1Corinthians (11/16)  

1. ከምዚ ኣነ ንክርስቶስ ዝመስሎ ዘሎኹ፡ ንስኻትኩም ንኣይ ምሰሉ።
2. ሕጂ ድማ ብዂሉ ስለ ዝዘከርኩምንን ከምቲ ዝመሀርኩኹም ጌርኩም፡ ነቲ ምህሮ ስለ ዝሐዝኩምዎን እንእደኩም ኣሎኹ።
3. ግናኸ ርእሲ ሰብኣይ ዘበለ ክርስቶስ፡ ርእሲ ሰበይቲ ኸኣ ሰብኣይ፡ ርእሲ ክርስቶስውን ኣምላኽ ከም ዝዀነ፡ ክትፈልጡ እፈቱ ኣሎኹ።
4. ሰብኣይ ዘበለ ዂሉ ኺጽሊ ወይስ ትንቢት ኪንበ ኸሎ፡ ርእሱ እንተ ተጐልበበ፡ ንርእሱ የሕስር።
5. ሰበይቲ ዘበለት ኲላ ግና ክትጽሊ ወይስ ትንቢት ክትንበ ኸላ፡ ርእሳ እንተ ዘይተጐልበበት፡ እዚኣስ ከም ልጽይቲ እያ እሞ፡ ርእሳ ተሕስር እያ።
6. ሰበይቲ ዘይትጒልበብ እንተ ዀነት፡ እምብኣርሲ ጸጒራ ትቈረጽ። ግናኸ ንሰበይቲ ምቚራጽ ወይስ ምልጻይ ጸጕራ ዜነውራ ኻብ ኰነ፡ ትጐልበብ።
7. ሰበይቲ ኻብ ሰብኣያ እያ እምበር፡ ሰብኣይ ካብ ሰበይቲ ኣይኰነን እሞ፡ ሰብኣይ ምስሊ ኣምላኽን ክብሩን ካብ ኰነስ፡ ርእሱ ኺጒልበብ ኣይግብኦን እዩ። ሰበይቲ ግና ክብሪ ሰብኣይ እያ።
8. ሰበይቲ ኻብ ሰብኣያ እያ እምበር፡ ሰብኣይ ካብ ሰበይቲ ኣይኰነን እሞ፡ ሰብኣይ ምስሊ ኣምላኽን ክብሩን ካብ ኰነስ፡ ርእሱ ኺጒልበብ ኣይግብኦን እዩ። ሰበይቲ ግና ክብሪ ሰብኣይ እያ።
9. ሰበይቲውን እያ ምእንቲ ሰብኣይ እተፈጥረት እምበር፡ ሰብኣይሲ ምእንቲ ሰበይቲ ኣይተፈጥረን።
10. ስለዚ ኸኣ ምእንቲ እቶም መላእኽቲ ንሰበይቲ ኣብ ርእሳ ምልክት ምልኪ ኺህልዋ ይግባእ እዩ።
11. ከምቲ ሰበይቲ ኻብ ሰብኣይ ዝዀነት፡ ከምኡውን ሰብኣይ ብሰበይቲ እዩ፡ ብጐይታ ግና ሰበይቲ ብዘይ ሰብኣይ፡ ሰብኣይ ከኣ ብዘይ ሰበይቲ ከቶ ኣይከውንን እዩ፡ ኲሉ ግና ካብ ኣምላኽ እዩ።
12. ከምቲ ሰበይቲ ኻብ ሰብኣይ ዝዀነት፡ ከምኡውን ሰብኣይ ብሰበይቲ እዩ፡ ብጐይታ ግና ሰበይቲ ብዘይ ሰብኣይ፡ ሰብኣይ ከኣ ብዘይ ሰበይቲ ከቶ ኣይከውንን እዩ፡ ኲሉ ግና ካብ ኣምላኽ እዩ።
13. እስኪ፡ ባዕላትኩም ፍረድዎ፡ ሰበይቲ ኸይተጐልበበት ናብ ኣምላኽ ክትጽሊዶ ይግባእ እዩ፧
14. ወይስ ሰብኣይ ጸጒሩ እንተ ኣንውሔ፡ ሓሳሩ ምዃኑስ እቲ ባህርይ ባዕሉዶ ኣይምህረኩምን እዩ፧
15. ሰበይቲ ጸጒራ እንተ ኣንውሔት ግና፡ ጸጒራ ኣብ ክንዲ መጐልበቢ ተውሂብዋ እዩ እሞ፡ ንእኣ ኽብረታ እዩ።
16. ገለ ሰብ ግና ባእሲ ዚፈቱ እንተ ዀነ፡ ንሕናን እተን ማሕበራት ኣምላኽን ከምዚ ዝበለ ልማድ የብልናን።
17. ግናኸ እዚ ኽእዝዝ ከሎኹ፡ ምእካብኩም ንዚገድድ እምበር፡ ንዚሐይሽ ስለ ዘይኰነ፡ ኣይንእደኩምን እየ።
18. ቅድሚ ዂሉ ኸኣ ኣብ ማሕበር ምስ ተኣከብኩም፡ ምፍልላይ ኣብ ማእከልኩም ከም ዘሎ፡ እሰምዕ ኣሎኹ እሞ፡ ካብኡውን ከፊለ እኣምን እየ።
19. እቶም ቅኑዓትኩም ምእንቲ ኺግለጹስ፡ ኣብ ማእከልኩም ሻራ ኪኸውን ብግዲ ዜድሊ እዩ።
20. ብጊዜ ብልዕኹም ነፍሲ ወከፍኩም ተቓዳዲሙ ድራሩ ይበልዕ፡ እቲ ሓደን ይጠሚ እቲ ሓደን ይሰክር ኣሎ እሞ፡ ከምኡ እቲ ብሃደ ምእካብኩም ንምብላዕ መኣዲ ጐይታ ኣይኰነን።
21. ብጊዜ ብልዕኹም ነፍሲ ወከፍኩም ተቓዳዲሙ ድራሩ ይበልዕ፡ እቲ ሓደን ይጠሚ እቲ ሓደን ይሰክር ኣሎ እሞ፡ ከምኡ እቲ ብሃደ ምእካብኩም ንምብላዕ መኣዲ ጐይታ ኣይኰነን።
22. እትበልዑሉን እትሰትዩሉን ኣባይቲዶ የብልኩምን፧ ወይስ ንማሕበር ኣምላኽ ንዒቕኩም ዲኹም፧ እንታይ እሞ ኽብለኩም፧ በዚዶ ኽንኣደኩም፧ ኣይንእደኩምን እየ።
23. ኣነ ኻብ ጐይታ እተቐበልክዎ እየ እሞ፡ ንኣኻትኩምውን ዝነገርክዎ፡ ጐይታና የሱስ በታ እተታሕዘላ ለይቲ እንጌራ ኣልዐለ፡
24. ኣመስጊኑ ቘረሰ እሞ፡ ውሰዱ፡ ብልዑ፡ እዚ ምእንታኹም እተዋህበ ስጋይ እዩ፡ እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ፡ በለ።
25. ከምኡ ኸኣ ድሕሪ ድራር ነታ ጽዋእ ኣልዐለ እሞ፡ እዛ ጽዋእ እዚኣ ብደመይ ሓድሽ ኪዳን እያ። ብትሰትይዎ መጠን ንመዘከርታይ ግበርዎ፡ በለ።
26. መለት፡ እዛ እንጌራ እዚኣ ብትበልዕዋ፡ እዛ ጽዋእ እዚኣውን ብትሰትይዋ መጠን፡ ክሳዕ ጐይታ ዚመጽእ፡ ሞቱ ትነግሩ ኢኹም።
27. ስለዚ ኸይተገብኦ እዛ እንጌራ እዚኣ ዚበልዕ ወይስ ጽዋእ ጐይታ ዚሰቲ፡ ንሱ ኣብ ናይ ጐይታ ስጋን ደምን እዩ ዚዕግብ።
28. ግናኸ ሰብ ንርእሱ ይመርምር፡ ከምኡ ኸኣ ካብዛ እንጌራ እዚኣ ይብላዕ፡ ካብዛ ጽዋእ እዚኣውን ይስተ።
29. እቲ ዚበልዕን ዚሰትን ንስጋ ጐይታ እንተ ዘይለለየ፡ ንርእሱ እዩ ፍርዲ ዚበልዕን ዚሰትን።
30. በዚ ምኽንያት እዚ እዮም ኣብ ማእከልኩም ብዙሓት ድኹማትን ሕሙማትን ዘለዉ፡ ዝደቀሱውን ብዙሓት እዮም።
31. ግናኸ ኣብ ርእስና እንተ ንፈርድሲ፡ ኣይምተዀነናን ኔርና።
32. ክንፍረድ ከሎና ግና፡ ምስ ዓለም ምእንቲ ኸይንዂነን፡ ብጐይታ ንቕጻዕ ኣሎና።
33. ስለዚ፡ ኣሕዋተየ፡ ንምብላዕ ክትእከቡ ኸሎኹም፡ ንሓድሕድኩም ደኣ ተጸባበዩ።
34. ምእካብኩም ንፍርዲ ምእንቲ ኸይከውን፡ ገለ ሰብ እንተ ጠመየ፡ ኣብ ቤቱ ይብላዕ። ነቲ ዝተረፈ ግና፡ ምስ መጻእኩ፡ ክሰርዖ እየ።

  1Corinthians (11/16)