትካ እንተ ትህበኒ እኳ፡ ምሳኻስ ኣይአቱን፡ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ኸኣ እንጌራ ኣይበልዕን ማይውን ኣይሰትን፡ በሎ።
10. ብኻልእ መገዲ ኸኣ ከደ፡ በታ ናብ ቤትኤል ዝመጸላ መገድስ ኣይተመልሳን።
11. ኣብ ቤትኤል ድማ ሓደ ኣረጊት ነብዪ ነበረ። ሓደ ኻብ ደቁ መጺኡ ኸኣ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ቤትኤል ዝገበሮ ዂሉ ግብሪ፡ እቲ ንንጉስ እተዛረቦ ነገር ኣዘንተወሉ። ንሳቶም ከኣ ነቦኦም ኣዘንተዉሉ።
12. ኣቦኦም ከኣ፡ በየነይቲ መገዲ ኸይዱ፡ በሎም። እቶም ደቁ ድማ እቲ ኻብ ይሁዳ ዝመጸ ናይ ኣምላኽ ሰብ ዝኸደላ መገዲ ርእዮም ነበሩ።
13. ነቶም ደቁ ኸኣ፡ ኣድጊ ጽዐኑለይ፡ በሎም። ኣድጊ ድማ ጸዐኑሉ፡ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ተወጥሔ።
14. ደድሕሪ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ድማ ኸደ፡ ኣብ ትሕቲ ድዋ ተቐሚጡ ኸኣ ረኸቦ፡ እቲ ኻብ ይሁዳ ዝመጸ ናይ ኣምላኽ ንስኻ ዲኻ∶: ድማ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ እወ፡ ኣነ እየ፡ በለ።
15. ንሱ ድማ፡ ምሳይ ናብ ቤት ንዓ እሞ እንጌራ ብላዕ፡ በሎ።
16. ንሱ ግና ኣብኣ እንጌራ ኣይትብላዕ፡ ማይ ከኣ ኣይትስተ፡ በታ ናብኣ ዝኸድካላ መገዲውን ኣይትመለስ፡ ኢሉ ብቓል እግዚኣብሄር ተዛሪቡኒ እዩ እሞ፡ ምሳኻ ኽምለስን ምሳኻ ኽኣቱን ኣይክእልን፡ ኣብዛ ቦታ እዚኣውን ምሳኻ እንጌራ ኣይበልዕን ማይ ድማ ኣይሰትን፡ በለ።
17. ንሱ ግና ኣብኣ እንጌራ ኣይትብላዕ፡ ማይ ከኣ ኣይትስተ፡ በታ ናብኣ ዝኸድካላ መገዲውን ኣይትመለስ፡ ኢሉ ብቓል እግዚኣብሄር ተዛሪቡኒ እዩ እሞ፡ ምሳኻ ኽምለስን ምሳኻ ኽኣቱን ኣይክእልን፡ ኣብዛ ቦታ እዚኣውን ምሳኻ እንጌራ ኣይበልዕን ማይ ድማ ኣይሰትን፡ በለ።
18. ንሱ ኸኣ፡ ኣነውን ከማኻ ነብዪ እየ፡ መልኣኽ ድማ፡ እንጌራ ኺበልዕን ማይ ከኣ ኪሰትን ምሳኻ ናብ ቤትካ ምለሶ፡ ኢሉ ብቓል እግዚኣብሄር ተዛሪቡኒ፡ በሎ። ግናኸ ሐስይዎ እዩ።
19. ምስኡ ተመልሰ፡ ኣብ ቤቱ ድማ እንጌራ በልዔ፡ ማይውን ሰተየ።
20. ኰነ ኸኣ፡ ንሳቶም ኣብ መኣዲ ኾፍ ኢሎም ከለዉ፡ ነቲ ዝመለሶ ነብዪ ቓል እግዚኣብሄር መጾ።
21. ነቲ ኻብ ይሁዳ ዝመጸ ናይ ኣምላኽ ሰብ ድማ ከምዚ ኢሉ ቸደረሉ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ንኣፍ እግዚኣብሄር ስለ ዝዐሎኻዮ፡ ነቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝአዘካ ትእዛዝውን ስለ ዘይሐሎኻዮ፡
22. ኣብታ እንጌራ ኣይትብልዓላ ማይ ከኣ ኣይትስተየላ ዝበለካ ቦታ ተመሊስካ እንጌራ በላዕካ፡ ማይ ድማ ሰቴኻ፡ ስለዚ ሬሳኻ ኣብ መቓብር ኣቦታትካ ኣይኣቱን እዩ።
23. ኰነ ድማ፡ እንጌራ ምስ በልዔን ምስ ሰተየን፡ ነቲ ዝመለሶ ነብዪ ኣድጊ ጸዐነሉ።
24. ምስ ከደ ኸኣ፡ ኣብ መገዲ ተደርብዩ ነበረ፡ እቲ ኣድጊ ኸኣ ኣብ ጥቓኡ ደው በለ፡ እቲ ኣንበሳውን ኣብ ጥቓ እቲ ሬሳ ደው ኢሉ ነበረ።
25. እንሆ ኸኣ፡ ዚሐልፉ ሰባት ሬሳኡ ኣብ መገዲ ተደርብዩ፡ እቲ ኣንበሳውን ኣብ ጥቓ እቲ ሬሳ ደው ኢሉ ረአዩ። ናብታ እቲ ኣረጊት ነብዪ ዘለዋ ኸተማ መጺኦም ድማ እዚ ነገሩ።
26. እቲ ኻብ መገዱ ዝመለሶ ነብዪ ኸኣ እዚ ምስ ሰምዔ፡ ንሱ እቲ ንኣፍ እግዚኣብሄር ዝዐለወ ናይ ኣምላኽ ሰብ እዩ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንእኡ እተዛረቦ ዘረባ ድማ፡ እግዚኣብሄር ንኣንበሳ ኣሕሊፉ ሂብዎ፡ ሰቢሩስ ቀቲልዎ ኸኣ፡ በለ።
27. ንደቁ ድማ፡ ኣድጊ ጽዐኑለይ፡ ኢሉ ተዛረቦም፡ ጸዐኑሉ ኸኣ።
28. ንሱ ኸደ እሞ ነቲ ሬሳኡ ኣብ መገዲ ተደርብዩ ረኸቦ፡ እቲ ኣድግን እቲ ኣንበሳን ድማ ኣብ ጥቓ እቲ ሬሳ ደው ኢሎም ጸንሑ። እቲ ኣንበሳ ነቲ ሬሳ ኣይበልዖን፡ ነቲ ኣድጊውን ኣይሰበሮን።
29. ሽዑ እቲ ነብዪ ሬሳ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ኣልዒሉ ኣብ ኣድጊ ድማ ጽዒኑ መለሶ። ኪበኽየሉን ኪቐብሮን ከኣ ናብ ከተማ እቲ ኣረጊት ነብዪ መጸ።
30. ነቲ ሬሳኡ ድማ ናብ መቓብሩ ኣንበሮ እሞ፡ ዋይዋይ ሓወይ፡ ኢሎም በኸዩሉ።
31. ኰነ ኸኣ፡ ምስ ቀበሮ ንደቁ፡ እቲ ኣብቲ ኣብ ቤትኤል ዘሎ መሰውእን ኣብ ኲለን ኣብ ከተማታት ሰማርያ ዘለዋ ኣባይቲ በረኽቲ ብቓል እግዚኣብሄር ዝጨደሮ ነገር ብርግጽ ኪኸውን እዩ እሞ፡ ምስ ሞትኩ፡ ንኣይ ድማ ኣብዛ ናይ ኣምላኽ ሰብ ተቐቢርዋ ዘሎ መቓብር ቅበሩኒ፡ ኣዕጽምተይ ኣብ ጥቓ ኣዕጽምቱ ኣንብሩ፡ ኢሉ ተዛረቦም።
32. ኰነ ኸኣ፡ ምስ ቀበሮ ንደቁ፡ እቲ ኣብቲ ኣብ ቤትኤል ዘሎ መሰውእን ኣብ ኲለን ኣብ ከተማታት ሰማርያ ዘለዋ ኣባይቲ በረኽቲ ብቓል እግዚኣብሄር ዝጨደሮ ነገር ብርግጽ ኪኸውን እዩ እሞ፡ ምስ ሞትኩ፡ ንኣይ ድማ ኣብዛ ናይ ኣምላኽ ሰብ ተቐቢርዋ ዘሎ መቓብር ቅበሩኒ፡ ኣዕጽምተይ ኣብ ጥቓ ኣዕጽምቱ ኣንብሩ፡ ኢሉ ተዛረቦም።
33. ድሕርዚ ነገር እዚ የሮብዓም ኣብ ክፉእ መገዱ ኣይተመልሰን፡ መሊሱ ደኣ ኻብቲ ህዝቢ ንበረኽቲ ማንም ካህናት ገበረ። ነቲ በረኽቲ ኻህናት ኪዀኑ ንዝደለየ ዘበለ ቀደሶ።
34. እዚ ነገር እዚ ንቤት የሮብዓም ንሓጢኣትን ንምጥፋእን ካብ ልዕሊ ምድሪ ምጽናትን ኰና።

  1Kings (13/22)