1Kings (12/22)  

1. ብዘሎ እስራኤል ንሮብዓም ኬንግሶ ናብ ሴኬም መጺኡ ነበረ እሞ፡ ንሱ ድማ ናብ ሴኬም ከደ።
2. ኰነ ኸኣ፡ የሮብዓም ወዲ ናባጥ እዚ ምስ ሰምዔ፡ ንሱ ገና ኣብ ግብጺ፡ ኣብቲ ኻብ ቅድሚ ንጉስ ሰሎሞን ዝሀደሞ ነበረ እሞ፡ የሮብዓም ኣብ ግብጺ ይቕመጥ ነበረ።
3. ልኢኾም ድማ ጸውዕዎ። ሽዑ የሮብዓምን ብዘሎ ማሕበር እስራኤልን መጺኦም ንየሮብዓም፡
4. ኣቦኻ ኣርዑትና ኣበርትዓልና፡ ሕጂ ድማ ንስኻ ነቲ ብርቱዕ ኣገዛዝኣ ኣቦኻን ነቲ ዝሰቐለልና ኸቢድ ኣርዑቱን ኣቕልለልና፡ ንሕናውን ክንግዝኣካ ኢና፡ ኢሎም ተዛረብዎ።
5. ንሱ ድማ፡ ንሰለስተ መዓልቲ ኺዱ እሞ ናባይ ተመለሱ፡ በሎም። እቶም ህዝቢ ኸኣ ከዱ።
6. ንጉስ ሮብዓም ድማ ምስቶም ኣቦኡ ሰሎሞን ብህይወቱ ኸሎ ኣብ ቅድሚኡ ደው ዚብሉ ዝነበሩ ዓበይቲ፡ ነቲ ህዝቢ እዚ ዝመልሶ ነገር እንታይ ትመኽሩኒ፡ ኢሉ ተማኸረ።
7. ንሳቶም ከኣ፡ ነዚ ህዝቢ እዚ ሎሚ ጊልያ እንተ ዀንካዮ፡ እንተ ኣገልገልካዮም፡ ምላሽ ድማ እንተ ሀብካዮም፡ ጽቡቕ ቃልውን እንተ ተዛረብካዮም፡፡ ሽዑ ንሳቶም ንሓዋሩ ገላዉ ኪዀኑኻ እዮም፡ ኢሎም ተዛረብዎ።
8. ንሱ ግና ነቲ እቶም ዓበይቲ ዘማኸርዎ ምኽሪ ሓዲጉስ፡ ምስቶም ምስኡ ዝዐበዩ ኣብ ቅድሚኡ ደው ዚብሉ መንእሰይ ተማኸረ
9. እሞ፡ ነዞም፡ እቲ ኣቦኻ ዝሰቐለልና ኣርዑት ኣቕልለልና፡ ዚብሉኒ ህዝቢ እዚኦም እንመልሰሎም ነገር እንታይ ተማኽሩኒ∶: በሎም።
10. እቶም ምስኡ ዝዐበዩ መንእሰይ ከኣ፡ ነዞም ኣቦኻ ኣርዑትና ኣኽቢዱልና፡ ኢሎም እተዛረቡኻ ህዝቢ እዚኦም፡ እዛ ንእሽቶ ኣጻብዔይ ካብ ሕቘ ኣቦይ ትረጒድ።
11. ሕጂ ድማ ኣቦይ ከቢድ ኣርዑት ጸዐነኩም። ኣነ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ኣርዑትኩም ክውስኸልኩም እየ። ኣቦይ ብሓለንጊ ገረፈኩም፡ ኣነ ግና ብጭጒራፍ ክገርፈኩም እየ፡ በሎም፡ ኢሎም መለሱሉ።
12. ከምቲ እቲ ንጉስ፡ በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ተመለሱኒ፡ ኢሉ እተዛረቦም ድማ፡ የሮብዓምን ኲሉ እቲ ህዝብን ኰይኖም በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ናብ የሮብዓም መጹ።
13. ሽዑ እቲ ንጉስ ነቲ እቶም ዓበይቲ ዝመኸርዎ ምኽሪ ሐዲጉ ነቶም ህዝቢ ኣበርቲዑ መለሰሎም።
14. ኣቦይ ኣርዑትኩም፡ ኣኽበደልኩም፡ ኣነ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ኣርዑትኩም ክውስኸልኩም እየ። ኣቦይ ብሓለንጊ ገረፈኩም፡ ኣነ ግና ብጭጒራፍ ክገርፈኩም እየ፡ ኢሉ ኸምቲ ምኽሪ እቶም መንእሰይ ገይሩ፡ ተዛረቦም።
15. ነቲ እግዚኣብሄር ንየሮብዓም ወዲ ናባጥ ብኣሒያ ሺሎናዊ ተዛሪብዎ ዝነበረ ቓሉ ምእንቲ ኬቚሞ፡ እዚ ኻብ እግዚኣብሄር ተመዲቡ ነበረ እሞ፡ እቲ ንጉስ ነቲ ህዝቢ ኣይሰምዖን።
16. ሽዑ ብዘለዉ እስራኤል፡ ንጉስ ከም ዘይሰምዖም ምስ ረአዩ፡ እቶም ህዝቢ ንንጉስ፡ ኣብ ዳዊት እንታይ ክፍሊ ኣሎና∶: ኣብ ወዲ እሴይ ርስቲ የብልናን። ዎ እስራኤል፡ ነናብ ድንኳንካ ተመለስ። ኣታ ዳዊት፡ ሕጅስ ቤትካ ሐሉ፡ ዚብል ዘረባ መለሱሉ። ሽዑ እስራኤል ነናብ ድንኳኑ ኸደ።
17. ሮብዓም ግና ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ከተማታት ይሁዳ ዚቕመጡ ዝነበሩ ደቂ እስራኤል ነገሰ።
18. ንጉስ ሮብዓም ድማ ነቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ገባር ተሸይሙ ዝነበረ ኣዶራም ሰደዶ፡ ብዘለዉ እስራኤል ብዳርባ እምኒ ቐተልዎ፡ ሞተ ኸኣ። ንጉስ ሮብዓም ድማ ናብ የሩሳሌም ኪሀድም ተቐላጢፉ ናብ ሰረገላ ደየበ።
19. በዚ ኸምዚ እስራኤል ካብ ቤት ዳዊት ክሳዕ ሎሚ ዐልዮም አለዉ።
20. ኰነ ድማ፡ ብዘለዉ እስራኤል የሮብዓም ከም እተመልሰ ምስ ሰምዑ፡ ልኢኾም ናብቲ ኣኼባ ጸውዕዎ እሞ ኣብ ልዕሊ ብዘሎ እስራኤል ኣንገስዎ። ብጀካ ነገድ ይሁዳ ጥራይ ንቤት ዳዊት ዝሰዐባ ኣይነበረን።
21. ሮብዓም ናብ የሩሳሌም ምስ መጸ ድማ፡ ምስ ቤት እስራኤል ተዋጊኦም ነታ መንግስቲ ናብ ሮብዓም ወዲ ሰሎሞን ኪመልስዋ፡ ንብዘላ ቤት ይሁዳን ንነገድ ብንያምን ሚእትን ሰማንያን ሽሕ ሕሩያት ተዋጋእቲ ኣኽተተ።
22. ግናኸ ናብ ሸማዕያ ናይ ኣምላኽ ሰብ ከምዚ ዚብል ቃል ኣምላኽ መጸ፡
23. ንሮብዓም ንጉስ ይሁዳ ወዲ ሰሎሞን ንብዘላ ቤት ይሁዳን ንብንያምን ነቶም ዝተረፉ ህዝቢውን ከምዚ በሎም፡
24. እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እዚ ነገር እዚ ኻባይ እዩ እሞ፡ ምስ ኣሕዋትኩም ደቂ እስራኤል ክትዋግኡ ኣይትደይቡ፡ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ቤቱ ይመለስ። ንሳቶም ከኣ ቃል እግዚኣብሄር ሰሚዖም፡ ከምቲ ዘረባ እግዚኣብሄር ተመሊሶም ከዱ።
25. የሮብዓም ድማ ንሴኬም ኣብ ከረን ኤፍሬም ሰርሓ፡ ኣብኣውን ተቐመጠ። ካብኣ ወጺኡ ኸኣ ንጳኑኤል ሰርሓ።
26. የሮብዓም ድማ ብልቡ፡ ሕጂ እዛ መንግስቲ ናብ ቤት ዳዊት ክትምለስ እያ።
27. እዚ ህዝቢ እዚ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር መስዋእቲ ሕሩድ ኪስውእ ናብ የሩሳሌም እንተ ደየበ፡ ልቢ እዚ ህዝቢ እዚ ናብ ጐይታኦም፡ ናብ ሮብዓም ንጉስ ይሁዳ ኺምለስ እዩ እሞ፡ ቐቲሎምኒ ናብ ሮብዓም ንጉስ ይሁዳ ኺምለሱ እዮም፡ በለ።
28. እቲ ንጉስ ድማ መኺሩ ኽልተ ምራኹት ወርቂ ገበረ፡ ዎ እስራኤል፡ ናብ የሩሳሌም ምድያብ ይበዝሓኩም እዩ፡ እቶም ካብ ምድሪ ግብጺ ዘደየቡኻ ኣማልኽትኻ እነዉልካ፡ ድማ በሎም።
29. ነቲ ሓደ ኣብ ቤትኤል ኣንበሮ፡ ነቲ ሓደ ኸኣ ኣብ ዳን ገበሮ።
30. እቲ ህዝቢ ኣብ ቅድሚ እቲ ሓደ ኺሰግድ ክሳዕ ዳን ይኸይድ ነበረ እሞ፡ እዚ ነገር እዚ ንሓጢኣት ኰነ።
31. ኣብ በረኽቲውን ኣባይቲ ሰርሔ፡ ካብ ደቂ ሌዊ ዘይኰኑ ኸኣ፡ ካብቲ ህዝቢ ማንም ካህናት ገበረ።
32. የሮብዓም ድማ ኣብ ሳምነይቲ ወርሒ፡ ኣብታ ወርሒ ኸኣ ኣብ መበል ዓሰርተው ሓሙሽተ መዓልቲ ኸምቲ ኣብ ይሁዳ ዚግበር በዓል፡ በዓል ገበረ፡ ናብቲ መሰውኢ ድማ ደየበ። ነቶም ዝገበሮም ምራኹት ኪስውኣሎም ኣብ ቤትኤል ከምኡ ገበረ። ናይቲ ዝገበሮ በረኽቲ ኸኣ ካህናት ኣብ ቤትኤል ኣቘመ።
33. ብሳምነይቲ ወርሒ፡ ብመበል ዓሰርተው ሓሙሽተ መዓልቲ፡ በታ ብልቡ ዝመደባ ወርሒ ናብቲ ኣብ ቤትኤል ዝሰርሖ መሰውኢ ደየበ። ንደቂ እስራኤል ከኣ በዓል ገበረሎም፡ ኪዐጥን ድማ ናብቲ መሰውኢ ደየበ።

  1Kings (12/22)