1John (2/5)  

1. ኣቱም ደቀየ፡ ሓጢኣት ምእንቲ ኸይትገብሩ፡እዚ እጽሕፈልኩም ኣሎኸ። ሓደ እኳ ሓጢእት ዝገበረ እንተሎ፡ ጠበቓ ኣብ ኣቦ ኣሎና፡ ንሱ የሱስ ክርስቶስ፡ እቲ ጻድቕ፡ እዩ።
2. ንሱ ድማ ብናይ ሓጢኣትና መተዓረቒ እዩ፡ ብናይ ሓጢኣት ኲላ ዓለም ድማ እዩ እምበር፡ ብናይ ሓጢኣትና ጥራይ ኣይኰነን።
3. ንሕና ትእዛዛቱ እንተ ሐሎና፡ ከም እንፈልጦ በዚ ኢና እንፈልጥ።
4. ኣነ እፈልጦ እየ፡ ዚብል ንትእዛዛቱ ኸኣ ዘይሕልዎ፡ ንሱ ሓሳዊ እዩ፡ እታ ሓቂውን ኣብኡ የላን።
5. እቲ ንቓሉ ዚሕሉ ግና ፍቕሪ ኣምላኽ ብሓቂ ኣብኡ ትፍጸም። ኣብኡ ኸም ዘሎና፡ በዚ ኢና እንፈልጥ።
6. እቲ፡ ኣብኡ እነብር ኣሎኹ፡ ዚብል፡ ከምቲ ንሱ እተመላለሶ፡ ንሱውን ከምኡ ዀይኑ ኺመላለስ ይግብኦ እዩ።
7. ፍቁራተየ፡ እቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረኩም ብሉይ ትእዛዝ እምበር፡ ሓድሽ ትእዛዝ ኣይኰነን ዝጽሕፈልኩም ዘሎኹ። እቲ ብሉይ ትእዛዝ እዚ ዝሰማዕኩምዎ ቓል እዩ።
8. ከምቲ ብሓድሽ ብእኡን ብኣኻትኩምን ሓቂ ዝዀነ ሓድሽ ትእዛዝ እጽሕፈልኩም ኣሎኹ። ጸልማት ሐሊፉ እዩ እሞ፡ እቲ ብርሃን ሓቂውን ድሮ እኳ የብርህ ኣሎ።
9. ኣብ ብርሃን ኣሎኹ፡ ዚብል፡ ንሓዉ ኸኣ ዚጸልእ፡ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ጸልማት እዩ ዘሎ።
10. እቲ ንሓው ዜፍቅሮ ኣብ ብርሃን እዩ ዝነብር፡ መዓንቀፊውን ኣብኡ የልቦን።
11. እቲ ንሓዉ ዚጸልእ ግና ኣብ ጸልማት እዩ ዘሎ፡ ኣብ ጸልማትውን ይመላለስ፡ ጸልማት ነዒንቱ ስለ ዘዕወሮ ድማ፡ ናበይ ከም ዚኸይድ ኣይፈልጥን እዩ።
12. ደቀየ፡ ሓጢኣትኩም ስለ ስሙ ተሐዲጉልኩም እዩ እሞ፡ እጽሕፈልኩም ኣሎኹ።
13. ኣቱም ኣቦታት፡ ነቲ ካብ መጀመርታ ዝነበረ ፈሊጥኩምዎ ኢኹም እሞ፡ እጽሕፈልኩም ኣሎኹ። ኣቱም ኣጒባዝ፡ ነቲ እኩይ ስዒርኩምዎ ኢኹም እሞ፡ እጽሕፈልኩም ኣሎኹ። ኣቱም ቈልዑ፡ ነቦ ስለ ዝፈለጥኩምዎ፡ ጽሒፈልኩም ኣሎኹ።
14. ኣቱም ኣቦታት፡ ነቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረ ፈሊጥኩምዎ ኢኹም እሞ፡ ጽሒፈልኩም ኣሎኹ። ኣቱም ኣጒባዝ፡ ብርቱዓት ስለ ዝዀንኩምን ቃል ኣምላኽ ኣባኻትኩም ይነብር ስለ ዘሎን፡ ነቲ እኩይውን ስዒርኩምዎ ኢኹም እሞ፡ ጽሒፈልኩም ኣሎኹ።
15. ንዓለም ወይስ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኣይትፍተዉ፡ ሓደ እኳ ንዓለም እንተ ፈተዋ፡ ፍቕሪ ኣቦ የብሉን።
16. ኲሉ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ፡ ፍትወት ስጋን ፍትወት ኣዒንትን ንብረት ትዕቢትን፡ እዚ ኻብ ዓለም እዩ እምበር፡ ካብ ኣቦስ ኣይኰነን።
17. ዓለም ትሐልፍ እያ፡ ፍትወታ ኸኣ፡ እቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ይነብር።
18. ደቀየ፡ እዚኣ እታ ዳሕረይቲ ሰዓት እያ። ከምቲ፡ እቲ ጸረ ክርስቶስ ከም ዚመጽእ፡ ዝሰማዕኩምዎ፡ ካብ ሕጂውን ብዙሓት ኣጽራረ ክርስቶስ ተንሲኦም ኣለዉ። እዚኣ እታ ዳሕረይቲ ሰዓት ምዃና በዚ ኢና እንፈልጥ።
19. ካባና ወጺኦም፡ ግናኸ ካባና ኣይነበሩን። ካባና ነይሮም እንተ ዚዀኑስ፡ ምሳና ጸኒዖም ምነበሩ ነይሮም። ግናኸ ኲላቶም ካባና ዘይምዃኖም ምእንቲ ኺገሀዱ እዮም ዝወጹ።
20. ንስኻትኩም ድማ ቅብኣት ካብቲ ቅዱስ ኣሎኩም፡ ንዂሉውን ትፈልጥዎ ኢኹም።
21. ነታ ሓቂ ትፈልጥዋ ስለ ዘሎኹም እየ ዝጸሐፍኩልኩም እምበር፡ ስለ ዘይትፈልጥዎስ ኣይኰንኩን፡ ኲሉ ሓሶትውን ካብ ሓቂ ኣይኰነን።
22. እቲ ንየሱስ፡ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ዚኽሕዶ እንተ ዘይኰይኑኸ፡ መን እዩ እቲ ሓሳዊ፧ እቲ ነቦን ወድን ዚኽሕዶም፡ ንሱ እዩ እቲ ጸረ ክርስቶስ።
23. ነቲ ወዲ ዚኽሕዶ ዘበለ ዂሉ፡ ንእኡ እቲ ኣቦ የብሉን፡ ነቲ ወዲ እተኣመነ ግና፡ ነቲ ኣቦ ኣለዎ።
24. ንስኻትኩምሲ፡ እቲ ኻብ መጀመርታ ዝሰማዕኩምዎ ኣባኻትኩም ደኣ ይንበር። እቲ ኻብ መጀመርታ ዝሰማዕኩምዎ ኣባኻትኩም ዚነብር እንተ ዀይኑስ፡ ንስኻትኩም ድማ ኣብቲ ወድን ኣብቲ ኣቦን ክትነብሩ ኢኹም።
25. እታ ንሱ ዘተስፈወና ተስፋ ኸኣ እታ ናይ ዘለኣለም ህይወት እያ።
26. ብዛዕባ እቶም ዜስሕቱኹም እየ እዚ ዝጸሐፍኩልኩም።
27. ንስኻትኩምሲ፡ ከምቲ ቕብኣቱ ብዛዕባ ዂሉ ዚምህረኩም ዘሎ፡ ሓቂውን እዩ፡ ሓሶት ኣይኰነን፡ እሞ ኸምቲ ንሱ ዝመሀረኩም ኴንኩም፡ ኣብኡ ኽትነብሩ ኢኹም። እምብኣርከ እቲ ኻብኡ እተቐበልኩምዎ ቕብኣት ኣባኻትኩም ይነብር ኣሎ እሞ፡ ሓደ እኳ ኺምህረኩም ኣየድልየኩምን እዩ።
28. ሕጂ ድማ፡ ደቀየ፡ ንሱ ኺግለጽ ከሎ፡ ትብዓት ምእንቲ ኽንረክብ፡ ብምጽኣቱውን ኣብ ቅድሚኡ ኸይንሐፍርስ፡ ብእኡ ንበሩ።
29. ንሱ ጻድቕ ምዃኑ ትፈልጡ እንተ ዄንኩምሲ፡ ጽድቂ ዚገብር ዘበለ ዂሉ ኻብኡ ኸም እተወልደውን፡ ፍለጡ።

  1John (2/5)