1Corinthians (3/16)  

1. ኣሕዋተየ፡ ኣነ ኸኣ ከም ንስጋውያን፡ ከም ንቘልዑ ብክርስቶስ እምበር፡ ከም ንመንፈሳውያን ክዛረበኩም ኣይኰነለይን እዩ።
2. ገና ስጋውያን ስለ ዝዀንኩም፡ ጸባ መገብኩኹም፡ ዕጽም ብልዒ ኣይኰነን። ገና ኣይከኣልኩምዎን፡ ሕጂ እኳ ኣይትኽእልዎን ኢኹም። ቅንኣት ባእስን ካብ ዚህልወኩምሲ፡ ስጋውያን ምዃንኩምዶ ኣይኰነን፧ ከም ባህሊ ሰብዶ ትኸዱ ኣየለኹምን፧
3. ገና ስጋውያን ስለ ዝዀንኩም፡ ጸባ መገብኩኹም፡ ዕጽም ብልዒ ኣይኰነን። ገና ኣይከኣልኩምዎን፡ ሕጂ እኳ ኣይትኽእልዎን ኢኹም። ቅንኣት ባእስን ካብ ዚህልወኩምሲ፡ ስጋውያን ምዃንኩምዶ ኣይኰነን፧ ከም ባህሊ ሰብዶ ትኸዱ ኣየለኹምን፧
4. እቲ ሓደ፡ ኣነስ ናይ ጳውሎስ እየ፡ ሓደ ኻልእ ከኣ፡ ኣነስባ ናይ ኣጵሎስ እየ፡ ካብ ዚብል፡ ስጋውያን ምዃንኩምዶ ኣይኰነን፧
5. እምብኣርከ፡ ኣጵሎስ እንታይ እዩ፧ ጳውሎስሲ እንታይ እዩ፧ ብኣታቶም ጌርኩም ናብ እምነት ዝበጻሕኩም ኣገልገልቲ እዮም፡ እዚ ድማ እግዚኣብሄር ንነፍሲ ወከፎም ከም ዝሀቦ እዩ።
6. ኣነ ተኸልኩ ኣጵሎስ ኣስተየ፡ ኣምላኽ ግና ኣብቈለ።
7. እምብኣርሲ እቲ ዜብቊል ኣምላኽ ደኣ እዩ እምበር፡ እቲ ዚተክል ወይስ እቲ ዜስቲ ዚዕብሱ የብሎምን።
8. እቲ ዚተክልን እቲ ዜስትን ሓደ እዮም፡ ነፍሲ ወከፎም ከኣ ከከም ጻዕሩ ዓስቡ ኪቕበል እዩ።
9. ንሕና መዓይይቲ ኣምላኽ ኢና እሞ፡ ንስኻትኩም ግራት ኣምላኽ፡ ህንጻ ኣምላኽ ኢኹም።
10. ብዘይ እቲ ስሩት መሰረት፡ ንሱ ኸኣ የሱስ ክርስቶስ፡ ካልእ መሰረት ሓደ እኳ ኺስርት ዚኽእል የልቦን እሞ፡ ኣነ ኸምቲ እተዋህበኒ ጸጋ ኣምላኽ ብልሓተኛ ሃናጺ ዀይነ ነቲ መሰረት ሰረትኩ፡ ሓደ ኻልእ ከኣ ኣብ ልዕሊኡ ይሀንጽ። ነፍሲ ወከፍውን ከመይ ገይሩ ኸም ዚሀንጽ ይጠንቀቕ።
11. ብዘይ እቲ ስሩት መሰረት፡ ንሱ ኸኣ የሱስ ክርስቶስ፡ ካልእ መሰረት ሓደ እኳ ኺስርት ዚኽእል የልቦን እሞ፡ ኣነ ኸምቲ እተዋህበኒ ጸጋ ኣምላኽ ብልሓተኛ ሃናጺ ዀይነ ነቲ መሰረት ሰረትኩ፡ ሓደ ኻልእ ከኣ ኣብ ልዕሊኡ ይሀንጽ። ነፍሲ ወከፍውን ከመይ ገይሩ ኸም ዚሀንጽ ይጠንቀቕ።
12. ሓደ እኳ ኣብ ልዕሊ እዛ መሰረት እዚኣ ወርቂ፡ ብሩር፡ ክቡር እምኒ፡ ዕጨይቲ፡ ሳዕሪ ወይስ ሓሰር እንተ ሰርሔ፡
13. እታ መዓልቲ እቲኣ ብሓዊ ኽትግለጽ እያ እሞ፡ ክትቀልዖ እያ። ግብሪ ነፍሲ ወከፍ ኪግሀድ እዩ፡ ንግብሪ ነፍሲ ወከፍ ከኣ ከመይ ምዃኑ እቲ ሓዊ ኺፍትኖ እዩ።
14. ሰብ፡ እቲ ኣብ ልዕሊኡ እተሀንጸ ዕዮ እንተ ጸንዓሉ፡ ዓስቢ ኪቕበል እዩ።
15. እቲ ዕዮኡ እንተ ነደደ ግና፡ ዓስቡ ኺስእን እዩ። ንርእሱ ግና ኪድሕን፡ ግናኸ ከምቲ ሓዊ ሐሊፉ ዝደሐነ እዩ።
16. ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ምዃንኩምን መንፈስ ኣምላኽ ኣባኻትኩም ሐዲሩ ምህላዉንዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧
17. ሓደ እኳ ነታ ቤት መቕደስ ኣምላኽ እንተ ኣማሰነ፡ ኣምላኽ ኬማስኖ እዩ። ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ቅድስቲ እያ፡ እዛ ቤት መቕደስ እዚኣውን ንስኻኩም ኢኹም።
18. ሓደ እኳ ንርእሱ ኣይጠብራ። ነቶም ጥበበኛታት ብጒርሖም ይሕዞም እዩ፡ ዚብል ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ከም ብሓድሽ፡ እግዚኣብሄር ሓሳብ እቶም ጥበበኛታት ከንቱ ምዃኑ ይፈልጦ፡ ዚብል ጽሑፍ ኣሎ። ጥበብ እዛ ዓለም እዚኣ ኣብ ኣምላኽ ዕሽነት እያ እሞ፡ ገለ ኻባኻትኩም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ጥበበኛ ኸም ዝዀነ እንተ መሰሎ፡ ጥበበኛ ምእንቲ ኪኸውንሲ ዓሻ ይኹን።
19. ሓደ እኳ ንርእሱ ኣይጠብራ። ነቶም ጥበበኛታት ብጒርሖም ይሕዞም እዩ፡ ዚብል ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ከም ብሓድሽ፡ እግዚኣብሄር ሓሳብ እቶም ጥበበኛታት ከንቱ ምዃኑ ይፈልጦ፡ ዚብል ጽሑፍ ኣሎ። ጥበብ እዛ ዓለም እዚኣ ኣብ ኣምላኽ ዕሽነት እያ እሞ፡ ገለ ኻባኻትኩም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ጥበበኛ ኸም ዝዀነ እንተ መሰሎ፡ ጥበበኛ ምእንቲ ኪኸውንሲ ዓሻ ይኹን።
20. ሓደ እኳ ንርእሱ ኣይጠብራ። ነቶም ጥበበኛታት ብጒርሖም ይሕዞም እዩ፡ ዚብል ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ከም ብሓድሽ፡ እግዚኣብሄር ሓሳብ እቶም ጥበበኛታት ከንቱ ምዃኑ ይፈልጦ፡ ዚብል ጽሑፍ ኣሎ። ጥበብ እዛ ዓለም እዚኣ ኣብ ኣምላኽ ዕሽነት እያ እሞ፡ ገለ ኻባኻትኩም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ጥበበኛ ኸም ዝዀነ እንተ መሰሎ፡ ጥበበኛ ምእንቲ ኪኸውንሲ ዓሻ ይኹን።
21. ጳውሎስ ወይ ኣጵሎስ፡ ኬፋ ዀነ ዓለም ኰነት፡ ህይወት ኰነት ሞት ኰነ፡ ዘሎ ዀነ ወይ ዝመጽእ፡ ኲሉ ናታትኩም እዩ እሞ፡ ዘሎ ዀነ ወይ ዚመጽእ ፡ ኲሉ ናታትኩም እዩ እሞ፡ ሓደ እኳ ብሰብ ኣይመካሕ።
22. ጳውሎስ ወይ ኣጵሎስ፡ ኬፋ ዀነ ዓለም ኰነት፡ ህይወት ኰነት ሞት ኰነ፡ ዘሎ ዀነ ወይ ዝመጽእ፡ ኲሉ ናታትኩም እዩ እሞ፡ ዘሎ ዀነ ወይ ዚመጽእ ፡ ኲሉ ናታትኩም እዩ እሞ፡ ሓደ እኳ ብሰብ ኣይመካሕ።
23. ንስኻትኩምሲ ናይ ክርስቶስ ደኣ ኢኹም፡ ክርስቶስውን ናይ ኣምላኽ እዩ።

  1Corinthians (3/16)