1John (1/5)  

1. እቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረ፡ ንሕና ዝሰማዕናዮ፡ እቲ በዒንትና ዝርኤናዮ፡ እቲ ዝጠመትናዮ፡ ኣእዳውናውን ዘረምሰሳኦ፡ ብዛዕባ እቲ ቓል ህይወት፡
2. ህይወት ድማ ተገልጸት፡ ነታ ምስ ኣቦ ዝነበረት ንኣና ኸኣ እተገልጸት ናይ ዘለኣለም ህይወት ርኢናያ ኢና እሞ፡ ንምስክር ንነግረኩምውን ኣሎና፡
3. ንስኻትኩም ድማ ምሳና ሕብረት ምእንቲ ኸህልወኩም ኢልና፡ እቲ ዝርኤናዮን ዝሰማዕናዮን ንኣኻትኩም ንነግሮ ኣሎና። ሕብረትናውን ምስ ኣቦን ምስ ወዱ የሱስ ክርስቶስን እዩ።
4. ሓጐስና ምእንቲ ኺምላእ ኢልና፡ እዚ ንጽሕፈልኩም ኣሎና።
5. እግዚኣብሄር ብርሃን ምዃኑን ኣብኡ ኸኣ ሓንቲ እኳ ጸልማት ከም ዜብሉን፡ እታ ኻብኡ ዝሰማዕናያ ንኣኻትኩምውን እንነግራ ዘሎና መልእኽቲ እዚኣ እያ።
6. ምስኡ ሕብረት ኣሎና፡ ኢልናስ ኣብ ጸልማት እንተ ተመላለስና፡ ንሕሱ፡ ሓዊውን ኣይንገብርን ኢና ዘሎና።
7. ከምቲ ንሱ ኣብ ብርሃን ዘሎ፡ ኣብ ብርሃን እንተ ተመላለስና ግና፡ ንሓድሕድና ሕብረት ኣሎና፡ ደም የሱስ ክርስቶስ ወዱውን ካብ ኲሉ ሓጢኣት የንጽሃና እዩ።
8. ሓጢኣት የብልናን፡ እንተ በልና፡ ንርእስና ንጥብራ ኣሎና፡ እታ ሓቂውን ኣባና የላን።
9. ሓጢኣትና እንተ ተናዘዝና፡ ንሓጢኣትና ይቕረ ኸብለልና፡ ካብ ኲሉ ዓመጻውን ኬንጽሃና እሙንን ጻድቕን እዩ።
10. ሓጢኣት ኣይገበርናን፡ እንተ በልና፡ ሓሳዊ ንገብሮ፡ ቃሉውን ኣባና የሎን።

      1John (1/5)