1John (5/5)    

1. ንየሱስ፡ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ዚኣምን ዘበለ ዂሉ ኻብ ኣምላኽ እተወልደ እዩ፡ ንወላዲ ዜፍቅሮ ዂሉ ኸኣ፡ ነቲ ኻብኡ እተወልደውን የፍቅሮ።
2. ንኣምላኽ ምስ እነፍቅሮ ትእዛዛቱውን ምስ እንሕሉ፡ ነቶም ውሉድ ኣምላኽ ከም እነፍቅሮም፡ በዚ ኢና እንፈልጥ።
3. ፍቕሪ ንኣምላኽ ከኣ ትእዛዛቱ ኽንሕሉ እዩ እሞ፡ ትእዛዛቱውን ኣይከቢድን እዩ።
4. ካብ ኣምላኽ እተወልደ ዘበለ ዂሉ ንዓለም ይስዕራ፡ እታ ንዓለም እንስዕረላ ስዕረት ከኣ፡ ንሳ እምነትና እያ።
5. ንዓለም ዚስዕራኸ፡ እቲ ንየሱስ፡ ንሱ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ዚኣምኖ እንተ ዘይኰይኑስ፡ መን እዩ፧
6. እቲ ብማይን ብደምን ዝመጸ እዚ እዩ፡ ማለት፡ የሱስ ክርስቶስ፡ ብማይን ብደምን እምበር፡ ብማይ ጥራይ ኣይኰነን ዝመጸ።
7. እቲ መንፈስውን ሓቂ እዩ እሞ፡ እቲ መንፈስ እዩ ዚምስክር ዘሎ።
8. እቶም ዚምስክሩ ኸኣ መንፈስን ማይን ደምን፡ ሰለስተ እዮም እሞ፡ ሰለስቲኦም ሓደ እዮም።
9. እቲ ብዛዕባ ወዱ ዝመስከሮ ምስክር፡ እዚ እቲ ምስክር እዩ እሞ፡ ምስክር ሰብ እንቕበል እንተ ዄንናስ፡ ምስክር ኣምላኽ ካብኡ ይበልጽ እዩ።
10. ብወዲ ኣምላኽ ዚኣምን፡ እቲ ምስክር ኣብ ውሽጢ ኣለዎ። እቲ ንኣምላኽ ዘይኣምን፡ ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ወዱ ዝመስከሮ ምስክር ስለ ዘይኣመኖ፡ ንእኡ ሓሳዊ ገይርዎ ኣሎ።
11. ኣምላኽ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዝሀበና፡ እቲ ምስክር እዚ እዩ እሞ እዛ ህይወት እዚኣ ኣብ ወዱ ኣላ።
12. እቲ ወዲ ዘለዎ ህይወት ኣላቶ፡ ወዲ ኣምላኽ ዜብሉ ህይወት የብሉን።
13. ንኣኻትኩም ብስም ወዲ ኣምላኽ እትኣምኑ ዘሎኹም፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዘላትኩም ምእንቲ ኽትፈልጡ ኢለ እየ እዚ ጽሒፈልኩም ዘሎኹ።
14. ከምቲ ፍቓዱ ጌርና ሓደ ነገር እንተ ለመንናዮ፡ ይሰምዓና እዩ፡ እቲ ኣብኡ ዘሎና ትብዓት ድማ እዚ እዩ።
15. ነቲ ዝለመንናዮ ዘበለ ኸም ዚሰምዓና ኻብ እንፈልጥ ድማ፡ እቲ ኻብኡ ዝለመንናዮ ልማኖ ድሮ ኸም ዝረኸብናዮ፡ ንፈልጥ ኢና።
16. ሓደ፡ ንሓዉ ናብ ሞት ዘየብጽሕ ሓጢኣት ኪገብር እንተ ረኣዮ፡ ይለምን፡ ኣምላኽውን ነቶም ናብ ሞት ዘይብጽሕ ሓጢኣት ዝገበሩስ ህይወት ኪህቦም እዩ። ናብ ሞት ዜብጽሕ ሓጢኣት ኣሎ፡ ብዛዕባዚ ኣይኰንኩን ይለምን ዝብል ዘሎኹ።
17. ዓመጻ ዘበለ ዂሉ ሓጢኣት እዩ፡ ናብ ሞት ዘየብጽሕ ሓጢኣት ኣሎ።
18. እቲ ኻብ ኣምላኽ እተወልደ ዘበለ ርእሱ ይሕሉ፡ እቲ እኩይውን ኣይትንክዮን እዩ እምበር፡ እቲ ኻብ ኣምላኽ እተወልደስ፡ ሓጢኣት ከም ዘይገብር፡ ንፈልጥ ኢና።
19. ካብ ኣምላኽ ምዃንና፡ ብዘላ ዓለምውን በቲ እኩይ ተትሒዛ ምህላዋ ንፈልጥ ኢና።
20. ግናኸ እቲ ወዲ ኣምላኽ መጺኡስ ነቲ ብዓል ሓቂ ኽንፈልጦ ኢሉ ኣእምሮ ኸም ዝሀበና፡ ንፈልጥ ኢና። ንሕና ኣብቲ ብዓል ሓቂ፡ ኣብ ወዱ የሱስ ክርስቶስ ኢና ዘሎና። እዚ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽን ናይ ዘለኣለም ህይወትን እዩ።
21. ኣቱም ደቀየ፡ ካብ ጣኦታት ተሐለዉ።

  1John (5/5)