1Corinthians (5/16)  

1. ምንዝርና ብሱሩ፡ ከምኡ ዘመሰለ ምንዝርናስ ኣብቶም ኣህዛብ እኳ ዜልቦ፡ ማለት፡ ሓደ ኻባኻትኩም ነታ ሰበይቲ ኣቦኡ ኸም ዘእተወ፡ ይውረየኩም ኣሎ።
2. ምስናይዚ ኸኣ ተነፊሕኩም ኣሎኹም እሞ፡ እቲ እዚ ግብርዚ ዝገበረ ኻብ ማእከልኩም ምእንቲ ኺርሕቕ ኢልኩም፡ ከቶ ኣይጒሄኹምን።
3. ኣነ ግና ብስጋይ ርሑቕ ክነሰይ፡ ብመንፈሰይ ምሳኻትኩም እየ፡ ንስኻትኩምን መንፈሰይን ብስም ጐይታና የሱስ ተኣኪብና ኸሎና፡ ብሓይሊ ጐይታና የሱስ እዚ ኸምዚ ዝገበረ፡ መንፈሱ በታ መዓልቲ ጐይታና የሱስ ምእንቲ ኺድሕንሲ፡ ንጥፍኣት ስጋኡ ንሰይጣን ኪውሀብ፡ ከም ምሳኻትኩም ኰይነ ድሮ ፈሪደ ኣሎኹ።
4. ኣነ ግና ብስጋይ ርሑቕ ክነሰይ፡ ብመንፈሰይ ምሳኻትኩም እየ፡ ንስኻትኩምን መንፈሰይን ብስም ጐይታና የሱስ ተኣኪብና ኸሎና፡ ብሓይሊ ጐይታና የሱስ እዚ ኸምዚ ዝገበረ፡ መንፈሱ በታ መዓልቲ ጐይታና የሱስ ምእንቲ ኺድሕንሲ፡ ንጥፍኣት ስጋኡ ንሰይጣን ኪውሀብ፡ ከም ምሳኻትኩም ኰይነ ድሮ ፈሪደ ኣሎኹ።
5. ኣነ ግና ብስጋይ ርሑቕ ክነሰይ፡ ብመንፈሰይ ምሳኻትኩም እየ፡ ንስኻትኩምን መንፈሰይን ብስም ጐይታና የሱስ ተኣኪብና ኸሎና፡ ብሓይሊ ጐይታና የሱስ እዚ ኸምዚ ዝገበረ፡ መንፈሱ በታ መዓልቲ ጐይታና የሱስ ምእንቲ ኺድሕንሲ፡ ንጥፍኣት ስጋኡ ንሰይጣን ኪውሀብ፡ ከም ምሳኻትኩም ኰይነ ድሮ ፈሪደ ኣሎኹ።
6. ሓበንኩም ጽቡቕ ኣይኰነን። ቅሩብ ማይ ብሑቝ ንብዘሎ እቲ ብሑቝ ከም ዜብኲዖዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧
7. ገንሸል ፋስጋና፡ ማለት ክርስቶስ፡ ተሰዊኡ እዩ እሞ፡ ከምቲ ዘይምጹጻት ዝዀንኩም፡ ሓድሽ ብሑቝ ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ነቲ ኣረጊት ማይ ብሑቝኣጽሪኹም ኣውጽእዎ።
8. ስለዚ ብናይ ገርህነትን ሓቅን ብዘይመጸጸ እንጌራ በዓል ነብዕል እምበር፡ በቲ ኣረጊት ማይ ብሑቝ ወይስ ብማይ ብሑቝ እከይን ሕሰምን ኣይኰነን።
9. ምስ ኣመንዝራታት ኣይትጸምበሩ ኢለ ኣብታ ደብዳበይ ጽሒፈልኩም ኣሎኹ።
10. ግናኸ ምስ ኣመንዝራታት እዛ ዓለም እዚኣ ወይስ ምስ ስሱዓትን ዘረፍትን ወይስ ምስ መምለኽቲ ጣኦት ኢለ ግዳ ኣይኰንኩን ዝጸሐፍኩ፡ እንተ ዘይኰነስ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኽትወጹ ምተገብኣኩም ነይሩ።
11. ሕጂ ግና ምስ ሓደ ሓው ዚብሀል እሞ ኣመንዝራ፡ ወይስ ስሱዕ፡ ወይስ መምለኽ ጣኦት፡ ወይስ ተጻራፊ፡ ወይስ ሰካር፡ ወይስ ዘራፊ እንተ ዀይኑ፡ ምስኡ ኸይትጽምበሩ፡ ምስ እዚ ኸምዚ ዝበለ ከቶ ኸይትበልዑ፡ ጽሒፈልኩም ኣሎኹ።
12. ነቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ምፍራደይሲ እንታይ ገዲሱኒ እዩ፧ ነቶም ኣብ ውሽጢ ዘለዉ እትፈርዱ ግዳ ንስኻትኩምዶ ኣይኰንኩምን፧
13. ነቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ግና ኣምላኽ ኪፈርዶም እዩ። ነቲ እኩይ ካባኻትኩም ኣውጽእዎ።

  1Corinthians (5/16)