| ← 1Corinthians (16/16) |
| 1. | ብዛዕባ እቲ ነቶም ቅዱሳን ኪኸውን ዚዋጻእ ገንዘብ ግና፡ ከምቲ ንማሕበር ገላትያ ዝሰራዕክዎ፡ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩ። |
| 2. | ኣነ ምስ መጻእኩ፡ ምውጻእ ገንዘብ ሽዑ ምእንቲ ኸይከውን፡ ኣብ ሰለሙን በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ነፍሲ ወከፍኩም ከከም ዓቕሙ ኣዋህሊሉ ምስኡ የቐምጥ። |
| 3. | ኣነ ምስ መጻእኩ ድማ። እቲ ህያብ ልግስኹም ናብ የሩሳሌም ምእንቲ ኼብጽሕ፡ ነቶም ግቡኣት ኰይኖም እተራእዩኹም ሰባት፡ ደብዳበ ኣትሒዘ ኽሰዶም እየ። |
| 4. | ኣነውን ክኸይድ ዜድሊ እንተ ዀነ፡ ምሳይ ይኸዱ። |
| 5. | ብመቄዶንያ ኽሐልፍ እየ እሞ፡ ብመቄዶንያ ምስ ሐለፍኩ፡ ናባኻትኩም ክመጽእ እየ። |
| 6. | ናብቲ ክኸዶ ዝደሊ ምእንቲ ኸተሰንዩኒ፡ ምናልባሽ ምሳኻትኩም እጸንሕ ወይስ እኸርም እኸውን እየ። |
| 7. | እግዚኣብሄር እንተ ፈቐዶ፡ ገለ ጊዜ ምሳኻትኩም ክጸንሕ ተስፋ እገብር ኣሎኹ እሞ፡ ሕጅስ ከም ሓላፍ መገዲ ዀይነ ኽርእየኩም ኣይፈቱን እየ። |
| 8. | ዓብይን ብርቱዕን ደገ ተኸፊቱለይ ኣሎ፡ ተጻረርቲ ኸኣ ብዙሓት እዮም እሞ፡ ክሳዕ በዓላት ሓምሳ ኣብ ኤፌሶን ክጸንሕ እየ። |
| 9. | ዓብይን ብርቱዕን ደገ ተኸፊቱለይ ኣሎ፡ ተጻረርቲ ኸኣ ብዙሓት እዮም እሞ፡ ክሳዕ በዓላት ሓምሳ ኣብ ኤፌሶን ክጸንሕ እየ። |
| 10. | ጢሞቴዎስ እንተ መጸ ግና፡ ከምዚ ኸማይ ዕዮ ጐይታ ይዐዪ እዩ እሞ፡ ምሳኻትኩም ብዘይ ፍርሃት ኪኸውን ተጠንቀቑሉ። |
| 11. | ምስቶም ኣሕዋቱ እጽበዮ ኣሎኹ እሞ፡ ናባይ ምእንቲ ኺመጽእ፡ ብሰላም ኣፋንውዎ፡ ሓደ እኳ ኣይንዐቆ። |
| 12. | ግናኸ ብዛዕባ ኣጵሎስ ሓውና ምስቶም ኣሕዋት ናባኻትኩም ኪመጽእ ብዙሕ ምዒደዮ እሞ፡ ሕጂ ኺመጽእ ከቶ ፍቓድ የብሉን፡ ምስ ጠዐሞ ግና ኪመጽእ እዩ። |
| 13. | ንቕሑ፡ ኣብ እምነት ጽንዑ፡ ሰብኡት ኩኑ፡ በርትዑ። |
| 14. | ኲሉ ግብርኹም ብፍቕሪ ይገበር። |
| 15. | ኣሕዋተየ፡ ቤት እስጢፋኖስ እታ በዂሪ ኣካይያ ኸም ዝዀነት፡ ነፍሶምውን ንምግልጋል ቅዱሳን ከም ዝመደቡ፡ ትፈልጡ ኢኹም፡ ንስኻትኩም ከኣ ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉን ነቶም ምሳና ዚዐዩን ዚጽዕሩን ዘበሉ ኽትእዘዝዎም፡ እልምነኩም ኣሎኹ። |
| 16. | ኣሕዋተየ፡ ቤት እስጢፋኖስ እታ በዂሪ ኣካይያ ኸም ዝዀነት፡ ነፍሶምውን ንምግልጋል ቅዱሳን ከም ዝመደቡ፡ ትፈልጡ ኢኹም፡ ንስኻትኩም ከኣ ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉን ነቶም ምሳና ዚዐዩን ዚጽዕሩን ዘበሉ ኽትእዘዝዎም፡ እልምነኩም ኣሎኹ። |
| 17. | ብምምጻእ እስጢፋኖስን ፈርጡናጦስን ኣካይቆስን ከኣ፡ ነቲ ኻባኻትኩም ዝጐደለ ንሳቶም መሊኦምዎ ኣለዉ እሞ፡ ባህ ይብለኒ ኣሎ። |
| 18. | ንመንፈስኩምን ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ፍለጥዎም። |
| 19. | እተን ማሕበራት እስያ ሰላም ይብላኹም ኣለዋ። ኣኪላስን ጵርስኪላን ምስታ ኣብ ቤቶም ዘላ ማሕበር ኰይኖም፡ ብጐይታ ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ። |
| 20. | ኲላቶም እቶም ኣሕዋት ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ። ብቕዱስ ምስዕዓም ንሓድሕድኩም ሰላም ተባሃሀሉ። |
| 21. | እዛ ሰላምታ እዚኣ ኣነ ጳውሎስ ባዕለይ ብኢደይ ዝጸሓፍክዋ እያ። |
| 22. | ንጐይታና ዘየፍቅሮ እንተሎ፡ ንሱ ርጉም ይኹን። ማራን ኣታ። |
| 23. | ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምሳኻትኩም ይኹን። |
| 24. | ብክርስቶስ የሱስ ፍቕረይ ምስ ኲላትኩም ይኹን። ኣሜን። |
| ← 1Corinthians (16/16) |