| ← 1Corinthians (9/16) → | 
| 1. | ኣይሓራን ድየ፧ ኣይሃዋርያን ድየ፧ ንጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣይርኤኽዎን ድየ፧ ንስኻትኩምሲ ብጐይታዶ ኣይዕዮይን ኢኹም፧ | 
| 2. | ማሕተም ሃዋርያነተይ ብጐይታ ንስኻትኩም ኢኹም እሞ፡ ንኻልኦት እኳ ሃዋርያ እንተ ዘይኰንኩ፡ ንኣኻትኩምሲ ሃዋርያኹም እየ። | 
| 3. | ምምጽራየይ ነቶም ዚምርምሩኒ እዚ እዩ፡ | 
| 4. | ክንበልዕን ክንሰትንዶ መሰል የብልናን ኢና፧ | 
| 5. | ከምቶም ካልኦት ሃዋርያትን ኣሕዋት ጐይታናን ኬፋን ዚገብርዎ፡ ብእምነት ሓብትና ዝዀነት ሰበይቲ ምሳና ኸነዝውርዶ መሰል የብልናን ኢና፧ | 
| 6. | ወይስ ኣነን በርናባስን ጥራይ ዲና ዕዮ ኽንሐድግ መሰል ዜብልና፧ | 
| 7. | ኣየናይ ዓቀይታይ እዩ ገዛእ ገንዘቡ እናተመገበ ዚኽተል፧ ወይኒ ተኸሉስ ፍሪኡ ዘይበልዕከ መን እዩ፧ ወይስ እናጓሰየ ኻብተን ዚጓስየን መጓሰ ጸባ ዘይሰቲ መን እዩ፧ | 
| 8. | እዚ ኸም ኣዛራርባ ሰብዶ እየ ዝዛረብ ዘሎኹ፧ እቲ ሕጊውንዶ ኸምኡ ኣይብልን እዩ፧ | 
| 9. | ኣፍ እቲ ዜኽይድ ብዕራይ ኣይትእሰር፡ ዚብል ኣብ ሕጊ ሙሴ ጽሑፍ ኣሎ እሞ፡ ኣምላኽዶ ብዛዕባ ኣብዑር ሐልዩ እዩ፧ | 
| 10. | ወይስ ብሱሩ ምእንታናዶ ኣይኰነን ዚብሎ ዘሎ፧ እቲ ዚሐርስ ብተስፋ ኺሐርስ፡ እቲ ዜኽይድ ከኣ ግዲኡ ኺረክብ ብተስፋ ኬኽይድ ዚግብኦ ስለ ዝዀነ፡ ምእንታና እዩ እዚ ተጽሒፉ ዘሎ። | 
| 11. | ንሕና ንኣኻትኩም እቲ ናይ መንፈስ ካብ እንዘርኣልኩምከ፡ ነቲ ናይ ስጋኹም እንተ ዐጸድናዮዶ በዚሑና እዩ፧ | 
| 12. | ካልኦት ካብዚ መሰል እዚ ኣባኻትኩም ተማቐልቲ ኻብ ዚዀኑስ፡ ንሕናዶ ግዳ ዚዐዝዝ ኣየሎናን፧ ንሕና ግና ንወንጌል ክርስቶስ መዕገቲ ምእንቲ ኸይንገብርሲ፡ ንዂሉ ንዕገስ እምበር፡ ነዚ መሰል እዚ ኣይወሰድናዮን፡ | 
| 13. | እቶም ቅዱስ ኣገልግሎት ዜገልግሉ ኻብቲ ናይ ቤተ መቕደስ ከም ዚምገቡ፡ እቶም ኣብ መሰውኢ ዜገልግሉውን ምስቲ መሰውኢ ኸም ዚካፈሉዶ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ | 
| 14. | ከምኡ ድማ ጐይታ ነቶም ወንጌል ዚሰብኩ ብወንጌል ኪምገቡ ሰሪዑሎም ኣሎ። | 
| 15. | ኣነ ግና ካብ ከምዚ ዘመሰለ ሓንቲ እኳ ኣይወሰድኩን፡ ከምኡ ምእንቲ ኪዀነለይ ኢለውን ኣይኰንኩን እዚ ዝጸሐፍኩ። ነቲ ትምክሕተይ ሓደ ኸንቱ ኻብ ዚገብሮስ ሙማት ምሔሸኒ ነይሩ። | 
| 16. | ኣነ ወንጌል እንተ ሰበኽኩ፡ ብግዲ በጺሑኒ እዩ እሞ፡ ዝምክሓሉ የብለይን። ወንጌል እንተ ዘይሰበኽኩ ግና ወይለይ። | 
| 17. | እዚ ፈትየ እንተ ገበርክዎስ፡ ዓስቢ ኣሎኒ። ከይፈቶኹ እንተ ገበርክዎ ግና፡ እዚ መጋቢነት እዚ ብዝዀነ ይኹን ሕድሪ ተውሂቡኒ እዩ። | 
| 18. | እምብኣርሲ ዓስበይ ደኣ እንታይ እዩ፧ ወንጌል እናሰበኽኩስ፡ እቲ ብወንጌል ዘሎኒ መሰል ከይወሰድኩ፡ ወንጌል ብኸምኡ እንተ ነገርኩ እዩ። | 
| 19. | ካብ ኲሉ ሓራ ኽነሰይ፡ ኣነ ብዙሓት ምእንቲ ኽረብሕ፡ ንርእሰይ ባርያ ዂላቶም ገበርክዋ። | 
| 20. | እቶም ኣይሁድ ምእንቲ ኽረብሕ፡ ምስ ኣይሁድ ከም ኣይሁዳዊ ዀንኩ። እቶም ትሕቲ ሕጊ ዘለዉ ምእንቲ ኽረብሕ ከኣ፡ ምስቶም ትሕቲ ሕጊ ዘለዉ ዓ ባዕለይ እኳ ትሕቲ ሕጊ ዘይኰንኩ ኽነሰይ፡ ከምቲ ትሕቲ ሕጊ ዘሎ ዀንኩ። | 
| 21. | እቶም ሕጊ ዜብሎም ብሕጊ ክርስቶስ እምበር፡ ብዘይ ሕጊ ኣምላኽ ዘይኰንኩ ኽነሰይ፡ ከምቶም ሕጊ ዜብሎም ኰንኩ። | 
| 22. | ኣነ እቶም ድኹማት ምእንቲ ኽረብሕ ድማ። ምስቶም ድኹማት ድኹም ኰንኩ። ብዂሉ መገዲ ንገሊኦም ምእንቲ ኸድሕን፡ ንዂላቶም ኲሉ ዀንኩ። | 
| 23. | እዚ ዂሉ ምእንቲ ወንጌል፡ ንርእሰይውን ካብኡ ኽካፈል ኢለ እየ ዝገበሮ ዘሎኹ። | 
| 24. | ኣብቲ ስፍራ ቕድድም ዚቃዳደሙኸ ዂላቶም ከም ዚጐዩ፡ ነታ ዓስቢ ዓወት ግና ሓደ ኸም ዚወስዳዶ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ንስኻትኩም ምእንቲ ኽትረኽብዋ፡ ከምኡ ጒየዩ። | 
| 25. | እቲ ዚቃለስ ዘበለ ብዂሉ ነገር መጢኑ ነፍሱ ይገትእ እዩ፡ እዚኣቶም ነቲ ሓላፊ ኣኽሊል ምእንቲ ኪቕበሉ እዮም፡ ንሕና ግና ነቲ ዘይሐልፍ። | 
| 26. | ስለዚ ኣነ እጐዪ ኣሎኹ፡ ግናኸ ከምቲ ንዘይፍሉጥ ዚጐዪ ኣይኰንኩን፡ እምክት ኣሎኹ፡ ከምቲ ንንፋስ ዚወቅዕ ግና ኣይኰንኩን። | 
| 27. | ንኻልኦት እናሰበኽኩ፡ ንርእሰይ ድርቡይ ምእንቲ ኸይከውን፡ ንስጋይ ኤሰቅዮን ኤግዝኦን ኣሎኹ። | 
| ← 1Corinthians (9/16) → |