| ← 1Chronicles (7/29) → |
| 1. | ደቂ ይሳኮር ድማ ቶላዕን ፋኣን ያሹብን ሺምሮንን፡ ኣርባዕተ እዮም። |
| 2. | ደቂ ቶላዕ ከኣ፡ ዑዚን ረፋያን የሪኤልን ያሕማይን ይብሳምን ሸሙኤልን፡ ናይ ቶላ፡ ነናይ ማይ ቤት ኣቦታቶም ዋናታት፡ በብወለዶኦም ሓያላት ጀጋኑ፡ ቊጽሮም ብዘመን ዳዊት ዕስራን ክልተን ሽሕን ሹድሽተ ሚእትን ነበረ። |
| 3. | ደቂ ዑዚ ድማ ይዝራሕያ፡ ደቂ ይዝራሕያ ኸኣ ሚካኤልን ዖባድያን ዮኤልን ይሺያን፡ ሓሙሽተ እዮም፡ ኲላቶም ድማ ሓላቑ ነበሩ። |
| 4. | ምስ እዚኣቶም ድማ በብወለዶኦም በብማይ ቤት ኣቦታቶም ጭፍራታት ናይ ውግእ ሰራዊት ሰላሳን ሹድሽተን ሽሕ ሰብ ነበሩ፡ እምበኣርሲ ኣንስትን ቈላዑን ብዙሓት ነበርዎም። |
| 5. | ኣሕዋቶም ድማ ኣብ ኲሎም ዓሌታት ይሳኮር ሓያላት ጀጋኑ፡ ኲላቶም ኣብ መጽሓፍ ወለዶ እተቘጽሩ ሰማንያን ሾብዓተን ሽሕ ነበሩ። |
| 6. | ደቂ ብንያም፡ ቤላዕን በከርን የዲዓኤልን፡ ሰለስተ እዮም። |
| 7. | ደቂ ቤላዕ ከኣ፡ ኤጽቦንን ዑዚን ዑዚኤልን ይሪሞትን ዒሪን፡ ሓሙሽተ፡ ኣብ መማይ ቤት ኣቦታቶም ዋናታት፡ ሓያላት ጀጋኑ፡ ኣብ መጽሓፍ ወለዶ እተቘጽሩ ዕስራን ክልተን ሽሕን ሰላሳን ኣርባዕተን ነበሩ። |
| 8. | ደቂ በከር ከኣ፡ ዘሚራን ዮዓሽን ኤልዔዝርን ኤልዮዔናይን ዖምሪን ይሬሞትን ኣቢያን ዓናቶትን ዓለመትን። እዚኣቶም ኲሎም ደቂ በከር እዮም። |
| 9. | ዋናታት መማይ ቤት ኣቦታቶም ኰይኖም በብወለዶኦም ኣብ መጽሓፍ ወለዶ ተቘጽሩ፡ ሓያላት ጀጋኑ ድማ ዕስራ ሽሕን ክልተ ሚእትን ነበሩ። |
| 10. | ደቂ የዲዓኤል ከኣ፡ ቢልሃን። ደቂ ቢልሃን ድማ፡ የዑሽን ብንያምን ኤሁድን ከነዓናን ዜታንን ታርሺሽን ኣሒሻሓርን። |
| 11. | እዚኣቶም ኲሎም ደቂ የዲዓኤል ኣብ መማይ ቤት ኣቦታቶም ዋናታት፡ ሓያላት ጀጋኑ፡ ምስቲ ስራዊት ንውግእ ዚወጹ ዓሰርተው ሾብዓተ ሽሕን ክልተ ሚእትን ነበሩ። |
| 12. | ሹጲምን ሑጵምን ድማ ደቂ ዒር፡ ሑሽም ከኣ ደቂ ኣሔር እዮም። |
| 13. | ደቂ ንፍታሌም፡ ያሕጺኤልን ጉኒን የጸርን ሻሉምን፡ ደቂ ቢልሃ። |
| 14. | ደቂ ምናሴ ኣስሪኤል እዩ፡ እታ ሶርያዊት ሰበይቲ ወሰኑ ንማኪር ኣቦ ጊልዓድ ወለደት። |
| 15. | ማኪር ከኣ ማዓካ ዝስማ ሰበይቲ ኣእተወ፡ ንሳ ሓብቲ ሑጲምን ሹጺምን እያ።ስም እቲ ኻልኣይ ወዱ ድማ ጽሎፍሓድ እዩ። ጽሎሓድ ከኣ ኣዋልድ ነበራኦ። |
| 16. | ማዓካ ሰበይቲ ማኪር ድማ ወዲ ወለደት፡ ስሙ ኸኣ ጶረሽ ኣውጽኣትሉ፡ ስም ሓው ድማ ሸረሽ፡ ደቁ ኸኣ ዑላምን ራቀምን እዮም። |
| 17. | ደቂ ዑላም ድማ በዳን። እዚኣቶም ደቂ ጊልዓድ ወዲ ማኪር፡ ወዲ ምናሴ፡ እዮም። |
| 18. | ሓብቱ ሓሞለከት ከኣ ንኢሽሆድን ንኣቢዔዘርን ንማሕላን ወለደት። |
| 19. | ደቂ ሽሚዳዕ ድማ ኣሕያንን ሸከምን ሊቅሒን ኣኒዓምን እዮም። |
| 20. | ደቂ ኤፍሬም ከኣ፡ ሹተላሕን ቤረድ ወዱን ታሓት ወዱን ኤልዓዳ ወዱን ታሓት ወዱን፡ |
| 21. | ዛባድ ወዱን ሹተላሕ ወዱን፡ ዔዘርን ኤልዓድን፡ ንሳቶም ከብቶም ኪዘምቱ ወሪዶም ነበሩ እሞ፡ እቶም ኣብታ ሃገር እተወልዱ ሰብ ጋት ቀተልዎም። |
| 22. | ኣቦኦም ኤፍሬም ከኣ ብዙሕ መዓልቲ ሐዘነ፡ ኣሕዋቱ ድማ ኬጸናንዕዎ መጹ። |
| 23. | ናብ ሰበይቱ ኸኣ ኣተወ፡ ጠነሰት ድማ፡ ወዱውን ወለደት፡ ኣብ ቤቱ መከራ ስለ ዝመጾ ኸኣ፡ ስሙ ብሪዓ ኣውጽኣሉ። |
| 24. | ጓሉ ድማ ሸኤራ፡ ንሳ ኸኣ ታሕታይን ላዕላይን ቤትሖሮንን ዑዜንሸኤራን ሰርሔት። |
| 25. | ረፋሕ ወዱ ነበረ፡ ሬሸፍ ድማ። ቴላሕ ወዱ፡ ታሓን ወዱ፡ |
| 26. | ላዕዳን ወዱ፡ ዓሚሁድ ወዱ፡ ኤሊሻማዕ ወዱ፡ |
| 27. | ኔዊ ወዱ፡ እያሱ ወዱ። |
| 28. | ዝሐዝወንን እተቐመጥወንን ቤትኤልን ከተማታትን፡ ብምብራቕ ከኣ ናዓራን፡ ብምዕራብውን ጌዘር ምስ ከተማታታ፡ ሴከምን ከተማታትን ድማ ክሳዕ ጋዛን ከተማታትን። |
| 29. | ብዶብ ደቂ ምናሴ ኸኣ ቤትሸኣንን ከተማታታን፡ ታዕናክን ከተማታታን፡ መጊዶን ከተማታትን፡ ዶርን ከተማታታን። ኣብ እዚኣተን ደቂ ዮሴፍ ወዲ እስራኤል ተቐመጡ። |
| 30. | ደቂ ኣሴር፡ ዪምናን ዪሽዋን ዪሽዊን ብሪዓን ሓብቶም ሰራሕን። |
| 31. | ደቂ ብሪዓ ኸኣ፡ ሔበርን ማልኪኤልን፡ ንሱ ኣቦ ቢርዛዊት እዩ። |
| 32. | ሔበር ድማ ንያፍሌጥን ንሻመርን ንሖታምን ንሓብቶም ሾዓን ወለደ። |
| 33. | ደቂ ያፍሌጥ ድማ ጳሳክን ቢምሃልን ዓሽዋትን፡ እዚኣቶም ደቂ ያፍሌጥ እዮም። |
| 34. | ደቂ ሻመር ከኣ፡ ኣሒን ሮህጋን ሑባን ኣራምን። |
| 35. | ደቂ ሄላም ሓው ድማ፡ ጾፋሕን ይምናዕን ሼለሽን ዓማልን። |
| 36. | ደቂ ጾፋሕ፡ ሱሓን ሓርነፈርን ሹዓልን ቤሪን ዪምራን፡ |
| 37. | በጸርን ሆድን ሻማን ሺልሻን ዪትራንን ብኤራን። |
| 38. | ደቂ የተር ከኣ፡ የፋነን ፊስጳን ኣራን። |
| 39. | ደቂ ዑላ ድማ፡ ኣራሕን ሓኒኤልን ሪጽያን። |
| 40. | እዚኣቶም ኲሎም ደቂ ኣሴር፡ ዋናታት መማይ ቤት ኣቦታቶም፡ ሕሩያት፡ ሓያላት ጀጋኑ፡ ሓላቑ ሹማምቲ ነበሩ። ቊጽሪ እቶም ኣብ ሰራዊት ወግእ ኪዀኑ ኣብ መጽሓፍ ወለዶ እተጻሕፋ ድማ ዕስራን ሹድሽተን ሽሕ እዮም። |
| ← 1Chronicles (7/29) → |