1Corinthians (16/16)    

1. ብዛዕባ እቲ ነቶም ቅዱሳን ኪኸውን ዚዋጻእ ገንዘብ ግና፡ ከምቲ ንማሕበር ገላትያ ዝሰራዕክዎ፡ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩ።
2. ኣነ ምስ መጻእኩ፡ ምውጻእ ገንዘብ ሽዑ ምእንቲ ኸይከውን፡ ኣብ ሰለሙን በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ነፍሲ ወከፍኩም ከከም ዓቕሙ ኣዋህሊሉ ምስኡ የቐምጥ።
3. ኣነ ምስ መጻእኩ ድማ። እቲ ህያብ ልግስኹም ናብ የሩሳሌም ምእንቲ ኼብጽሕ፡ ነቶም ግቡኣት ኰይኖም እተራእዩኹም ሰባት፡ ደብዳበ ኣትሒዘ ኽሰዶም እየ።
4. ኣነውን ክኸይድ ዜድሊ እንተ ዀነ፡ ምሳይ ይኸዱ።
5. ብመቄዶንያ ኽሐልፍ እየ እሞ፡ ብመቄዶንያ ምስ ሐለፍኩ፡ ናባኻትኩም ክመጽእ እየ።
6. ናብቲ ክኸዶ ዝደሊ ምእንቲ ኸተሰንዩኒ፡ ምናልባሽ ምሳኻትኩም እጸንሕ ወይስ እኸርም እኸውን እየ።
7. እግዚኣብሄር እንተ ፈቐዶ፡ ገለ ጊዜ ምሳኻትኩም ክጸንሕ ተስፋ እገብር ኣሎኹ እሞ፡ ሕጅስ ከም ሓላፍ መገዲ ዀይነ ኽርእየኩም ኣይፈቱን እየ።
8. ዓብይን ብርቱዕን ደገ ተኸፊቱለይ ኣሎ፡ ተጻረርቲ ኸኣ ብዙሓት እዮም እሞ፡ ክሳዕ በዓላት ሓምሳ ኣብ ኤፌሶን ክጸንሕ እየ።
9. ዓብይን ብርቱዕን ደገ ተኸፊቱለይ ኣሎ፡ ተጻረርቲ ኸኣ ብዙሓት እዮም እሞ፡ ክሳዕ በዓላት ሓምሳ ኣብ ኤፌሶን ክጸንሕ እየ።
10. ጢሞቴዎስ እንተ መጸ ግና፡ ከምዚ ኸማይ ዕዮ ጐይታ ይዐዪ እዩ እሞ፡ ምሳኻትኩም ብዘይ ፍርሃት ኪኸውን ተጠንቀቑሉ።
11. ምስቶም ኣሕዋቱ እጽበዮ ኣሎኹ እሞ፡ ናባይ ምእንቲ ኺመጽእ፡ ብሰላም ኣፋንውዎ፡ ሓደ እኳ ኣይንዐቆ።
12. ግናኸ ብዛዕባ ኣጵሎስ ሓውና ምስቶም ኣሕዋት ናባኻትኩም ኪመጽእ ብዙሕ ምዒደዮ እሞ፡ ሕጂ ኺመጽእ ከቶ ፍቓድ የብሉን፡ ምስ ጠዐሞ ግና ኪመጽእ እዩ።
13. ንቕሑ፡ ኣብ እምነት ጽንዑ፡ ሰብኡት ኩኑ፡ በርትዑ።
14. ኲሉ ግብርኹም ብፍቕሪ ይገበር።
15. ኣሕዋተየ፡ ቤት እስጢፋኖስ እታ በዂሪ ኣካይያ ኸም ዝዀነት፡ ነፍሶምውን ንምግልጋል ቅዱሳን ከም ዝመደቡ፡ ትፈልጡ ኢኹም፡ ንስኻትኩም ከኣ ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉን ነቶም ምሳና ዚዐዩን ዚጽዕሩን ዘበሉ ኽትእዘዝዎም፡ እልምነኩም ኣሎኹ።
16. ኣሕዋተየ፡ ቤት እስጢፋኖስ እታ በዂሪ ኣካይያ ኸም ዝዀነት፡ ነፍሶምውን ንምግልጋል ቅዱሳን ከም ዝመደቡ፡ ትፈልጡ ኢኹም፡ ንስኻትኩም ከኣ ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉን ነቶም ምሳና ዚዐዩን ዚጽዕሩን ዘበሉ ኽትእዘዝዎም፡ እልምነኩም ኣሎኹ።
17. ብምምጻእ እስጢፋኖስን ፈርጡናጦስን ኣካይቆስን ከኣ፡ ነቲ ኻባኻትኩም ዝጐደለ ንሳቶም መሊኦምዎ ኣለዉ እሞ፡ ባህ ይብለኒ ኣሎ።
18. ንመንፈስኩምን ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ፍለጥዎም።
19. እተን ማሕበራት እስያ ሰላም ይብላኹም ኣለዋ። ኣኪላስን ጵርስኪላን ምስታ ኣብ ቤቶም ዘላ ማሕበር ኰይኖም፡ ብጐይታ ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ።
20. ኲላቶም እቶም ኣሕዋት ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ። ብቕዱስ ምስዕዓም ንሓድሕድኩም ሰላም ተባሃሀሉ።
21. እዛ ሰላምታ እዚኣ ኣነ ጳውሎስ ባዕለይ ብኢደይ ዝጸሓፍክዋ እያ።
22. ንጐይታና ዘየፍቅሮ እንተሎ፡ ንሱ ርጉም ይኹን። ማራን ኣታ።
23. ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምሳኻትኩም ይኹን።
24. ብክርስቶስ የሱስ ፍቕረይ ምስ ኲላትኩም ይኹን። ኣሜን።

  1Corinthians (16/16)