1Kings (1/22) → |
1. | ንጉስ ዳዊት ድማ ዕለቱ ዝሐለፈ ኣረጊት ኰነ። ክዳውንቲ ኸኣ ደረቡሉ፡ ግናኸ ኣይሞቐን። |
2. | ስለዚ እቶም ገላውኡ፡ ንጐይታና ንጉስ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ቈይማ እትኣልዮ፡ ጐይታና ንጉስ ምእንቲ ኺመውቕ ከኣ ኣብ ሕቚፍኻ እትድቅስ ድንግል ጓል ይድለዩ።ኡ፡ በልዎ። |
3. | ሽዑ ኣብ ብዘላ ምድሪ እስራኤል መልክዔኛ ጓል ደለዩ እሞ፡ ንኣቢሳግ ሱናማዊት ረኸቡ፡ ንእኣ ድማ ናብ ንጉስ ኣምጽእዋ። |
4. | ንሳ ኣዝያ መልክዔኛ ነበረት፡ ንንጉስ ከኣ ትኣልዮን ተገልግሎን ነበረት፡ ንጉስ ግና ኣይፈለጣን። |
5. | ሽዑ ኣዶንያ ወዲ ሓጊት፡ ኣነ ኽነግስ እየ፡ ኢሉ ተላዕለ። ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን ቀቅድሚኡ ዚጐዩ ሓምሳ ሰብኣይን ከኣ ገበረ። |
6. | ኣቦኡ ድማ ብዘሎ ዘመኑ፡ ስለምንታይ ኢኻ ኸምዚእትገብር ዘሎኻ ኢሉ ኣየጒሀዮን። ንሲ ኸኣ ትርኢቱ ኣዝዩ ጽቡቕ ነበረ፡ ንእኡ ድማ ድሕሪ ኣቤሴሎም እያ ዝተወለደቶ። |
7. | ነገሩ ኸኣ ምስ ዮኣብ ወዲ ጽሩያን ምስ ካህን ኣብያታርን ነበረ፡ ንሳቶም ድማ ንኣዶንያ ስዒቦም ደገፍዎ። |
8. | ካህን ጻዶቅን በናያ ወዲ የሆያዳን ነብዪ ናታንን ሺምዓን ረዒይን እቶም ጀጋኑ ዳዊትን ግና ምስ ኣዶንያ ኣይኰኑን። |
9. | ኣዶንያ ድማ ኣብቲ ኣብ ጥቓ ዔንሮጌል ዘሎ እምኒ ዞሔለት ኣባጊዕን ኣሓን ስቡሓት ኣባትይን ሐረደ። ንዂሎም ኣሕዋቱ ደቂ ንጉስን ንዂሎም ገላዉ ንጉስ ዘበሉ ሰብ ይሁዳን ከኣ ጸውዖም። |
10. | ንነብዪ ናታንን ንበናያ ነቶም ጀጋኑን ንሰሎሞን ሓዉን ግና ኣይጸውዖምን። |
11. | ሽዕ ናታን ንባትሴባ ኣደ ሰሎሞን፡ ጐይታና ንጉስ ከይፈለጠ፡ ኣዶንያ ወዲ ሓጊት ከም ዝነገሰዶ ኣይሰማዕክን ኢኺ በላ። |
12. | ሕጂ ድማ ነፍስኽን ነፍሲ ሰሎሞን ወድኽን ክተድሕንስ፡ በጃኺ ንዒ ምኽሪ ኽመኽረኪ። |
13. | ኬድኪ ናብ ንጉስ ዳዊት ኣቲኺ፡ ዎ ጐይታይ ንጉስ፡ ንስኻ ንገረድካ፡ ብድሕረይ ወድኺ ሰሎሞን ኪነግስ እዩ፡ ንሱ ድማ ኣብ ዝፋነይ ኪቕመጥ እዩ፡ ኢልካዶ ምሒልካለይ ኣይነበርካን ስለምንታይ ደኣ ኣዶንያ ነገሰ በልዮ። |
14. | እንሆ፡ ገና ንስኺ ኣብኡ ምስ ንጉስ ክትዛረቢ ኸሎኺ ኣነ ኸኣ ብድሕሬኺ ኣትየ ዘረባኺ ኽምልኣልኪ እየ፡ በለ። |
15. | ባትሴባ ኸኣ ናብ ንጉስ ኣብቲ ሕልፍኚ ኣተወት። እቲ ንጉስ ድማ ኣዝዩ ኣሪጉ ነበረ፡ ኣቢሳግ እታ ሱናማዊት ከኣ ነቲ ንጉስ ተገልግሎ ነበረት። |
16. | ባትሴባ ድማ ድንን፡ ኢላ ንንጉስ ኢድ ነስኣትሉ። እቲ ንጉስ ከኣ፡ እንታይ ደሊኺ ኢኺ በላ። |
17. | ንሳ ድማ በለቶ፡ ጐይታይ፡ ንስኻ፡ ብድሕረይ ወድኺ ሰሎሞን ኪነግስ፡ ንሱ ኸኣ ኣብ ዝፋነይ ኪቕመጥ እዩ፡ ኢልካ፡ ንገረድካ ብእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምሒልካለይ ነበርካ። |
18. | ሕጂ ድማ፡ እንሆ፡ ኣዶንያ ነጊሱ፡ ንስኻ ጐይታይ ንጉስ ከኣ ኣይፈለጥካንዮን። |
19. | ንሱ ድማ ኣብዑርን ስቡሓት ኣባትይን ብዙሓት ኣባጊዕን ሐሪዱስ፡ ንዂሎም ደቂ ንጉስን ንኻህን ኣብያታርን ንዮኣብ ሓለቓ ሰራዊትን ከኣ ጸዊዕዎም ኣሎ። ንሰሎሞን ጊልያኻ ግና ኣይጸውዖን። |
20. | ሕጂ ኸኣ፡ ጐይታይ ንጉስ፡ እቲ ብድሕሬኻ ኣብ ዝፋን ጐይታይ ንጉስ ዚቕመጥ ክትነግሮም፡ ኣዒንቲ ዂሎም እስራኤል ናባኻ ይጥምታ ኣለዋ። |
21. | እንተ ዘይኰነስ፡ ጐይታይ ንጉስ ምስ ኣቦታቱ ምስ ዐረፈ፡ ኣነን ሰሎሞን ወደይን ከም ዓመጽቲ ኽንከውን ኢና። |
22. | እንሆ ድማ፡ ገና ምስ ንጉስ ክትዛረብ ከላ፡ ነብዪ ናታን ኣተወ። |
23. | ንንጉስ ከኣ፡ እንሆ ነብዪ ናታን፡ ኢሎም ነገርዎ። ናብ ቅድሚ ንጉስ ምስ ኣተወ ድማ፡ ብገጹ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ንንጉስ ኢድ ነስኣሉ። |
24. | ናታን ድማ በለ፡ ዎ ጐይታይ ንጉስ፡ ንስኻ፡ ብድሕረይ ኣዶንያ ይንገስ፡ ንሱ ኸኣ ኣብ ዝፋነይ ይቀመጥዶ ኢልካ ኢኻ |
25. | ንሱስ ሎሚ ወሪዱ፡ ኣብዑርን ስቡሓት ኣባትይን ብዙሓት ኣባጊዕን ሐሪዱ፡ ንዂሎም ደቂ ንጉስን ንሓላቑ ሰራዊትን ንኻህን ኣብያታርን ጸዊዑዎም፡ እነዉ ኸኣ፡ ኣብ ቅድሚኡ ይበልዑን ይሰትዩን፡ ንጉስ ኣዶንያ ህያው ይኹን፡ ድማ ይብሉ ኣለዉ። |
26. | ንኣይ ጊልያኻን ንኻህን ጻዶቅን ንበናያ ወዲ የሆያዳን ንጊልያኻ ሰሎሞንንን ግና ኣይጸውዓናን። |
27. | ብድሕሬኻ ኣብ ዝፋን ጐይታይ ንጉስ መን ከም ዚቕመጥ ንጊልያኻ ኸይነገርካን፡ እዚ ነገር እዚዶ ኻብ ጐይታይ ንጉስ ኰይኑ እዩ |
28. | ሽዑ ንጉስ ዳዊት መሊሱ፡ ንባትሴባ ጸውዑለይ፡ በለ። ንሳ ኸኣ ናብ ቅድሚ ንጉስ ኣተወት፡ ኣብ ቅድሚ ንጉስውን ደው በለት። |
29. | እቲ ንጉስ ድማ ከምዚ ኢሉ መሐለ፡ እቲ ንነፍሰይ ካብ ኲሉ ጸበባ ዘድሐነ እግዚኣብሄር ህያው እዩ፡ |
30. | ከምቲ፡ ሰሎምን ወድኺ ብድሕረይ ኪነግስ፡ ንሱ ድማ ኣብ ክንዳይ ኣብ ዝፋነይ ኪቕመጥ እየ፡ ኢለ ብእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ዝመሐልኩልኪ፡ ሎሚ መዓልቲ ኸምኡ ኽገብር እየ። |
31. | ሽዑ ባትሴባ ድንን ኢላ ብገጻ ናብ ምድሪ ተደፊኣ ንንጉስ ኢድ ነሲኣ፡ ጐይታይ ንጉስ ዳዊት ንዘለኣለም ህያው ይኹን፡ በለት። |
32. | ንጉስ ዳዊት ድማ፡ ንኻህን ጻዶቅን ንነብዪ ናታንን ንበናያ ወዲ የሆያዳን ጸውዑለይ፡ በለ። ናብ ቅድሚ ንጉስ ከኣ መጹ። |
33. | እቲ ንጉስ ድማ በሎም፡ ንገላዉ ጐይታኹም ምሳኹም ተማሊእኩምንወደይ ሰሎምን ከኣ ኣብ በቕለይ ኣወጢሕኩም ናብ ጊሖን ኣውርድዎ። |
34. | ኣብኡ ኸኣ ካህን ጻዶቅን ነብዪ ናታንን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኪነግስ ይቕብእዎ። መለኸት እናነፋሕኩም ድማ፡ ንጉስ ሰሎሞን ህያው ይኹን፡ በሉ። |
35. | ደድሕሪኡ ስዒብኩም ከኣ ደይቡ፡ መጺኡ ድማ ኣብ ዝፋነይ ይቀመጥ፡ ንሱ ኸኣ ኣብ ክንዳይ ይንገስ፡ ንእኡ ድማ ኣብ ልዕሊ እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ይሁዳን መስፍን ኪኸውን ኣዚዘ እየ። |
36. | በናያ ወዲ የሆያዳ ኸኣ ንንጉስ፡ ኣሜን፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ጐይታይ ንጉስ ከምኡ ይበል፡ |
37. | እግዚኣብሄር ከምቲ ምስ ጐይታይ ንጉስ ዝነበረ፡ ከምኡ ኸኣ ምስ ሰሎሞን ይኹን፡ ዝፋኑ ድማ ካብ ዝፋን ጐይታይ ንጉስ ዳዊት የዕብዮ፡ ኢሉ መለሰ። |
38. | ሽዑ ኻህን ጻዶቅን ነብዪ ናታንን በናያ ወዲ የሆያዳን ክረታውያንን ጵለታውያንን ወረዱ፡ ንሰሎሞን ከኣ ኣብ በቕሊ ንጉስ ዳዊት ኣወጢሖም ናብ ጊሖን ወሰድዎ። |
39. | ካህን ጻዶቅ ድማ ካብ ድንኳን ቀርኒ ዘይቲ ወሲዱ ንሰሎሞን ቀብኦ። መለኸት ከኣ ነፍሑ፡ ኲሎም ህዝቢ ድማ፡ ንጉስ ሰሎሞን ህያው ይኹን፡በሉ። |
40. | ብዘለዉ እቶም ህዝቢ ድማ ደድሕሪኡ ደየቡ፡ እቶም ህዝቢ ኸኣ እምብልታ እናወቕዑ፡ ዓብዪ ሓጐስ ተሐጐሱ፡ ብጭድርታኦምውን ምድሪ ተጨደት። |
41. | ኣዶንያን ምስኡ ዝነበሩ ዂሎም ጽዉዓትን ድማ፡ በሊዖም ምስ ወድኡ፡ ሰምዕዎ። ዮኣብ ከኣ ደሃይ መለኸት ምስ ሰምዔ፡ እዚ ኣብ ከተማ ዚስማዕዘሎ ጭራሕምራሕ እንታይ እዩ በለ። |
42. | ገና ኺዛረብ ከሎ፡ እንሆ፡ ዮናታን ወዲ ኻህን ኣብያታር መጸ፡ ኣዶንያ ድማ፡ ኣታ ጽቡቕ እተበስር ሃብሮም ሰብ ኢኻ እሞ፡እቶ፡ በሎ። |
43. | ዮናታን ከኣ ንኣዶንያ መሊሱ በሎ፡ ብሓቂ ጐይታና ንጉስ ዳዊት ንሰሎሞን ኣንጊስዎ። |
44. | እቲ ንጉስ ድማ ንኻህን ጻዶቅን ንነብዪ ናታንን ንባናያ ወዲ የሆያዳን ንክረታውያንን ንጵለታውያንን ምስኡ ሰደዶም፡ ንሳቶም ከኣ ኣብ በቕሊ ንጉስ ኣወጥሕዎ። |
45. | ካህን ጻዶቅን ነብዪ ናታንን ድማ ንጉስ ኪኸውን ኣብ ጊሖን ቀብእዎ። ካብኡ ኸኣ ተሐጒሶም ደየቡ፡ እታ ኸተማ ድማ ዕግርግር በለት። እቲ ዝሰማዕኩምዎ ጫውጫው እዚ እዩ። |
46. | ሰሎሞን ከኣ ኣብ ዝፋን መንግስቲ ተቐመጠ። |
47. | እቶም ገላዉ ንጉስ ድማ ኣትዮም፡ ንጐይታና ንጉስ ዳዊት፡ ኣምላኽካ ንስም ሰሎምን ካብ ስምካ የብልጾ፡ ንዝፋኑ ኸኣ ካብ ዝፋንካ የዕብዮ፡ ኢሎም መረቕዎ። ንጉስ ድማ ኣብ መደቀሲኡ ዀይኑ ሰገደ። |
48. | ንጉስ ከኣ፡ እቲ ኣዒንተይ እናረኣያ ሎሚ ኣብ ዝፋነይ ዚቕመጥ ዝሀበኒ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ብሩኽ ይኹን፡ በለ። |
49. | ሽዑ እቶም ኣዶንያ ዝጸውዖም ኲሎም ፈርሁ፡ ተንሲኦም ድማነፍሲ ወከፍ መመገዶም ከዱ። |
50. | ኣዶንያ ኸኣ ንሰሎሞን ፈሪሁ ተንስኤ፡ ከይዱ ድማ ቀርኒ መሰውኢ ኣጽኒዑ ሐዘ። |
51. | ንሰሎሞን ከኣ፡ እንሆ፡ ኣዶንያ ንንጉስ ሰሎሞን ፈሪሁ እንሆ ድማ ቀርኒ መሰውኢ ሒዙ፡ ንጉስ ሰሎሞን ንጊልያኡ ብሴፍ ከይቀትሎ ሎሚ ይምሐለለይ፡ ይብል ኣሎ፡ በልዎ። |
52. | ሰሎሞን ከኣ፡ ሕያዋይ ሰብ እንተ ዀይኑስ፡ ካብ ጸጒሩ ሓንቲ እኳ ናብ ምድሪ ኣየትወድቕን፡ክፉእ እንተ ተረኽቦ ግና፡ ኪመውት እዩ፡ በለ። |
53. | ንጉስ ሰሎሞን ድማ ለኣኸ እሞ፡ ካብቲ መሰውኢ ኣምጽእዎ። ንሱ ኸኣ መጺኡ ንንጉስ ሰሎሞን ኢድ ነሰኣሉ። ሰሎሞን ድማ፡ ናብ ቤትካ ኺድ፡ በሎ። |
1Kings (1/22) → |