1Corinthians (14/16)  

1. ንፍቕሪ ስዐብዋ፡ ንመንፈሳዊ ውህበት፡ ምናዳ ግና ክትንበዩ ቕንኡ።
2. እቲ ብቛንቋ ዚዛረብ ምስጢራት ብመንፈስ ይዛረብ ኣሎ፡ ሓደ እኳ ኣየስተውዕሎን እዩ እሞ፡ ንኣምላኽ እምበር፡ ንሰብ ኣይኰነን ዚዛረብ ዘሎ።
3. እቲ ትንቢት ዚንበ ግና፡ ንሰብ ዚሀንጽን ዚምዕድን ዜጸናንዕን እዩ ዚዛረብ።
4. ቋንቋታት ዚዛረብ ንርእሱ ይሀንጽ፡ ትንቢት ዚንበ ግና ንማሕበር እዩ ዚሀንጽ።
5. ስለዚ ዂላትኩም ብቛንቋታት ክትዛረቡ፡ ምናዳ ግና ክትንበዩ እፈቱ ኣሎኹ። እታ ማሕበር ምእንቲ ኽትህነጽ፡ ዚትርጕም እንተ ዘይኰነስ፡ ካብቲ ብቛንቋታት ዚዛረብ እቲ ትንቢት ዚንበ ይዐቢ።
6. ኣሕዋተየ፡ ሕጂ ግና ብቛንቋታት እናተዛረብኩ እንተ ዝመጸኩም እሞ ብራእይ፡ ወይ ብፍልጠት፡ ወይ ብትንቢት፡ ወይ ብምህሮ ገይረ እንተ ዘይተዛረብኩኹም፡ እንታይ ክጠቕመኩም እዩ፧
7. እቲ መለኸት ዘይፍለጥ ድምጺ እንተ ኣድሀየኸ፡ መን እዩ ንወግእ ዚስለፍ፧ እቲ ህይወት ዜብሉ እሞ ድምጺ ዜድሂ ኸም እኒ እምብልታ ወይስ መሰንቆ ዘመሰለ ፍሉይ ቃናታት እንተ ዘየድሀየ፡ እቲ ብእምብልታ ወይስ ብመሰንቆ ዚቃነ ኸመይ ገይሩ ይፍለጥ፧
8. እቲ መለኸት ዘይፍለጥ ድምጺ እንተ ኣድሀየኸ፡ መን እዩ ንወግእ ዚስለፍ፧ እቲ ህይወት ዜብሉ እሞ ድምጺ ዜድሂ ኸም እኒ እምብልታ ወይስ መሰንቆ ዘመሰለ ፍሉይ ቃናታት እንተ ዘየድሀየ፡ እቲ ብእምብልታ ወይስ ብመሰንቆ ዚቃነ ኸመይ ገይሩ ይፍለጥ፧
9. ከምኡ ኸኣ ንስኻትኩም በቲ ቛንቋታት ዚስትውዐል ጌርኩም እንተ ዘይተዛረብኩምከ፡ ምስ ንፋስ ከም እትዛረቡ ኢኹም እትዀኑ እሞ፡ እቲ እትብልዎ ኸመይ ኢሉ ኺፍለጥ እዩ፧
10. ኣብ ዓለም በበይኑ ዝዀነ ብዙሕ ቋንቋታት ኣሎ፡ ርግጽ ደሃይ ዜብሉ ግና የልቦን።
11. እምብኣርሲ ኣነ ሓሳብ እቲ ድምጺ ኻብ ዘይፈልጥ፡ ነቲ ዚዛረብ ከም ባርባር ክዀኖ እየ፡ እቲ ዚዛረብውን ንኣይ ከም ባርባር እዩ ዚዀነኒ።
12. ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ንመንፈሳዊ ውህበት እትቐንኡ ኻብ ኰንኩምሲ፡ ንምህናጽ ማሕበር ዕዙዛት ክትኰኑ ድለዩ።
13. ብቛንቋ ጓና እንተ ጸሌኹ፡ መንፈሰይ እዩ ዚጽሊ፡ ኣእምሮይ ግና ብዘይ ፍረ እዩ፡ ስለዚ እቲ ብቛንቋ ዚዛረብ፡ ምትርጓሙ ምእንቲ ኺከኣሎ፡ ይጸሊ።
14. ብቛንቋ ጓና እንተ ጸሌኹ፡ መንፈሰይ እዩ ዚጽሊ፡ ኣእምሮይ ግና ብዘይ ፍረ እዩ፡ ስለዚ እቲ ብቛንቋ ዚዛረብ፡ ምትርጓሙ ምእንቲ ኺከኣሎ፡ ይጸሊ።
15. እንታይ ደኣ እዩ፧ ብመንፈስ ክጽሊ፡ ግናኸ በእምሮይ ድማ ክጽሊ እየ፡ ብመንፈስ ክዝምር፡ ግናኸ በእምሮይውን ክዝምር ኣየ።
16. እንተ ዘይኰነስ ብመንፈስ እንተ ባረኽካ፡ እቲ ኣብ ስፍራ እቲ ዘይተማህረ ተቐሚጡ ዘሎ ነቲ ንስኻ እትብሎ ኻብ ዘይፈልጦ፡ ከመይ ገይሩ ብምስጋናኻ ኣሜን ኪብል ይከኣሎ፧
17. ንስኻስ ጽቡቕ ጌርካ ተመስግን ኣሎኻ፡ እቲ ኻልእ ግና ኣይተሀንጸን።
18. ሓለፋ ዂላትኩም ቋንቋታት እዛረብ እየ እሞ ንኣምላኽ ኤመስግን ኣሎኹ።
19. ግናኸ ንኻልኦትውን ምእንቲ ኽምህርሲ፡ ኣብ ማሕበር እልፊ ቓል ቋንቋ ኻብ ዝዛረብ ሓሙሽተ ቓላት በእምሮ ኽዛረብ እፈቱ ኣሎኹ።
20. ኣሕዋተየ፡ በእምሮ ሰብኡት ኩኑ፡ ብኽፍኣት ደኣ ሕጻናት ኩኑ እምበር፡ ብዛዕባ ኣእምሮስ ቈልዑ ኣይትኹኑ።
21. ኣብ ሕጊ፡ ነዚ ህዝቢ እዚ ብኻልእ ዝቛንቋኦም ሰባትን ብኸናፍር ጓኖትን ገይረ ኽዛረቦ እየ፡ ምስናይ እዚ እኳ ኣይኪሰምዑን እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ዚብል ጽሑፍ ኣሎ።
22. ስለዚ ቛንቋታት ነቶም ዘይኣምኑ ምልክት እዩ እምበር፡ ነቶም ዚኣምኑ ኣይኰነን። ትንቢት ግና ነቶም ዚኣምኑ ምልክት እዩ እምበር፡ ነቶም ዘይኣምኑ ኣይኰነን።
23. ደጊም ኲላ እታ ማሕበር ሐቢራ እንተ ተኣከበት፡ ኲላቶም ከኣ ብቛንቋታት እንተ ተዛረቡ እሞ ዘይምሁራት ወይስ ዘይኣምኑ ሰብ ኣብኡ እንተ ኣተዉ፡ ተጸሊሎኩምዶ ኣይብሉን እዮም፧
24. ግናኸ ኲላቶም እንተ ተነበዩ እሞ ሓደ ዘይኣምን ወይስ ዘይምሁር እንተ ኣተወ፡ ኲላቶም ይገንሕዎ፡ ኲላቶም ይፈርድዎ እዮም።
25. እቲ ኣብ ልቡ እተሐብኤ ድማ ይግለጽ እሞ ከምኡውን ኣምላኽ ኣብ ማእከልኩም ከም ዘሎ እናነገረ፡ ብገጹ ተደፊኡ ንኣምላኽ ኪሰግድ እዩ።
26. ኣሕዋተየ፡ እንታይ ደኣ እዩ፧ ክትእከቡ ኸሎኹም፡ ነፍሲ ወከፍኩም መዝሙር ኣለዎ፡ ምህሮ ኣለዎ፡ ራእይ ኣለዎ፡ ቋንቋ ኣለዎ፡ ትርጉም ኣለዎ፡ ኲሉ ንምህናጽ ይገብር።
27. ብቛንቋ ዚዛረብ እንተሎ፡ ክልተ፡ እንተ በዝሑ ኸኣ ሰለስተ ይኹኑ እሞ በብተራ ይዛረቡ፡ ሓደ ኸኣ ይተርጒሞ።
28. ተርጓሚ እንተ ዜልቦ ግና፡ እቲ ብቛንቋ ዚዛረብ ኣብታ ማሕበር ስቕ ይበል፡ ንርእሱን ንኣምላኽን ግና ይዛረብ ደኣ።
29. ነብያት ድማ ክልተ ወይስ ሰለስተ ዀይኖም ይዛረቡ፡ እቶም ካልኦትውን ይመርምሩ።
30. ካብቶም ተቐሚጦም ዘለዉ ንሓደስ ራእይ እንተ ተገልጸሉ ግና፡ እቲ ቐዳማይ ስቕ ይበል።
31. ኲላቶም ምእንቲ ኺምሀሩ ዂላቶምውን ኪምዐዱስ፡ ኲላትኩም በብሓደ ኽትንበዪ ይከኣለኩም እዩ።
32. ኣምላኽሲ ናይ ሰላም እምበር፡ ናይ ዝርግርግ ኣምላኽ ኣይኰነን እሞ፡ እቶም መናፍስቲ ነብያት ነቶም ነብያት ይግዝእዎም እዮም።
33. ኣምላኽሲ ናይ ሰላም እምበር፡ ናይ ዝርግርግ ኣምላኽ ኣይኰነን እሞ፡ እቶም መናፍስቲ ነብያት ነቶም ነብያት ይግዝእዎም እዮም።
34. ከምቲ ኣብ ኲላተን ማሕበራት ቅዱሳን ዚግበር ዘሎ፡ ኣንስቲ ኣብ ማሕበር ኪዛረባ ኣይተፈቕደለንን እዩ እሞ፡ ስቕ ይበላ። ከምቲ ሕጊ ዚብሎ ድማ ይገዝኣ።
35. ንሰበይቲ ኣብ ማሕበር ምዝራብ ነውሪ እዩ እሞ፡ ገለ ኺምህራ እንተ ደለያ፡ ኣብ ቤት ንሰብኡተን ይሕተታ።
36. ወይስ ቃል ኣምላኽዶ ኻባኻትኩም እዩ ዝወጸ፧ ወይስ ኣባኻትኩም ጥራይ ድዩ ዝበጽሔ፧
37. ሓደ ንሱ ንርእሱ ነብዪ ወይስ መንፈሳዊ ኸም ዝዀነ እንተ መሰሎ፡ እዚ ዝጽሕፈልኩም ዘሎኹ ናይ እግዚኣብሄር ትእዛዛት ምዃኑ ይፍለጥ።
38. እቲ ኺልላማጦ ዘይደሊ ግና፡ ኣይፍለጦ።
39. ኣሕዋተየ፡ ስለዚ ኽትንበዩ ሃረር በሉ፡ ብቛንቋታት ምዝራብ ድማ ኣይትኸልከሉ።
40. ግናኸ ኲሉ ብስርዓትን በጋባብን ይኹን።

  1Corinthians (14/16)