1Chronicles (7/29)  

1. ደቂ ይሳኮር ድማ ቶላዕን ፋኣን ያሹብን ሺምሮንን፡ ኣርባዕተ እዮም።
2. ደቂ ቶላዕ ከኣ፡ ዑዚን ረፋያን የሪኤልን ያሕማይን ይብሳምን ሸሙኤልን፡ ናይ ቶላ፡ ነናይ ማይ ቤት ኣቦታቶም ዋናታት፡ በብወለዶኦም ሓያላት ጀጋኑ፡ ቊጽሮም ብዘመን ዳዊት ዕስራን ክልተን ሽሕን ሹድሽተ ሚእትን ነበረ።
3. ደቂ ዑዚ ድማ ይዝራሕያ፡ ደቂ ይዝራሕያ ኸኣ ሚካኤልን ዖባድያን ዮኤልን ይሺያን፡ ሓሙሽተ እዮም፡ ኲላቶም ድማ ሓላቑ ነበሩ።
4. ምስ እዚኣቶም ድማ በብወለዶኦም በብማይ ቤት ኣቦታቶም ጭፍራታት ናይ ውግእ ሰራዊት ሰላሳን ሹድሽተን ሽሕ ሰብ ነበሩ፡ እምበኣርሲ ኣንስትን ቈላዑን ብዙሓት ነበርዎም።
5. ኣሕዋቶም ድማ ኣብ ኲሎም ዓሌታት ይሳኮር ሓያላት ጀጋኑ፡ ኲላቶም ኣብ መጽሓፍ ወለዶ እተቘጽሩ ሰማንያን ሾብዓተን ሽሕ ነበሩ።
6. ደቂ ብንያም፡ ቤላዕን በከርን የዲዓኤልን፡ ሰለስተ እዮም።
7. ደቂ ቤላዕ ከኣ፡ ኤጽቦንን ዑዚን ዑዚኤልን ይሪሞትን ዒሪን፡ ሓሙሽተ፡ ኣብ መማይ ቤት ኣቦታቶም ዋናታት፡ ሓያላት ጀጋኑ፡ ኣብ መጽሓፍ ወለዶ እተቘጽሩ ዕስራን ክልተን ሽሕን ሰላሳን ኣርባዕተን ነበሩ።
8. ደቂ በከር ከኣ፡ ዘሚራን ዮዓሽን ኤልዔዝርን ኤልዮዔናይን ዖምሪን ይሬሞትን ኣቢያን ዓናቶትን ዓለመትን። እዚኣቶም ኲሎም ደቂ በከር እዮም።
9. ዋናታት መማይ ቤት ኣቦታቶም ኰይኖም በብወለዶኦም ኣብ መጽሓፍ ወለዶ ተቘጽሩ፡ ሓያላት ጀጋኑ ድማ ዕስራ ሽሕን ክልተ ሚእትን ነበሩ።
10. ደቂ የዲዓኤል ከኣ፡ ቢልሃን። ደቂ ቢልሃን ድማ፡ የዑሽን ብንያምን ኤሁድን ከነዓናን ዜታንን ታርሺሽን ኣሒሻሓርን።
11. እዚኣቶም ኲሎም ደቂ የዲዓኤል ኣብ መማይ ቤት ኣቦታቶም ዋናታት፡ ሓያላት ጀጋኑ፡ ምስቲ ስራዊት ንውግእ ዚወጹ ዓሰርተው ሾብዓተ ሽሕን ክልተ ሚእትን ነበሩ።
12. ሹጲምን ሑጵምን ድማ ደቂ ዒር፡ ሑሽም ከኣ ደቂ ኣሔር እዮም።
13. ደቂ ንፍታሌም፡ ያሕጺኤልን ጉኒን የጸርን ሻሉምን፡ ደቂ ቢልሃ።
14. ደቂ ምናሴ ኣስሪኤል እዩ፡ እታ ሶርያዊት ሰበይቲ ወሰኑ ንማኪር ኣቦ ጊልዓድ ወለደት።
15. ማኪር ከኣ ማዓካ ዝስማ ሰበይቲ ኣእተወ፡ ንሳ ሓብቲ ሑጲምን ሹጺምን እያ።ስም እቲ ኻልኣይ ወዱ ድማ ጽሎፍሓድ እዩ። ጽሎሓድ ከኣ ኣዋልድ ነበራኦ።
16. ማዓካ ሰበይቲ ማኪር ድማ ወዲ ወለደት፡ ስሙ ኸኣ ጶረሽ ኣውጽኣትሉ፡ ስም ሓው ድማ ሸረሽ፡ ደቁ ኸኣ ዑላምን ራቀምን እዮም።
17. ደቂ ዑላም ድማ በዳን። እዚኣቶም ደቂ ጊልዓድ ወዲ ማኪር፡ ወዲ ምናሴ፡ እዮም።
18. ሓብቱ ሓሞለከት ከኣ ንኢሽሆድን ንኣቢዔዘርን ንማሕላን ወለደት።
19. ደቂ ሽሚዳዕ ድማ ኣሕያንን ሸከምን ሊቅሒን ኣኒዓምን እዮም።
20. ደቂ ኤፍሬም ከኣ፡ ሹተላሕን ቤረድ ወዱን ታሓት ወዱን ኤልዓዳ ወዱን ታሓት ወዱን፡
21. ዛባድ ወዱን ሹተላሕ ወዱን፡ ዔዘርን ኤልዓድን፡ ንሳቶም ከብቶም ኪዘምቱ ወሪዶም ነበሩ እሞ፡ እቶም ኣብታ ሃገር እተወልዱ ሰብ ጋት ቀተልዎም።
22. ኣቦኦም ኤፍሬም ከኣ ብዙሕ መዓልቲ ሐዘነ፡ ኣሕዋቱ ድማ ኬጸናንዕዎ መጹ።
23. ናብ ሰበይቱ ኸኣ ኣተወ፡ ጠነሰት ድማ፡ ወዱውን ወለደት፡ ኣብ ቤቱ መከራ ስለ ዝመጾ ኸኣ፡ ስሙ ብሪዓ ኣውጽኣሉ።
24. ጓሉ ድማ ሸኤራ፡ ንሳ ኸኣ ታሕታይን ላዕላይን ቤትሖሮንን ዑዜንሸኤራን ሰርሔት።
25. ረፋሕ ወዱ ነበረ፡ ሬሸፍ ድማ። ቴላሕ ወዱ፡ ታሓን ወዱ፡
26. ላዕዳን ወዱ፡ ዓሚሁድ ወዱ፡ ኤሊሻማዕ ወዱ፡
27. ኔዊ ወዱ፡ እያሱ ወዱ።
28. ዝሐዝወንን እተቐመጥወንን ቤትኤልን ከተማታትን፡ ብምብራቕ ከኣ ናዓራን፡ ብምዕራብውን ጌዘር ምስ ከተማታታ፡ ሴከምን ከተማታትን ድማ ክሳዕ ጋዛን ከተማታትን።
29. ብዶብ ደቂ ምናሴ ኸኣ ቤትሸኣንን ከተማታታን፡ ታዕናክን ከተማታታን፡ መጊዶን ከተማታትን፡ ዶርን ከተማታታን። ኣብ እዚኣተን ደቂ ዮሴፍ ወዲ እስራኤል ተቐመጡ።
30. ደቂ ኣሴር፡ ዪምናን ዪሽዋን ዪሽዊን ብሪዓን ሓብቶም ሰራሕን።
31. ደቂ ብሪዓ ኸኣ፡ ሔበርን ማልኪኤልን፡ ንሱ ኣቦ ቢርዛዊት እዩ።
32. ሔበር ድማ ንያፍሌጥን ንሻመርን ንሖታምን ንሓብቶም ሾዓን ወለደ።
33. ደቂ ያፍሌጥ ድማ ጳሳክን ቢምሃልን ዓሽዋትን፡ እዚኣቶም ደቂ ያፍሌጥ እዮም።
34. ደቂ ሻመር ከኣ፡ ኣሒን ሮህጋን ሑባን ኣራምን።
35. ደቂ ሄላም ሓው ድማ፡ ጾፋሕን ይምናዕን ሼለሽን ዓማልን።
36. ደቂ ጾፋሕ፡ ሱሓን ሓርነፈርን ሹዓልን ቤሪን ዪምራን፡
37. በጸርን ሆድን ሻማን ሺልሻን ዪትራንን ብኤራን።
38. ደቂ የተር ከኣ፡ የፋነን ፊስጳን ኣራን።
39. ደቂ ዑላ ድማ፡ ኣራሕን ሓኒኤልን ሪጽያን።
40. እዚኣቶም ኲሎም ደቂ ኣሴር፡ ዋናታት መማይ ቤት ኣቦታቶም፡ ሕሩያት፡ ሓያላት ጀጋኑ፡ ሓላቑ ሹማምቲ ነበሩ። ቊጽሪ እቶም ኣብ ሰራዊት ወግእ ኪዀኑ ኣብ መጽሓፍ ወለዶ እተጻሕፋ ድማ ዕስራን ሹድሽተን ሽሕ እዮም።

  1Chronicles (7/29)