← 1Corinthians (10/16) → |
1. | ኣሕዋተየ፡ ኵላቶም ኣቦታትና ትሕቲ ደበና ኸም ዝነበሩ፡ ኲላቶምውን ባሕሪ ኸም እተሳገሩ፡ ዘይትፈልጡ ኽትኰኑ ኣይፈቱን እየ። |
2. | ኲላቶም ድማ ብደበናን ብባሕርን ናብ ሙሴ ተጠምቁ። |
3. | ኲላቶምውን እቲ ሓደ መንፈሳዊ ምግቢ በልዑ፡ |
4. | ኲላቶምውን እቲ ሓደ መንፈሳዊ መስተ ሰተዩ። ካብቲ ዚስዕቦም ዝነበረ መንፈሳዊ ኸውሒ ሰትዮም እዮም እሞ፡ እቲ ኸውሒ እቲ ኸም ክርስቶስ እዩ። |
5. | ካባታቶም እቶም ዚበዝሑ ግና ንኣምላኽ ባህ ኣየበልዎን፡ ስለዚ ኣብ በረኻ ተወድኡ። |
6. | እዚ ኸኣ፡ ከምቲ ንሳቶም እተመነይዎ ንሕና ነቲ እከይ ምእንቲ ኸይንምነ፡ መለበሚ ዀነልና። |
7. | እምብኣርከ፡ እቲ ህዝቢ ኺበልዕን ኪሰትን ተቐመጠ ኺሰሐቕውን ተንስኤ፡ ዚብል ከም እተጻሕፈ፡ ከምቶም ገሊኣቶም መምለኽቲ ጣኦት ኣይትኹኑ። |
8. | ከምቲ ገሊኣቶም ዝመንዘሩ እሞ ብሓንቲ መዓልቲ ዕስራን ሰለስተን ሽሕ ዝወደቑ፡ ኣይንመንዝር። |
9. | ከምቲ ገሊኣቶም ዝፈተንዎ እሞ በትማን ዝጠፍኡ፡ ንክርስቶስ ኣይፈትኖ። |
10. | ከምቲ ገሊኣቶም ዘዕዘምዘሙ እሞ እቲ መጥፍኢ ዘጥፍኦም፡ ኣይነዕዘምዝም። |
11. | እዚ ዂሉ መለበሚ ኪኸውን እዩ ዝበጽሖም፡ ንኣና እቲ መወዳእታ ዘመናት ንዘርከበናውን ንተግሳጽ ኪዀነና እዩ እተጻሕፈ። |
12. | ስለዚ እቲ ደው ኢሉ ዘሎ ዚመስሎ፡ ከይወድቕ ይጠንቀቕ። |
13. | ሰብ ኪጾሮ ዘይኽእል ፈተና ኣይበጽሓኩምን ። ኣምላኽ እሙን እዩ እሞ፡ ምስቲ ፈተናኹም ምጽዋሩ ምእንቲ ኽትክእሉስ፡ መውጽኢ ገይሩልኩም ኣሎ፡ ካብ ዓቕምኹም ንንየው ክትፍተኑ ኣይሐድገኩምን እዩ። |
14. | ፍቁራተየ፡ ስለዚ ኻብ ምምላኽ ጣኦት ህደሙ። |
15. | ከም ነስተውዓልቲ እየ ዝዛረብ ዘሎኹ፡ ነዚ ዝብሎ ዘሎኹ ባዕላትኩም ፍረድዎ። |
16. | እታ ንሕና እንባርኻ ናይ በረኸት ጽዋእ ምስ ደም ክርስቶስ ሕብረት ዘለዋዶ ኣይኰነትን፧ እታ እንቘርሳ እንጌራስ ምስ ስጋ ክርስቶስ ሕብረት ዘለዋዶ ኣይኰነትን፧ |
17. | ካብ ሓንቲ እንጌራ ተማቒልና ኢና እሞ፡ ሓንቲ እንጌራ ኻብ እትኸውንሲ፡ ንሕና ብዙሓት ክነስና ሓደ ስጋ ኢና። |
18. | ንእስራኤል እማ ብስጋ ጠምቱ፡ እቶም ካብ መስዋእቲ ዚበልዑስ ምስቲ መሰውኢዶ ሕብረት የብሎምን እዮም፧ |
19. | እንታይከ እብል ኣሎኹ፧ ንጣኦታት እተሰውኤዶ ገለ ነገር እዩ፧ ወይ ጣኦታዶ ገለ ነገር እዩ፧ |
20. | ኣይፋልሪ፡ ኣህዛብ ዚስውእዎ ነጋንንቲ እዩ እምበር፡ ንኣምላኽ ኣይኰነን። ምስ ኣጋንንቲ ሕብረት ኪህልወኩም ኣይፈቱን እየ። |
21. | ጽዋእ ጐይታን ጽዋእ ኣጋንንትን ክትሰትዩ ኣይከኣለኩምን፡ ካብ መኣዲ ጐይታን ካብ መኣዲ ኣጋንንትን ክትምቀሉውን ኣይከኣለኩምን እዩ። |
22. | ወይስ ንጐይታ ምእንቲ ኸነቕንኦ ዲና፧ ካብኡዶ ንሕና ንብርትዕ፧ |
23. | ኲሉ ተፈቒዱለይ፡ ኲሉ ግና ኣይጠቅምን እዩ፡ ኲሉ ተፈቒዱለይ፡ ኲሉ ግና ኣይሀንጽን እዩ። |
24. | ነፍሲ ወከፍ ንጥቕሚ ብጻዩ ደኣ እምበር፡ ሓደ እኳ ጥቕሚ ርእሱ ኣይድለ። |
25. | ምድርን እቲ ኣብኣ መሊኡ ዘሎን ናይ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፡ ኣብ ዕዳጋ ዚሽየጥ ዘበለ ዂሉ፡ ስለ ሕሊና ኢልኩም ገለ ኸይመራመርኩም ብልዑ። |
26. | ምድርን እቲ ኣብኣ መሊኡ ዘሎን ናይ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፡ ኣብ ዕዳጋ ዚሽየጥ ዘበለ ዂሉ፡ ስለ ሕሊና ኢልኩም ገለ ኸይመራመርኩም ብልዑ። |
27. | ካብቶም ዘይኣምኑ ሓደ እንተ ጸውዓኩም እሞ ክትከዱ እንተ ደሌኹም፡ ስለ ሕሊና ኢልኩም ገለ ኸይመራመርኩም፡ እተቐረበልኩም ዘበለ ዂሉ ብልዑ። |
28. | ገለ፡ እዝስ ንጣኦታት እተሰውኤ እዩ፡ እንተ በለኩም ግና፡ ምእንቲ እቲ ዝነገረኩምን ምእንቲ ሕሊናን ኢልኩም ኣይትብልዑ። |
29. | ማለት፡ ሕሊና ብጻይካ ደኣ እምበር፡ ሕሊና ርእስኻ ኣይበልኩን። ስለምንታይከ እቲ ሓርነተይ ብሕሊና ኻልእ ዚፍረድ፧ |
30. | ኣነ ብምስጋና ኻብ ዝምቀሎ ደኣ፡ ስለምንታይ በቲ ዘመስግነሉ ዝጽረፍ፧ |
31. | እምብኣርሲ እንተ በላዕኩም፡ ወይስ እንተ ሰቴኹም፡ ወይስ ዝዀነ ይኹን እንተ ገበርኩም፡ ኲሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበርዎ። |
32. | ንኣይሁድ ኰነ ንጽርኣውያን፡ ወይስ ንማሕበር ኣምላኽ ኰነ መዓንቀፊ ኣይትኹኑ። |
33. | ምእንቲ ኺድሕኑስ ጥቕሚ ብዙሓት እምበር፡ ጥቕሚ ርእሰይ ከይደሌኹ፡ ከምኡ ድማ ኣነ ብዂሉ ነገር ንዂሉ ሰብ ኤሐጒስ ኣሎኹ። |
← 1Corinthians (10/16) → |