1Corinthians (8/16)  

1. ብዛዕባ ንጣኦታት እተሰውኤ ግና ኲላትና ፍልጠት ከም ዘሎና፡ ንፈልጥ ኢና። ፍልጠት ይነፍሕ፡ ፍቕሪ ግና ይሀንጽ።
2. ሓደ እኳ ገለ ኸም ዚፈልጥ ዚመስሎ እንተሎ፡ ነቲ ዚፈልጦ ገና ኸምቲ ዝግብኦ ገይሩ ኣይፈልጦን እዩ።
3. ንኣምላኽ ዜፍቅሮ እንተሎ ግና፡ ንሱ ብእኡ ፍሉጥ እዩ።
4. ደጊም ብዛዕባ እቲ ንጣኦታት እተሰውኤ ምብላዕ፡ ጣኦት ኣብ ዓለም ግዛዕ ከም ዘይኰነን ብዘይ እቲ ሓደ በይኑ ኸኣ ካልእ ኣምላኽ ከም ዜልቦን፡ ንፈልጥ ኢና።
5. ኣብ ሰማይ ወይስ ኣብ ምድሪ ኣማልኽቲ ዚብሀሉ እንተለዉስ፡ ከምቲ ብዙሓት ኣማልኽትን ብዙሓት ጐይተትን ዘለዉ፡
6. ንኣናስ ኲሉ ኻብኡ ዚኸውን ንሕናውን ንእኡ እንኸውን ሓደ ኣምላኽ ጥራይ፡ ኣቦ፡ ኣሎና፡ ኲሉ ብእኡ ዚኸውን ንሕና ኸም ብእኡ እንኸውን ሓደ ጐይታውን፡ የሱስ ክርስቶስ፡ ኣሎና።
7. እዚ ፍልጠት እዚ ግና ኣብ ኲሉ ሰብ ኣይርከብን እዩ። ሓያሎ ነቲ ጣኦት ክሳዕ ሎሚ ልማድ ገይሮምዎ፡ ንጣኦት ከም እተሰውኤ ገይሮም እዮም ዚበልዑ ዘለዉ እሞ፡ ሕሊናኦም ድኹም ኰይኑስ ይረክስ።
8. ብልዒ ግና ኣብ ኣምላኽ ኣየብጽሓናን እዩ፡ እንተ በላዕና፡ ኣይንውስኽ፡ እንተ ዘይበላዕናውን ኣይንንክን ኢና።
9. ግናኸ እቲ ሓርነትኩምሲ ነቶም ድኹማት መዓንቀሪ ኸይኰኖም፡ ተጠንቀቑ።
10. ሓደ ሰብ ንኣኻ፡ ፍልጠት ዘሎካ፡ ኣብ ቤት ጣኦት ተቐሚጥካ እንተ ረኣየካ፡ እቲ ድኹም ነቲ ንጣኦት እተሰውኤ ንምብላዕዶ ሕሉናኡ ኣይኪደፍርን እዩ፧
11. ከምዚ እቲ ምእንታኡ ክርስቶስ ዝሞተሉ ድኩም ሓው ብሰሪ ፍልጠትካ ይጠፍእ ኣሎ።
12. ከምዚኸስ ነቶም ኣሕዋት እናበደልኩም፡ ነቲ ድኹም ሕሊናኦምውን እናኣቝሰልኩም፡ ንክርስቶስ ትብድልዎ ኣሎኹም።
13. ስለዚ ኸኣ እቲ ብልዒ ንሓወይ ዜዐንቅፎ እንተ ዀይኑስ፡ ንሓወይ ምእንቲ ኸየዐንቅፎ፡ ንሓዋሩ ከቶ ስጋ ኣይክበልዕን እየ።

  1Corinthians (8/16)