1Chronicles (6/29)  

1. ደቂ ሌዊ፡ ጌርሾምን ቀሃትን መራሪን።
2. ደቂ ቀሃት ድማ፡ ኣምራምን ይጽሃርን ሔብሮንን ዑዚኤልን።
3. ደቂ ኣምራም ከኣ፡ ኣሮንን ሙሴን ሚርያምን። ደቂ ኣሮን ድማ፡ ናዳብን ኣቢሁን ኣልኣዛርን ኢታማርን።
4. ኣልኣዛር ንፊንሃስ ወለደ። ፊንሃስ ንኣቢሹዓ ወለደ።
5. ኣቢሹዓ ኸኣ ንቡቂ ወለደ። ቡቂ ድማ ንዑዚ ወለደ።
6. ዑዚ ኸኣ ንዜራሕያ ወለደ። ዜራሕያ ድማ ንመራዮት ወለደ።
7. መራዮት ንኣማርያ ወለደ። ኣማርያ ኸኣ ንኣሒጡብ ወለደ።
8. ኣሒጡብ ድማ ንጻዶቅ ወለደ። ጻዶቅ ከኣ ንኣሒማዓጽ ወለደ።
9. ኣሒማዓጽ ድማ ንኣዛርያ ወለደ። ኣዛርያ ኸኣ ንዮሓናን ወለደ።
10. ዮሓናን ድማ ንኣዛርያ ወለደ፡ ንሱ ኣብታ ሰሎሞን ኣብ የሩሳሌም ዝሰርሓ ቤትስ ካህን ዝነበረ እዩ።
11. ኣዛርያ ኸኣ ንኣማርያ ወለደ። ኣማርያ ድማ ንኣሒጡብ ወለደ።
12. ኣሒጡብ ከኣ ንጻዶቅ ወለደ። ጻዶቅ ድማ ንሻሉም ወለደ።
13. ሻሉም ከኣ ንሒልቂያ ወለደ። ሒልቂያ ድማ ንኣዛርያ ወለደ።
14. ኣዛርያ ኸኣ ንሰራያ ወለደ። ሰራያ ድማ ንይሆጻዳቅ ወለደ።
15. ይሆጻዳቅ ከኣ፡ በቲ እግዚኣብሄር ንይሁዳን ንየሩሳሌምን ብኢድ ነቡካድነጸር ኪማርኽን ከሎ፡ ተማሪኹ ኸደ።
16. ደቂ ሌዊ፡ ጌርሾምን ቀሃትን መራሪን።
17. ስም ደቂ ገርሾም ድማ እዚ እዮ፡ ሊብኒን ሽምዒን።
18. ደቂ ቀሃት ከኣ፡ ኣምራምን ይጽሃርን ሔብሮንን ዑዚኤልን።
19. ደቂ መራሪ፡ መሕሊን ሙሺን። ዓሌታት ሌዋውያን ድማ በብማይ ቤት ኣቦታቶም እዚኣቶም እዮም፡
20. ካብ ጌርሾም፡ ሊብኒ ወዱ፡ ያሓት ወዱ፡ ዚማ ወዱ፡
21. ዮኣሕ ወዱ፡ ዒዶ ወዱ፡ ዜራሕ ወዱ፡ ይኣትራይ ወዱ።
22. ደቂ ቀሃት፡ ኣሚናዳብ ወዱ፡ ቆራሕ ወዱ፡ ኣሲር ወዱ፡
23. ኤልቃና ወዱ፡ ኤብያሳፍ ድማ ወዱ፡ ኣሲርውን ወዱ፡
24. ታሓት ወዱ፡ ኡርኤል ወዱ፡ ዑዝያ ወዱ፡ ሻኡል ወዱ።
25. ደቂ ኤልቃና ኸኣ፡ ዓማሳይን ኣሒሞትን።
26. ኤልቃና፡ ደቂ ኤልቃና፡ ጾፋይ ወዱ፡ ናሓት ወዱ፡
27. ኤልያብ ወዱ፡ ይሮሓም ወዱ፡ ኤልቃና ወዱ።
28. ደቂ ሳሙኤል ድማ፡ እቲ በኸሪ ዋሽኒ፡ ኣብያ ኸኣ።
29. ደቂ መራሪ፡ ማሕሊ፡ ሊብኒ ወዱ፡ ሺምዒ ወዱ፡ ዑዛ ወዱ፡
30. ሺምዓ ወዱ፡ ሓጊያ ወዱ፡ ዓስያ ወዱ።
31. እቲ ታቦት ምስ ዐረፈ፡ ዳዊት ኣብ ቤት እግዚኣብሄር መራሕቲ መዝሙር ኪዀኑ ዘቘሞም ድማ እዚኣቶም እዮም።
32. ንሳቶም፡ ሰሎሞን ኣብ የሩሳሌም ቤት እግዚኣብሄር ክሳዕ ዚሰርሕ፡ ኣብ ቅድሚ ማሕደር ድንኳን ምርኻብ ኰይኖም፡ ብመዝሙር የገልግሉ ነበሩ። ከምቲ እተሰርዓሎም ድማ ፡ ኣብ ኣኣገልግሎቶም ይቘሙ ነበሩ።
33. እቶም ምስ ደቆም ኰይኖም ዚቘሙ ዝነበሩ እዚኣቶም እዮም፡ ካብ ደቂ ቀሃታውያን፡ ሄማን ዘማሪ፡ ወዲ ዮኤል፡ ወዲ ሳሙኤል፡
34. ወዲ ኤልቃና፡ ወዲ ይሮሓም፡ ወዲ ኤሊኤል፡ ወዲ ቶዓሕ፡
35. ወዲ ጹፍ፡ ወዲ ኤልቃና፡ ወዲ ማሓት፡ ወዲ ዓማሳይ።
36. ወዲ ኤልቃና፡ ወዲ ዮኤል፡ ወዲ ኣዛርያ፡ ወዲ ጾፋንያ።።
37. ወዲ ጣሓት። ወዲ ኣሲር፡ ወዲ ኤብያሳፍ፡ ወዲ ቆራሕ፡
38. ወዲ ይጽሃር፡ ወዲ ቀሃት፡ ወዲ ሌዊ፡ ወዲ እስራኤል።
39. ብየማኑ ዝቘመ ኸኣ ሓው ኣሳፍ እዩ፡ ኣሳፍ ወዲ በረክያ፡ ወዲ ሺምዓ፡
40. ወዲ ሚካኤል፡ ወዲ ባዓሴይ፡ ወዲ ማልክያ፡
41. ወዲ ኤትኒ፡ ወዲ ዜራሕ፡ ወዲ ዓዳያ፡
42. ወዲ ኤታን፡ ወዲ ዘማ፡ ወዲ ሺምዒ፡
43. ወዲ ያሓት፡ ወዲ ጌርሻም፡ ወዲ ሌዊ።
44. ብጸጋም ድማ ኣሕዋቶም ደቂ መራሪ። ኤታን ወዲ ቂሽ፡ ወዲ ዓብዲ፡ ወዲ ማሉክ፡
45. ወዲ ሓሻብያ፡ ወዲ ኣማጽያ፡ ወዲ ሒልቂያ፡
46. ወዲ ኣምጺ፡ ወዲ ባኒ፡ ወዲ ሻመር፡
47. ወዲ ማሓሊ፡ ወዲ ሙሺ፡ ወዲ መራሪ፡ ወዲ ሌዊ።
48. እቶም ኣሕዋቶም ሌዋውያን ድማ ንዂሉ ኣገልግሎት ቤት ኣምላኽ ተዋህቡ።
49. ኣሮንን ደቁን ግና ንዂሉ ኣገልግሎት ቅድስተ ቅዱሳንን ንምትዕራቕ እስራኤልን፡ ከምቲ ሙሴ ባርያ ኣማላኽ ዝኣዘዞ ዂሉ ገይሮም ኣብቲ መሰውኢ ምሕራርን ኣብ መሰውኢ ዕጣንን ይዐጥኑ ነበሩ።
50. ደቂ ኣሮን ከኣ እዚኣቶም እዮም፡ ኣልኣዛር ወዱ፡ ፊንሃስ ወዱ፡ ኣቢሹዓ ወዱ፡
51. በቂ ወዱ፡ ዑዚ ወዱ፡ ዘራሕያ ወዱ፡
52. መራዮት ወዱ፡ ኣማርያ ወዱ፡ ኣሒጡብ ወዱ፡
53. ጻዶቅ ወዱ፡ ኣሒማዓጽ ወዱ።
54. እቲ መቐመጢታቶም ከኣ በብሰፈሮም ኣብ ደዶባቶም እዚ እዩ፡ ንደቂ ኣሮን ካብ ዓሌታት ቀሃታውያን፡ ቀዳማይ ዕጭ ንኣታቶም በጺሑ እዩ እሞ፡
55. ሔብሮን ናይ ሃገር ይሁዳን ኣብ ዙርያኣ ዘለዋ ኣቚሻታን ሀብዎም፡
56. ናይ እታ ኸተማ ግራሁን ዓድታተንን ግና ንካሌብ ወዲ የፋኔ ሀብዎ።
57. ንደቂ ኣሮን ድማ እተን ከተማታት መዕቈቢ ሀብዎም፡ ሔብሮን፡ ሊብና ኸኣ ምስ ኣቚሻታ፡ ያጢርን ኤሽተማዓ ምስ ኣቚሻታን፡
58. ሔለን ምስ ኣቚሻታ፡ ደቢር ምስ ኣቚሻታ፡
59. ዓሻን ድማ ምስ ኣቚሻታ፡ ቤትሸመሽ ከኣ ምስ ኣቚሻታ ሀብዎም።
60. ካብ ነገድ ብንያምውን፡ ጌባዕ ምስ ኣቚሻታን ዓለመት ምስ ኣቚሻታን ዓናቶት ምስ ኣቚሻታን። ኲለን ከተማታቶም ከም ዓሌታቶም ዓሰርተው ሰለስተ ኸተማታት ነበራ።
61. ነቶም ዝተረፋ ደቂ ቀሃት ድማ፡ ካብ ዓሌት እቲ ነገድ፡ ካብ ፈረቓ እቲ ነገድ፡ ፈረቓ ምናሴ፡ ብዕጭ ዓሰርተ ኸተማ ሀብዎም።
62. ንደቂ ጌርሾም ከኣ ከከም ዓሌታቶም ካብ ነገድ ይሳኮርን ካብ ነገድ ኣሴርን ካብ ነገድ ንፍታሌምን ካብ ነገድ ምናሴ ኣብ ባሳን ዘለዋን ዓሰርተው ሰለስተ ኸተማ ሀብዎም።
63. ንደቂ መራሪ ኸከም ዓሌቶም ካብ ነገድ ሮቤልን ካብ ነገድ ጋድን ካብ ነገድ ዛብሎንን ብዕጭ ዓሰርተው ክልተ ኸተማ ሀብዎም።
64. እቶም ደቂ እስራኤል ከኣ እተን ከተማታት ምስ ኣቚሻተን ንሌዋውያን ሀብዎም።
65. ድማ ካብ ነገድ ደቂ ይሁዳን ካብ ነገድ ደቂ ስምኦንን ካብ ነገድ ደቂ ብንያምን እዘን ስም ዘውጽኡለን ከተማታት ብዕጭ ሀብዎም።
66. ንገሊኦም ካብ ዓሌታት ደቂ ቀሃት ከኣ ካብ ነገድ ኤፍሬም ናብ ምድሮም ከተማታት ነበራኦም።
67. ነተን ከተማታት መዕቈቢ ድማ ሀብዎም፡ ኣብ ከረን ኤፍሬም ሰኬም ምስ ኣቚሻታ፡ ገዘር ከኣ ምስ ኣቚሻታ፡
68. ዮቅመዓም ምስ ኣቚሻታን ቤትሖሮን ምስ ኣቚሻታን፡
69. ኣያሎን ምስ ኣቚሻታን ጋትሪሞን ምስ ኣቚሻታን፡
70. ካብ ፈረቓ ነገድ ምናሴ ድማ ነቶም ዝተረፉ ኻብ ዓሌት ደቂ ቀሃት፡ ዓኔር ምስ ኣቚሻታን ቢልዓም ምስ ኣቚሻታን።
71. ንደቂ ጌርሾም ካብ ዓሌት ፈረቓ ነገድ ምናሴ፡ ጎላን ኣብ ባሳን ዘላ ምስ ኣቚሻታን፡
72. ካብ ነገድ ይሳኮርውን፡ ቃዴስ ምስ ኣቚሻታ፡ ደብራት ምስ ኣቚሻታ፡
73. ራሞት ምስ ኣቚሻታን ዓኔም ምስ ኣቚሻታን፡
74. ካብ ነገድ ኣሴር ድማ ማሻል ምስ ኣቚሻታን ዓብዶን ምስ ኣቚሻታን፡
75. ሑቆቅ ምስ ኣቚሻታን ሬሖብ ምስ ኣቚሻታን፡
76. ካብ ነገድ ንፋታሌም ከኣ፡ ቃዴስ ኣብ ገሊላ ዘላ ምስ ኣቚሻታን ሓሞን ምስ ኣቚሻታን ቂርያታይም ምስ ኣቚሻታን ሀብዎም።
77. ነቶም ዝተረፉ፡ ንደቂ መራሪ፡ ካብ ነገድ ዛብሎን፡ ሪሞን ምስ ኣቚሻታን፡ ታቦር ምስ ኣቚሻታ ሀብዎም።
78. ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ኣብ መንጽር ያሪኮ፡ ብምብራቕ ዮርዳኖስ ከኣ፡ ካብ ነገድ ሮቤል እታ ኣብ በረኻ ዘላ በጸር ምስ ኣቚሻታን ያሕጻ ምስ ኣቚሻታን፡
79. ቀዴሞት ምስ ኣቚሻታን ያሕጺ ምስ ኣቚሻታን ሜፋዓትን ምስ ኣቚሻታን፡
80. ካብ ነገድ ጋድ ድማ ራሞት ናይ ጊልዓድ ምስ ኣቚሻታን መሓናይም ምስ ኣቚሻታን፡
81. ሔስቦን ምስ ኣቚሻታን ያዕዜር ምስ ኣቚሻታን ሀብዎም።

  1Chronicles (6/29)