1Kings (1/22)  

1. ንጉስ ዳዊት ድማ ዕለቱ ዝሐለፈ ኣረጊት ኰነ። ክዳውንቲ ኸኣ ደረቡሉ፡ ግናኸ ኣይሞቐን።
2. ስለዚ እቶም ገላውኡ፡ ንጐይታና ንጉስ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ቈይማ እትኣልዮ፡ ጐይታና ንጉስ ምእንቲ ኺመውቕ ከኣ ኣብ ሕቚፍኻ እትድቅስ ድንግል ጓል ይድለዩ።ኡ፡ በልዎ።
3. ሽዑ ኣብ ብዘላ ምድሪ እስራኤል መልክዔኛ ጓል ደለዩ እሞ፡ ንኣቢሳግ ሱናማዊት ረኸቡ፡ ንእኣ ድማ ናብ ንጉስ ኣምጽእዋ።
4. ንሳ ኣዝያ መልክዔኛ ነበረት፡ ንንጉስ ከኣ ትኣልዮን ተገልግሎን ነበረት፡ ንጉስ ግና ኣይፈለጣን።
5. ሽዑ ኣዶንያ ወዲ ሓጊት፡ ኣነ ኽነግስ እየ፡ ኢሉ ተላዕለ። ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን ቀቅድሚኡ ዚጐዩ ሓምሳ ሰብኣይን ከኣ ገበረ።
6. ኣቦኡ ድማ ብዘሎ ዘመኑ፡ ስለምንታይ ኢኻ ኸምዚእትገብር ዘሎኻ ኢሉ ኣየጒሀዮን። ንሲ ኸኣ ትርኢቱ ኣዝዩ ጽቡቕ ነበረ፡ ንእኡ ድማ ድሕሪ ኣቤሴሎም እያ ዝተወለደቶ።
7. ነገሩ ኸኣ ምስ ዮኣብ ወዲ ጽሩያን ምስ ካህን ኣብያታርን ነበረ፡ ንሳቶም ድማ ንኣዶንያ ስዒቦም ደገፍዎ።
8. ካህን ጻዶቅን በናያ ወዲ የሆያዳን ነብዪ ናታንን ሺምዓን ረዒይን እቶም ጀጋኑ ዳዊትን ግና ምስ ኣዶንያ ኣይኰኑን።
9. ኣዶንያ ድማ ኣብቲ ኣብ ጥቓ ዔንሮጌል ዘሎ እምኒ ዞሔለት ኣባጊዕን ኣሓን ስቡሓት ኣባትይን ሐረደ። ንዂሎም ኣሕዋቱ ደቂ ንጉስን ንዂሎም ገላዉ ንጉስ ዘበሉ ሰብ ይሁዳን ከኣ ጸውዖም።
10. ንነብዪ ናታንን ንበናያ ነቶም ጀጋኑን ንሰሎሞን ሓዉን ግና ኣይጸውዖምን።
11. ሽዕ ናታን ንባትሴባ ኣደ ሰሎሞን፡ ጐይታና ንጉስ ከይፈለጠ፡ ኣዶንያ ወዲ ሓጊት ከም ዝነገሰዶ ኣይሰማዕክን ኢኺ በላ።
12. ሕጂ ድማ ነፍስኽን ነፍሲ ሰሎሞን ወድኽን ክተድሕንስ፡ በጃኺ ንዒ ምኽሪ ኽመኽረኪ።
13. ኬድኪ ናብ ንጉስ ዳዊት ኣቲኺ፡ ዎ ጐይታይ ንጉስ፡ ንስኻ ንገረድካ፡ ብድሕረይ ወድኺ ሰሎሞን ኪነግስ እዩ፡ ንሱ ድማ ኣብ ዝፋነይ ኪቕመጥ እዩ፡ ኢልካዶ ምሒልካለይ ኣይነበርካን ስለምንታይ ደኣ ኣዶንያ ነገሰ በልዮ።
14. እንሆ፡ ገና ንስኺ ኣብኡ ምስ ንጉስ ክትዛረቢ ኸሎኺ ኣነ ኸኣ ብድሕሬኺ ኣትየ ዘረባኺ ኽምልኣልኪ እየ፡ በለ።
15. ባትሴባ ኸኣ ናብ ንጉስ ኣብቲ ሕልፍኚ ኣተወት። እቲ ንጉስ ድማ ኣዝዩ ኣሪጉ ነበረ፡ ኣቢሳግ እታ ሱናማዊት ከኣ ነቲ ንጉስ ተገልግሎ ነበረት።
16. ባትሴባ ድማ ድንን፡ ኢላ ንንጉስ ኢድ ነስኣትሉ። እቲ ንጉስ ከኣ፡ እንታይ ደሊኺ ኢኺ በላ።
17. ንሳ ድማ በለቶ፡ ጐይታይ፡ ንስኻ፡ ብድሕረይ ወድኺ ሰሎሞን ኪነግስ፡ ንሱ ኸኣ ኣብ ዝፋነይ ኪቕመጥ እዩ፡ ኢልካ፡ ንገረድካ ብእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምሒልካለይ ነበርካ።
18. ሕጂ ድማ፡ እንሆ፡ ኣዶንያ ነጊሱ፡ ንስኻ ጐይታይ ንጉስ ከኣ ኣይፈለጥካንዮን።
19. ንሱ ድማ ኣብዑርን ስቡሓት ኣባትይን ብዙሓት ኣባጊዕን ሐሪዱስ፡ ንዂሎም ደቂ ንጉስን ንኻህን ኣብያታርን ንዮኣብ ሓለቓ ሰራዊትን ከኣ ጸዊዕዎም ኣሎ። ንሰሎሞን ጊልያኻ ግና ኣይጸውዖን።
20. ሕጂ ኸኣ፡ ጐይታይ ንጉስ፡ እቲ ብድሕሬኻ ኣብ ዝፋን ጐይታይ ንጉስ ዚቕመጥ ክትነግሮም፡ ኣዒንቲ ዂሎም እስራኤል ናባኻ ይጥምታ ኣለዋ።
21. እንተ ዘይኰነስ፡ ጐይታይ ንጉስ ምስ ኣቦታቱ ምስ ዐረፈ፡ ኣነን ሰሎሞን ወደይን ከም ዓመጽቲ ኽንከውን ኢና።
22. እንሆ ድማ፡ ገና ምስ ንጉስ ክትዛረብ ከላ፡ ነብዪ ናታን ኣተወ።
23. ንንጉስ ከኣ፡ እንሆ ነብዪ ናታን፡ ኢሎም ነገርዎ። ናብ ቅድሚ ንጉስ ምስ ኣተወ ድማ፡ ብገጹ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ንንጉስ ኢድ ነስኣሉ።
24. ናታን ድማ በለ፡ ዎ ጐይታይ ንጉስ፡ ንስኻ፡ ብድሕረይ ኣዶንያ ይንገስ፡ ንሱ ኸኣ ኣብ ዝፋነይ ይቀመጥዶ ኢልካ ኢኻ
25. ንሱስ ሎሚ ወሪዱ፡ ኣብዑርን ስቡሓት ኣባትይን ብዙሓት ኣባጊዕን ሐሪዱ፡ ንዂሎም ደቂ ንጉስን ንሓላቑ ሰራዊትን ንኻህን ኣብያታርን ጸዊዑዎም፡ እነዉ ኸኣ፡ ኣብ ቅድሚኡ ይበልዑን ይሰትዩን፡ ንጉስ ኣዶንያ ህያው ይኹን፡ ድማ ይብሉ ኣለዉ።
26. ንኣይ ጊልያኻን ንኻህን ጻዶቅን ንበናያ ወዲ የሆያዳን ንጊልያኻ ሰሎሞንንን ግና ኣይጸውዓናን።
27. ብድሕሬኻ ኣብ ዝፋን ጐይታይ ንጉስ መን ከም ዚቕመጥ ንጊልያኻ ኸይነገርካን፡ እዚ ነገር እዚዶ ኻብ ጐይታይ ንጉስ ኰይኑ እዩ
28. ሽዑ ንጉስ ዳዊት መሊሱ፡ ንባትሴባ ጸውዑለይ፡ በለ። ንሳ ኸኣ ናብ ቅድሚ ንጉስ ኣተወት፡ ኣብ ቅድሚ ንጉስውን ደው በለት።
29. እቲ ንጉስ ድማ ከምዚ ኢሉ መሐለ፡ እቲ ንነፍሰይ ካብ ኲሉ ጸበባ ዘድሐነ እግዚኣብሄር ህያው እዩ፡
30. ከምቲ፡ ሰሎምን ወድኺ ብድሕረይ ኪነግስ፡ ንሱ ድማ ኣብ ክንዳይ ኣብ ዝፋነይ ኪቕመጥ እየ፡ ኢለ ብእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ዝመሐልኩልኪ፡ ሎሚ መዓልቲ ኸምኡ ኽገብር እየ።
31. ሽዑ ባትሴባ ድንን ኢላ ብገጻ ናብ ምድሪ ተደፊኣ ንንጉስ ኢድ ነሲኣ፡ ጐይታይ ንጉስ ዳዊት ንዘለኣለም ህያው ይኹን፡ በለት።
32. ንጉስ ዳዊት ድማ፡ ንኻህን ጻዶቅን ንነብዪ ናታንን ንበናያ ወዲ የሆያዳን ጸውዑለይ፡ በለ። ናብ ቅድሚ ንጉስ ከኣ መጹ።
33. እቲ ንጉስ ድማ በሎም፡ ንገላዉ ጐይታኹም ምሳኹም ተማሊእኩምንወደይ ሰሎምን ከኣ ኣብ በቕለይ ኣወጢሕኩም ናብ ጊሖን ኣውርድዎ።
34. ኣብኡ ኸኣ ካህን ጻዶቅን ነብዪ ናታንን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኪነግስ ይቕብእዎ። መለኸት እናነፋሕኩም ድማ፡ ንጉስ ሰሎሞን ህያው ይኹን፡ በሉ።
35. ደድሕሪኡ ስዒብኩም ከኣ ደይቡ፡ መጺኡ ድማ ኣብ ዝፋነይ ይቀመጥ፡ ንሱ ኸኣ ኣብ ክንዳይ ይንገስ፡ ንእኡ ድማ ኣብ ልዕሊ እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ይሁዳን መስፍን ኪኸውን ኣዚዘ እየ።
36. በናያ ወዲ የሆያዳ ኸኣ ንንጉስ፡ ኣሜን፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ጐይታይ ንጉስ ከምኡ ይበል፡
37. እግዚኣብሄር ከምቲ ምስ ጐይታይ ንጉስ ዝነበረ፡ ከምኡ ኸኣ ምስ ሰሎሞን ይኹን፡ ዝፋኑ ድማ ካብ ዝፋን ጐይታይ ንጉስ ዳዊት የዕብዮ፡ ኢሉ መለሰ።
38. ሽዑ ኻህን ጻዶቅን ነብዪ ናታንን በናያ ወዲ የሆያዳን ክረታውያንን ጵለታውያንን ወረዱ፡ ንሰሎሞን ከኣ ኣብ በቕሊ ንጉስ ዳዊት ኣወጢሖም ናብ ጊሖን ወሰድዎ።
39. ካህን ጻዶቅ ድማ ካብ ድንኳን ቀርኒ ዘይቲ ወሲዱ ንሰሎሞን ቀብኦ። መለኸት ከኣ ነፍሑ፡ ኲሎም ህዝቢ ድማ፡ ንጉስ ሰሎሞን ህያው ይኹን፡በሉ።
40. ብዘለዉ እቶም ህዝቢ ድማ ደድሕሪኡ ደየቡ፡ እቶም ህዝቢ ኸኣ እምብልታ እናወቕዑ፡ ዓብዪ ሓጐስ ተሐጐሱ፡ ብጭድርታኦምውን ምድሪ ተጨደት።
41. ኣዶንያን ምስኡ ዝነበሩ ዂሎም ጽዉዓትን ድማ፡ በሊዖም ምስ ወድኡ፡ ሰምዕዎ። ዮኣብ ከኣ ደሃይ መለኸት ምስ ሰምዔ፡ እዚ ኣብ ከተማ ዚስማዕዘሎ ጭራሕምራሕ እንታይ እዩ በለ።
42. ገና ኺዛረብ ከሎ፡ እንሆ፡ ዮናታን ወዲ ኻህን ኣብያታር መጸ፡ ኣዶንያ ድማ፡ ኣታ ጽቡቕ እተበስር ሃብሮም ሰብ ኢኻ እሞ፡እቶ፡ በሎ።
43. ዮናታን ከኣ ንኣዶንያ መሊሱ በሎ፡ ብሓቂ ጐይታና ንጉስ ዳዊት ንሰሎሞን ኣንጊስዎ።
44. እቲ ንጉስ ድማ ንኻህን ጻዶቅን ንነብዪ ናታንን ንባናያ ወዲ የሆያዳን ንክረታውያንን ንጵለታውያንን ምስኡ ሰደዶም፡ ንሳቶም ከኣ ኣብ በቕሊ ንጉስ ኣወጥሕዎ።
45. ካህን ጻዶቅን ነብዪ ናታንን ድማ ንጉስ ኪኸውን ኣብ ጊሖን ቀብእዎ። ካብኡ ኸኣ ተሐጒሶም ደየቡ፡ እታ ኸተማ ድማ ዕግርግር በለት። እቲ ዝሰማዕኩምዎ ጫውጫው እዚ እዩ።
46. ሰሎሞን ከኣ ኣብ ዝፋን መንግስቲ ተቐመጠ።
47. እቶም ገላዉ ንጉስ ድማ ኣትዮም፡ ንጐይታና ንጉስ ዳዊት፡ ኣምላኽካ ንስም ሰሎምን ካብ ስምካ የብልጾ፡ ንዝፋኑ ኸኣ ካብ ዝፋንካ የዕብዮ፡ ኢሎም መረቕዎ። ንጉስ ድማ ኣብ መደቀሲኡ ዀይኑ ሰገደ።
48. ንጉስ ከኣ፡ እቲ ኣዒንተይ እናረኣያ ሎሚ ኣብ ዝፋነይ ዚቕመጥ ዝሀበኒ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ብሩኽ ይኹን፡ በለ።
49. ሽዑ እቶም ኣዶንያ ዝጸውዖም ኲሎም ፈርሁ፡ ተንሲኦም ድማነፍሲ ወከፍ መመገዶም ከዱ።
50. ኣዶንያ ኸኣ ንሰሎሞን ፈሪሁ ተንስኤ፡ ከይዱ ድማ ቀርኒ መሰውኢ ኣጽኒዑ ሐዘ።
51. ንሰሎሞን ከኣ፡ እንሆ፡ ኣዶንያ ንንጉስ ሰሎሞን ፈሪሁ እንሆ ድማ ቀርኒ መሰውኢ ሒዙ፡ ንጉስ ሰሎሞን ንጊልያኡ ብሴፍ ከይቀትሎ ሎሚ ይምሐለለይ፡ ይብል ኣሎ፡ በልዎ።
52. ሰሎሞን ከኣ፡ ሕያዋይ ሰብ እንተ ዀይኑስ፡ ካብ ጸጒሩ ሓንቲ እኳ ናብ ምድሪ ኣየትወድቕን፡ክፉእ እንተ ተረኽቦ ግና፡ ኪመውት እዩ፡ በለ።
53. ንጉስ ሰሎሞን ድማ ለኣኸ እሞ፡ ካብቲ መሰውኢ ኣምጽእዎ። ንሱ ኸኣ መጺኡ ንንጉስ ሰሎሞን ኢድ ነሰኣሉ። ሰሎሞን ድማ፡ ናብ ቤትካ ኺድ፡ በሎ።

      1Kings (1/22)