← 1Corinthians (15/16) → |
1. | ኣሕዋተየ፡ ንኸንቱ ኣሚንኩም እንተ ዘይኰንኩም፡ ከምቲ ኣነ ዝሰበኽክዎ ጌርኩም ሒዝኩምዎ እንተ ኣሊኹምሲ፡ እቲ ዝሰበኽኹልኩምን እተቐበልኩምዎን ኣብኡ ጸኒዕኩም ዘሎኹምን ብእኡውን እትድሕኑሉን ወንጌል ኤፍልጠኩም ኣሎኹ። |
2. | ኣሕዋተየ፡ ንኸንቱ ኣሚንኩም እንተ ዘይኰንኩም፡ ከምቲ ኣነ ዝሰበኽክዎ ጌርኩም ሒዝኩምዎ እንተ ኣሊኹምሲ፡ እቲ ዝሰበኽኹልኩምን እተቐበልኩምዎን ኣብኡ ጸኒዕኩም ዘሎኹምን ብእኡውን እትድሕኑሉን ወንጌል ኤፍልጠኩም ኣሎኹ። |
3. | እቲ ኣነ እተቐበልክዎ ቕድሚ ዂሉ ነጊረኩም እየ፡ ከምቲ እቶም ጽሑፋት ዚብልዎ፡ ክርስቶስ ምእንቲ ሓጢኣትና ሞተ፡ |
4. | ተቐብረ ኸኣ፡ ከምቲ እቶም ጽሑፋት ዚብልዎ፡ ብሳልሰይቲ መዓልቲውን ተንስኤ፡ |
5. | ንኬፋ፡ ደሓርውን ነቶም ዓሰርተው ክልተ ተራእየ፡ |
6. | ድሕሪኡ፡ ዚበዝሑ ኻባታቶም ክሳዕ ሎሚ ዘለዉ፡ ገሊኣቶም ግና ደቂሶም ዘለዉ፡ ካብ ሓሙሽተ ሚእቲ ንዚበዝሑ ኣሕዋት ብሓንሳእ ተራእየ። |
7. | ድሕሪኡ ንያእቆብ፡ ድሕሪኡ ኸኣ ንዂላቶም ሃዋርያት ተራእየ። |
8. | ድሕሪ ዂላቶም ድማ ንኣይ፡ ቍላዕ ንዝመስል፡ ተራእየኒ። |
9. | ኣነስ ነታ ማሕበር ኣምላኽ ስለ ዝሰጐጒክዋ፡ ምንኣስ ኲላቶም ሃዋርያት እየ እሞ ሃዋርያ ኽስመ ብቚዕ ኣይኰንኩን። |
10. | እቲ ዘሎኽዎ ግና ብጸጋ ኣምላኽ እየ ዘሎኹ። ካብ ኲላቶም ዚበዝሕ ደኣ ጸዐርኩ እምበር፡ እቲ ንኣይ እተዋህበ ጸጋኡ ኸንቱ ኣይኰነን። እቲ ምሳይ ዘሎ ጻጋ ኣምላኽ ደኣ እዩ እምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን። |
11. | እምብኣርሲ ኣነ እንተ ዀንኩ፡ ንሳቶም እንተ ዀኑ፡ ከምዚ ጌርና ንሰብኽ ኣሎና፡ ንስኻትኩምውን ከምኡ ኣመንኩም። |
12. | ክርስቶስ ካብ ምዉታት ከም ዝተንስኤ ኻብ ዚስበኽ ደኣ፡ ከመይ ኢሎም እዮም ሓያሎ ኻባኻትኩም፡ ትንሳኤ ምዉታት የልቦን፡ ዚብሉ ዘለዉ፧ |
13. | ትንሳኤ ምዉታት ዜልቦ እንተ ዀይኑስ፡ ክርስቶስ ድማ ኣይተንስኤን። |
14. | ክርስቶስ ዘይተንስኤ እንተ ዀይኑስ፡ እምብኣርከ ስብከትና ኸንቱ እዩ፡ እምነትኩምውን ከንቱ እያ። |
15. | ኣምላኽ ንክርስቶስ ኣተንሲእዎ ኢልና መስኪርና ኢና እሞ፡ ንክርስቶስ ዘየተንስኦ እንተ ዀይኑስ፡ ምዉታትውን እንተ ዘየተንስኡ፡ ንሕና ሓሰውቲ ምስክር አምላኽ ኴንና ንርከብ ኢና። |
16. | ምዉታት እንተ ዘይትንስኡስ፡ ክርስቶስውን ኣይተንስኤን እሞ፡ |
17. | ክርስቶስ ዘይተንስኤ እንተ ዀይኑስ፡ እምነትኩም ከንቱ እያ፡ ንስኻትኩም ገና ኣብ ሓጢኣትኩም ኣሎኹም። |
18. | እምብኣርሲ እቶም ብክርስቶስ ዝደቀሱ ድማ ጥፉኣት እዮም። |
19. | ኣብዛ ህይወት እዚኣ ጥራይ ብክርስቶስ ተስፋ እንተ ገበርናስ፡ ካብ ኲሉ እነደንግጽ ምዀንና ኔርና። |
20. | ሕጂ ግና ክርስቶስ፡ በዂሪ እቶም ዝደቀሱ ዀይኑ፡ ካብ ምዉታት ተንስኤ። |
21. | ስለዚ ኽምቲ ሞት ብሓደ ሰብ ዝምጸ፡ ከምኡ ኸኣ ትንሳኤምውታት ብሓደ ሰብ እዩ ዝመጸ። |
22. | ከምቲ ኹላቶም ብኣዳም ዝሞቱ፡ ከምኡ ድማ ኩላቶም ብክርስቶስ ህያዋን ኪኾኑ እዮም። |
23. | ግናኸ ነሲ ወከፍ በብስርዓቱ እዩ፡ ክርስቶስ ከም ቦኽሪ፡ ደሓሪ እቶም ናይ ክርስቶስ ዘበሉ ብምጽኣቱ። |
24. | ክርስቶስ ነቶም ጸላእቱ ዘበሉ ትሕቲ ኣእጋሩ ክሳዕ ዚገብሮም፡ ክነግስ ይግብኦ እዩ እሞ፡ ኩሉ ሽመትን ስልጣንን ሓይልን ምስ ሰዓረ፡ እታ መንግስቲ ንእግዚኣብሄር ኣቦ ምስ ወፈየ፡ ሽዑ እዩ መወዳእታ ዚኸውን። |
25. | ክርስቶስ ነቶም ጸላእቱ ዘበሉ ትሕቲ ኣእጋሩ ክሳዕ ዚገብሮም፡ ክነግስ ይግብኦ እዩ እሞ፡ ኩሉ ሽመትን ስልጣንን ሓይልን ምስ ሰዓረ፡ እታ መንግስቲ ንእግዚኣብሄር ኣቦ ምስ ወፈየ፡ ሽዑ እዩ መወዳእታ ዚኸውን። |
26. | እቲ ኣብ መወዳእታ ዝስዐር ጸላኢውን ሞት እዩ። |
27. | ኣምላኽ፡ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ኹሉ ኣግዝኦ እሞ፡ ኩሉ ተገዝኤ፡ ኪብል ከሎ፡ ብዘን እቲ ኹሉ ንእኡ ዝግብኦ ኸም ዝኾነ፡ ግሁድ እዩ። |
28. | ኩሉ ምስ ተገዝኦ ግና፡ ኣምላኽውን ኩሉ ኣብ ኩሉ ምእንቲ ኪኸውን፡ ሽዑ እቲ ወዲ ባዕሉ ነቲ ኹሉ ዘግዝኦ ኺግዛእ እዩ። |
29. | እንተ ዘይኮነስ፡ እቶም ኣብ ክንዲ ምውታት ዚጥመቑ ደኣ እንታይ ይገብሩ ኣለው፡ ብሱሩ ምውታት ዘይትንስኡ እንተ ኾይኖምሲ፡ ንምንታይ ደኣ ዚጥመቑሎም፡ |
30. | ስለምንታይ ድኣ ንሕናኸ ኹሉ ጊዜ ኣብ ፍርሃት እንኣቱ፡ |
31. | ኣሕዋተየ፡ ኣነ በቲ ብክርስቶስ የሱስ ጐይታና ኣባኻትኩም ዘሎኒ ትምክሕቲ ኣብ ጸጽባሕ እመውት ኣሎኹ። |
32. | ኣነ ኸም ግእዚ ሰብ ኣብ ኤፌሶን ምስ ኣራዊት እንተ ገጠምኩ፡ እንታይ ጥቕሚ ኣሎኒ፧ ምዉታት ዘይትንስኡ እንተ ዀኑስ፡ ጽባሕ ክንመውት ኢና እሞ፡ ንብላዕን ንስተን። |
33. | ኣይትታለሉ፡ ሕማቕ ዕርክነት ንጽቡቕ ልማድ የጥፍኦ እዩ። |
34. | ገሊኣቶም ፍልጠት ኣምላኽ የብሎምን እሞ፡ ንቕንዕና ተባራበሩ ሓጢኣትውን ኣይትግበሩ። እዚ ምእንቲ ኽትሐፍሩ ኢለ እየ ዝብሎ ዘሎኹ። |
35. | ገለ ግና፡ ምዉታት ከመይ ኢሎም እዮም ዝትንስኡ፧ ብኸመይ ዝበለ ስጋኸ እዮም ዚመጹ፧ ዚብል ይህሉ። |
36. | ኣታ ዓሻ፡ እቲ ንስኻ እትዘርኦ ኸይሞተ ህይወት ኣይረክብን እዩ። |
37. | እቲ እትዘርኦ ድማ ናይ ስርናይ ወይስ ናይ ካልእ ዓይነት ፍረ ጥራይ እዩ እምበር፡ እቲ ስጋ ዚኸውን ኣይኰነን እትዘርኦ ዘሎኻ። |
38. | ኣምላኽ ግና ከም ዝደለየ ገይሩ እዩ ስጋ ዚህቦ። ንነፍሲ ወከፍ ዘርኢውን ሰስጋኡ ይህቦ። |
39. | ስጋ ሰብ በይኑ፡ ስጋ እንስሳ በይሁ፡ ስጋ ኣዕዋፍ በይኑ፡ ስጋ ዓሳውን በይኑ ደኣ እዩ እምበር፡ ኲሉ ስጋስ ሓደ ዓይነት ስጋ ኣይኰነን። |
40. | ሰማያዊ ስጋ ድማ ኣሎ፡ ምድራዊ ስጋ ኸኣ ኣሎ፡ ግናኸ ክብሪ እቶም ሰማያውያን በይኑ፡ ክብሪ እቶም ምድራውያንውን በይኑ እዩ። |
41. | ብኽብርስ ኰዀብ እኳ ኻብ ኰዀብ ይበልጽ እዩ እሞ፡ ክብሪ ጸሓይ በይኑ፡ ክብሪ ወርሒ በይኑ፡ ክብሪ ኸዋኽብቲውን በይኑ እዩ። |
42. | ትንሳኤ ምዉታትውን ከምኡ እዩ፡ ብዚሐልፍ ይዝራእ፡ ብዘይሐልፍ ከኣ ይትንስእ። |
43. | ብውርደት ይዝራእ፡ ብኽብሪ ይትንስእ። ብድኻም ይዝራእ፡ ብሓይሊ ይትንስእ። |
44. | ነፍሳዊ ስጋ ይዝራእ፡ መንፈሳዊ ስጋ ይትንስእ። ነፍሳኣዊ ስጋ ኻብ ዚህሉ፡ መንፈሳዊ ስጋውን ኣሎ። |
45. | ከምኡ ድማ፡ እቲ ቐዳማይ ሰብ፡ ኣዳም፡ ህያው ነፍሱ ዀነ፡ ዚብል ጽሑፍ እዩ፡ እቲ ዳሕራይ ኣዳም ህያው ዚገብር መንፈስ ኰነ። |
46. | ግናኸ ቅድም እቲ ነፍሳዊ እዩ እምበር፡ እቲ መንፈሳዊ ኣይኰነን፡ ደሓር እቲ መንፈሳዊ እዩ። |
47. | እቲ ቐዳማይ ሰብ ካብ ምድሪ ዀይኑ መሬታዊ እዩ፡ እቲ ኻልኣይ ሰብ ግና ካብ ሰማይ እዩ። |
48. | ከምቲ መሬታዊ ኸምኡ ኸኣ እቶም መሬታውያን እዮም፡ ከምቲ ሰማያዊ ድማ ከምኡውን እቶም ሰማያውያን እዮም። |
49. | ከምቲ ምስሊ እቲ መሬታዊ ዝለበሰና፡ ምስሊ እቲ ሰማያዊ ድማ ክንለብስ ኢና። |
50. | ግናኸ፡ ኣሕዋተየ፡ ስጋን ደምን መንግስቲ ኣምላኽ ኪወርስ ከም ዘይከኣሎ፡ እቲ ሓላፊ ድማ ነቲ ዘይሐልፍ ከም ዘይወርሶ፡ እብለኩም ኣሎኹ። |
51. | እንሆ፡ ምስጢር እነግረኩም ኣሎኹ፡ ኲላትና ኽንልወጥ እምበር፡ ኲላትና ኣይክንድቅስን ኢና፡ |
52. | ብሓንሳእ፡ ብቕጽበት ዓይኒ፡ በቲ ናይ ድሕሪ ዂሉ መለኸት፡ እቲ መለኸት ኪንፋሕ እዩ እሞ፡ እቶም ምዉታት ድማ ብዘይሐልፍ ኪትንስኡ እዮም፡ ንሕናውን ክንልወጥ ኢና። |
53. | ማለት፡ እዚ ሓላፊ ዘይሐልፍ ኪለብስ ይግብኦ እዩ እሞ፡ እዚ መዋቲ ኸኣ ዘይመውት ኪለብስ እዩ። |
54. | እዚ ሓላፊ ዘይሐልፍ ምስ ለበሰ፡ እዚ መዋቲውን ዘይመውት ምስ ለበሰ፡ ሽዕሪ እቲ ጽሑፍ፡ ሞት ብዓወት ተዋሕጠ፡ ዝበሎ ቓል ኪፍጸም እዩ። |
55. | ዎ ሞት፡ ኣበይ ኣሎ ብልሕኻ፧ ኣታ ሲኦልከ፡ ኣበይ ኣሎ ዓወትካ፧ |
56. | ብልሒ ሞት ሓጢኣት እዩ፡ ሓይሊ ሓጢኣትውን ሕጊ እዩ። |
57. | ግናኸ ነቲ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ገይሩ ዓወት ዚህበና ኣምላኽ ስብሓት ይኹኖ። |
58. | ስለዚ፡ ፍቁራት ኣሕዋተየ፡ ጻዕርኹም ብጐይታ ኸንቱ ኸም ዘይኰነ ፈሊጥኩም፡ ብዕዮ ጐይታ ጽኑዓት፡ ዘይትናቓነቑ፡ ኲሉ ጊዜ ዕዙዛት ኩኑ። |
← 1Corinthians (15/16) → |