1John (1/5) → |
1. | እቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረ፡ ንሕና ዝሰማዕናዮ፡ እቲ በዒንትና ዝርኤናዮ፡ እቲ ዝጠመትናዮ፡ ኣእዳውናውን ዘረምሰሳኦ፡ ብዛዕባ እቲ ቓል ህይወት፡ |
2. | ህይወት ድማ ተገልጸት፡ ነታ ምስ ኣቦ ዝነበረት ንኣና ኸኣ እተገልጸት ናይ ዘለኣለም ህይወት ርኢናያ ኢና እሞ፡ ንምስክር ንነግረኩምውን ኣሎና፡ |
3. | ንስኻትኩም ድማ ምሳና ሕብረት ምእንቲ ኸህልወኩም ኢልና፡ እቲ ዝርኤናዮን ዝሰማዕናዮን ንኣኻትኩም ንነግሮ ኣሎና። ሕብረትናውን ምስ ኣቦን ምስ ወዱ የሱስ ክርስቶስን እዩ። |
4. | ሓጐስና ምእንቲ ኺምላእ ኢልና፡ እዚ ንጽሕፈልኩም ኣሎና። |
5. | እግዚኣብሄር ብርሃን ምዃኑን ኣብኡ ኸኣ ሓንቲ እኳ ጸልማት ከም ዜብሉን፡ እታ ኻብኡ ዝሰማዕናያ ንኣኻትኩምውን እንነግራ ዘሎና መልእኽቲ እዚኣ እያ። |
6. | ምስኡ ሕብረት ኣሎና፡ ኢልናስ ኣብ ጸልማት እንተ ተመላለስና፡ ንሕሱ፡ ሓዊውን ኣይንገብርን ኢና ዘሎና። |
7. | ከምቲ ንሱ ኣብ ብርሃን ዘሎ፡ ኣብ ብርሃን እንተ ተመላለስና ግና፡ ንሓድሕድና ሕብረት ኣሎና፡ ደም የሱስ ክርስቶስ ወዱውን ካብ ኲሉ ሓጢኣት የንጽሃና እዩ። |
8. | ሓጢኣት የብልናን፡ እንተ በልና፡ ንርእስና ንጥብራ ኣሎና፡ እታ ሓቂውን ኣባና የላን። |
9. | ሓጢኣትና እንተ ተናዘዝና፡ ንሓጢኣትና ይቕረ ኸብለልና፡ ካብ ኲሉ ዓመጻውን ኬንጽሃና እሙንን ጻድቕን እዩ። |
10. | ሓጢኣት ኣይገበርናን፡ እንተ በልና፡ ሓሳዊ ንገብሮ፡ ቃሉውን ኣባና የሎን። |
1John (1/5) → |