1Kings (10/22)  

1. ንግስቲ ሳባ ድማ ወረ ሰሎሞን ብዛዕባ ስም እግዚኣብሄር ምስ ሰምዔት፡ ብሕንቅልሕንቅሊቶይ ክትፍትኖ መጸት።
2. ምስ ኣዝዩ ብዙሕ ጉዕዞ፡ ምስ ቀመማትን ኣዝዩ ብዙሕ ወርቅን ክቡራት ኣእማንን እተጻዕና ኣግማል ኰይና ናብ የሩሳሌም መጸት። ናብ ሰሎሞን ምስ አተወት ድማ፡ ኣብ ልባ ዝነበረ ዂሉ ኣዛረበቶ።
3. ሰሎሞን ከኣ ኲሉ ዘረባኣ ገለጸላ። ዘይገለጸላ ኻብ ንጉስ እተሰወረ ነገር ኣይነበረን።
4. ንግስቲ ሳባ ጥበብ ሰሎሞንን እታ ዝሰርሓ ቤትን ምስ ረአየት፡
5. መብልዕ መኣዱን ኣቓማምጣ ገላዉኡን ኣቃውማ ኣገልገልቱን ኣከዳድናኦምን ኣሰለፍቱን ነቲ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ዚድይበሉ መሳልልን ምስ ረአየት፡ ውኖኣ ተመሰጠ።
6. ንንጉስ ከኣ በለቶ፡ እቲ ኣብ ሃገረይ ከሎኹ ብዛዕባ ግብርኻን ብዛዕባ ጥበብካን ዝሰማዕክዎ ነገር ሓቂ እዩ።
7. መጺኤ ብዓይነይ ክሳዕ ዝርኢ ድማ፡ ነቲ ዘረባ ኣይኣመንክዎን፡ እንሆ ኸኣ ፈረቓ እኳ ኣይነገሩንን። ካብቲ ዚሰማዕክዎ ወረ ዚበዝሕ ጥበብን ጽቡቕ ነገርን ኣሎካ።
8. እቶም ሰብካ ብጹኣን እዮም፡ እዞም ወርትግ ኣብ ቅድሜኻ ደው ኢሎም ጥበብካ ዚሰምዑ ገላዉኻ ብጹኣን እዮም።
9. እቲ ኣብ ዝፋን እስራኤል ኬቐምጠካ ዝፈተወካ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብሩኽ ይኹን። እግዚኣብሄር ንእስራኤል ንሓዋሩ ስለ ዝፈተዎ፡ ፍርድን ጽድቅን ምእንቲ ኸተውጽእ፡ ንጉስ ክትከውን ሸመካ።
10. ንሳ ድማ ንንጉስ ሚእትን ዕስራን ታለንት ወርቅን ኣዝዩ ብዙሕ ቀመማትን ክቡራት ኣእማንን ሀበቶ፡ ድሕርቲ ኸምቲ ንግስቲ ሳባ ንንጉስ ሰሎሞን ዝሀበቶ ዝምብዛሑ ቐመማት ከቶ ኣይመጸን።
11. እተን ካብ ኦፊር ወርቂ ዜምጽኣ መራኽብ ሒራም ከኣ ኣዝዩ ብዙሕ ዕንጨይቲ ሰንደልን ክቡራት ኣእማንን የምጽኣ ነበራ።
12. ንጉስ ድማ ካብቲ ዕንጨይቲ ሰንደል ንቤት እግዚኣብሄርን ንቤት ንጉስን ዚኸውን መጋረዲታት፡ ንመዘመራን ዚኸውን መሰንቆታትን በገናታትን ገበረ። ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኸምኡ ዝበለ ዕጨይቲ ሰንደል ኣይመጸን፡ ኣይተራእየን ድማ።
13. ብጀካ እቲ ሰሎሞን ከም ናይ ንንግስቲ ሳባ ዝለመነቶ ዘበለ ዂሉ ድላያ ሀባ። ንሳ ድማ ተመሊሳ ምስ ገላዉኣ ናብ ሃገራ ኸደት።
14. ብዘይ እቲ ብሰብ ሸቐጥን ብንግድ ቃፍላይን ካብ ኲሎም ነገስታት ዓረብን ካብ ራእስታት ሃገርን ዝመጸ፡ ሚዛን እቲ ንሰሎሞን ብሓንቲ ዓመት ዚአትዎ ዝነበረ ወርቂ ሹድሽተ ሚእትን ስሳን ሹድሽተን ታለንት ወርቂ ነበረ።
15. ብዘይ እቲ ብሰብ ሸቐጥን ብንግድ ቃፍላይን ካብ ኲሎም ነገስታት ዓረብን ካብ ራእስታት ሃገርን ዝመጸ፡ ሚዛን እቲ ንሰሎሞን ብሓንቲ ዓመት ዚአትዎ ዝነበረ ወርቂ ሹድሽተ ሚእትን ስሳን ሹድሽተን ታለንት ወርቂ ነበረ።
16. ንጉስ ሰሎሞን ድማ ክልተ ሚቕእቲ ዓበይቲ ዋልታ ቕጥቁጥ ወርቂ ሰርሔ፡ ነንሓደ ዋልታ ሹድሽተ ሚእቲ ሲቃል ወርቂ ወድኤ።
17. ሰለስተ ሚእቲ ናእሽቱ ዋልታ ቕጥቁጥ ወርቂ ኸኣ ሰርሔ፡ ነንሓደ ዋልታ ሰለስተ ምና ወርቂ ወድኤ። እቲ ንጉስ ድማ ኣብታ ቤት ዱር ሊባኖስ ኣንበሮ።
18. ንጉስ ድማ ብስኒ ሓርማዝ ዓብዪ ዝፋን ሰርሔ፡ ብጽሩይ ወርቂውን ለበጦ።
19. እቲ ዝፋን ከኣ ብሸነኽ ድሕሪት ከቢብ ነበረ። እቲ ኾፍ መበሊ ድማ በዝን በትን መደገፍ ኣእዳው ነበሮ፡ ኣብ ጎቦ እቲ መደገፍ ኣእዳው ከኣ ክልተ ኣንበሳ ደው ኢሎም ነበሩ።
20. ኣብቲ ሹድሽተ መደያይቦ ድማ፡ ኣብኡ በዝን በትን ዓሰርተው ክልተ ኣንበሳ ደው ኢሎም ነበሩ። ከምዚ ዝበለ ኣብ ኲለን መንግስታት ኣይተገብረን።
21. ናይ ንጉስ ሰሎሞን ኣቓሑ መሳተያ ድማ ወርቂ ነበረ፡ ናይ ቤት ዱር ሊባኖስ ኲሉ ኣቓሑ ኸኣ ጽሩይ ወርቂ ነበረ፡ ናይ ብሩር ኣይነበረን፡ ንሱስ ብዘመን ሰሎሞን ገለ እኳ ኣይቚጸርን ነበረ።
22. ንጉስ ምስ መራኽብ ሒራም ኣብ ባሕሪ መራኽብ ተርሲስ ነበራኦ እሞ፡ እተን መራኽብ ተርሲስ ወርቅን ብሩርን ስኒ ሓርማዝን ህበይን ኣዕዋፍን ተጻዒነን ኣብ ሰሰለስተ ዓመትሲ ሓንሳእ ይመጻ ነበራ።
23. በዚ ኸምዚ ንጉስ ሰሎሞን ብሃብትን ብጥበብን ካብ ኲሎም ነገስታት ምድሪ ዐበየ።
24. ብዐለሙ ነቲ ኣምላኽ ኣብ ልቡ ዝሀቦ ጥበቡ ኺሰምዕስ፡ ገጽ ሰሎሞን ኪርኢ ይደሊ ነበረ።
25. ንሳቶም ድማ ነፍሲ ወከፎም ንገጽ በረኸቶም፡ ኣቓሑ ብሩርን ኣቓሑ ወርቅን ክዳውንትን ኣጽዋርን ቀመማትን ኣፍራስን ኣባቕልን ዓመት ንዓመት የምጽኡ ነበሩ።
26. ሰሎሞን ከኣ ሰረገላታት ፈረሰኛታትን አከበ እሞ፡ ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ሰረገላ ዓሰርተው ክልተ ሽሕ ፈረሰኛታትን ነበርዎ፡ ኣብ ከተማታት ሰረገላን ኣብ የሩሳሌም ምስ ንጉስን ድማ ኣቐመጦም።
27. እቲ ንጉስ ከኣ ንብሩር ኣብ የሩሳሌም ከም እምኒ ገበሮ፡ ንቄድሮስውን ኣብ ቈላ ኸም ዘሎ ሳግላ ዝምብዛሑ ገበሮ።
28. እቶም ኣፍራስ ሰሎሞን ድማ ካብ ግብጺ እዮም ዝወጹ ዝነበሩ፡ እቶም ናይ ንጉስ ነጋዶ ቓፍላይ ከኣ ነንመጓሴ ብቚሩጽ ዋጋ ይወስዱ ነበሩ።
29. ካብ ግብጺ ዚወጽእ ሰረገላ ድማ ነንሓደ ሹድሽተ ሚእቲ ሲቃል ብሩር ይወጽእ ነበረ። ሓደ ፈረስ ከኣ ብሚእትን ሓምሳን። ንዂሎም ነገስታት ሔታውያንን ንነገስታትን ሶርያን ድማ ከምኡ እናገበሩ በእዳዎም የውጽኡሎም ነበሩ።

  1Kings (10/22)