1Corinthians (4/16)  

1. ከምኡኸ ሰብ ንኣና ኸም ኣገልገልቲ ክርስቶስን ከም መገብቲ ምስጢር ኣምላኽን ደኣ ይቝጸሩና።
2. ምስናይ እዚ ኻብ መገብቲ ነፍሲ ወከፍ እሙን ኰይኑ ኺርከብ የድሊ እዩ።
3. ንኣይሲ ብኣኻትኩም ወይስ ብመዓልቲ ፍርዲ ሰብ እንተ ተፈረድኩ እኳ፡ ግዲ የብለይን። ኣብ ርእሰይ ሓንቲ እኳ ኣይፈልጥን እየ፡ ዚፈርደኒ ግና ኣምላኽ እዩ እምበር፡ በዚ ኣይጸደቕኩን እሞ ንርእሰይ ባዕለይ ኣይፈርዳን እየ።
4. ንኣይሲ ብኣኻትኩም ወይስ ብመዓልቲ ፍርዲ ሰብ እንተ ተፈረድኩ እኳ፡ ግዲ የብለይን። ኣብ ርእሰይ ሓንቲ እኳ ኣይፈልጥን እየ፡ ዚፈርደኒ ግና ኣምላኽ እዩ እምበር፡ በዚ ኣይጸደቕኩን እሞ ንርእሰይ ባዕለይ ኣይፈርዳን እየ።
5. ስለዚ እቲ ኣብ ጸልማት እተሐብኤ ናብ ብርሃን ዜምጽእ፡ ቅድሚ ጊዜኡ ሓንቲ እኳ ኣይትፍረዱ። ሽዑ ድማ ነፍሲ ወከፍ ነንእዶኡ ኻብ ኣምላኽ ኪቕበል እዩ።
6. ኣሕዋተየ፡ ንጥቕሚ እቲ ሓደ፡ ንጒድኣት እቲ ኻልእ ኢልኩም ከይትንፍሑ፡ ክንየው እቲ ጽሑፍ ከይትሐስቡ፡ ብኣና ምእንቲ ኽትምሀሩ፡ እዚ ብዛዕባኹም ኣብ ርእሰይን ኣብ ኣጵሎስን መሲለዮ ኣሎኹ።
7. ካብ ካልኦት ዘብለጸካ መን እዩ፧ ዘይተቐበልካዮኸ እንታይ ኣሎካ፧ ተቐቢልካ ኻብ እትኸውን ግና፡ ስለምንታይ ከም ዘይተቐበልካ ዄንካ እትኽበር፧
8. ድሮ ጸገብኩም፡ ድሮ ሀብተምኩም፡ ብጀካና ነገስኩም። ንሕናውን ምሳኻትኩም፡ ምእንቲ ኽንነግስሲ፡ ወሸለ ምነገስኩም።
9. ኣምላኽ ንኣና ሃዋርያት፡ ድሕሪ ዂላቶም ኴንና፡ ከምቶም ሞት እተፈርዶም ከም ዝገበረና፡ ይመስለኒ። ስለዚ ንዓለም ንመላእኽትን ንሰብን ትርኢት መስሓቒ ዄንና ኣሎና።
10. ንሕና ስለ ክርስቶስ ዓያሱ ኢና፡ ንስኻትኩም ግና ብክርስቶስ ጥበበኛታት ኢኹም፡ ንሕና ሕማቓት፡ ንስኻትኩም ግና ሓያላት፡ ንስኻትኩም ክቡራት፡ ንሕና ግና ሕሱራት ኢና።
11. ክሳዕ ሕጂ ንጠምን ንጸምእን ንዐርቕን ንጽፋዕን ኣሎና፡ ማሕደር የብልናን፡
12. ብገዛእ ኣእዳውና እናዐየና ድማ ንጽዕር ኣኦና። እናጸረፉና ንምርቕ፡ እናሰጐጉና ንዕገስ፡
13. እናተሐሜና ንምዕድ ኣሎና። ክሳዕ ሕጂ ኸም ጐሓፍ ዓለምን ከም ናይ ኲላቶም ጐዱፍን ኴንና ኣሎና።
14. ብክርስቶስ ኣእላፋት መዕበይቲ እኳ እንተ ኣለዉኹም፡ ኣነ ብክርስቶስ የሱስ ብወንጌል ወሊደኩም እየ እሞ፡ ብዙሓት ኣቦታትሲ የብልኩምን። እዚ ዝጽሕፈልኩም ዘሎኹ፡ ከም ፍቁራት ደቀይ ገይረ ኽምዕደኩም እየ እምበር፡ ከሕፍረትኩም ኢለ ኣይኰንኩን።
15. ብክርስቶስ ኣእላፋት መዕበይቲ እኳ እንተ ኣለዉኹም፡ ኣነ ብክርስቶስ የሱስ ብወንጌል ወሊደኩም እየ እሞ፡ ብዙሓት ኣቦታትሲ የብልኩምን። እዚ ዝጽሕፈልኩም ዘሎኹ፡ ከም ፍቁራት ደቀይ ገይረ ኽምዕደኩም እየ እምበር፡ ከሕፍረትኩም ኢለ ኣይኰንኩን።
16. ስለዚ፡ ሰዓብተይ ኩኑ፡ ኢለ እምዕደኩም ኣሎኹ።
17. በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኣብ ኲሉ ስፍራ ፍቕዳ ማሕበር ከመይ ገይረ ኸም ዝምህር፡ መገደይ ብክርስቶስ የሱስ ምእንቲ ኼዘክረኩም፡ እቲ ብጐይታ ፍቁርን እሙንን ወደይ ጢሞቴዎስ ሰዲደልኩም ኣሎኹ።
18. ሓያሎ ግና፡ ኣነ ናባኻትኩም ዘይመጽእ መሲልዎም፡ እተነፍሑ ኣለዉ።
19. መንግስቲ ኣምላኽ ብሓይሊ እምበር፡ ብዘረባ ኣይኰነትን ዘላ እሞ፡ ጐይታ እንተ ፈቐዶስ፡ ቀልጢፈ ናባኻትኩም ክመጽእ እየ፡ ሽዑ ሓይሊ እቶም ንፉሓት ክፈልጥ እየ እምበር፡ ቃሎም ኣይኰነን።
20. መንግስቲ ኣምላኽ ብሓይሊ እምበር፡ ብዘረባ ኣይኰነትን ዘላ እሞ፡ ጐይታ እንተ ፈቐዶስ፡ ቀልጢፈ ናባኻትኩም ክመጽእ እየ፡ ሽዑ ሓይሊ እቶም ንፉሓት ክፈልጥ እየ እምበር፡ ቃሎም ኣይኰነን።
21. ብበትሪዶ ወይስ ብፍቕርን ብመንፈስ ለውሃትን ክመጻኩም፧ እንታይ ትደልዩ፧

  1Corinthians (4/16)