| ← 1Chronicles (6/29) → |
| 1. | ደቂ ሌዊ፡ ጌርሾምን ቀሃትን መራሪን። |
| 2. | ደቂ ቀሃት ድማ፡ ኣምራምን ይጽሃርን ሔብሮንን ዑዚኤልን። |
| 3. | ደቂ ኣምራም ከኣ፡ ኣሮንን ሙሴን ሚርያምን። ደቂ ኣሮን ድማ፡ ናዳብን ኣቢሁን ኣልኣዛርን ኢታማርን። |
| 4. | ኣልኣዛር ንፊንሃስ ወለደ። ፊንሃስ ንኣቢሹዓ ወለደ። |
| 5. | ኣቢሹዓ ኸኣ ንቡቂ ወለደ። ቡቂ ድማ ንዑዚ ወለደ። |
| 6. | ዑዚ ኸኣ ንዜራሕያ ወለደ። ዜራሕያ ድማ ንመራዮት ወለደ። |
| 7. | መራዮት ንኣማርያ ወለደ። ኣማርያ ኸኣ ንኣሒጡብ ወለደ። |
| 8. | ኣሒጡብ ድማ ንጻዶቅ ወለደ። ጻዶቅ ከኣ ንኣሒማዓጽ ወለደ። |
| 9. | ኣሒማዓጽ ድማ ንኣዛርያ ወለደ። ኣዛርያ ኸኣ ንዮሓናን ወለደ። |
| 10. | ዮሓናን ድማ ንኣዛርያ ወለደ፡ ንሱ ኣብታ ሰሎሞን ኣብ የሩሳሌም ዝሰርሓ ቤትስ ካህን ዝነበረ እዩ። |
| 11. | ኣዛርያ ኸኣ ንኣማርያ ወለደ። ኣማርያ ድማ ንኣሒጡብ ወለደ። |
| 12. | ኣሒጡብ ከኣ ንጻዶቅ ወለደ። ጻዶቅ ድማ ንሻሉም ወለደ። |
| 13. | ሻሉም ከኣ ንሒልቂያ ወለደ። ሒልቂያ ድማ ንኣዛርያ ወለደ። |
| 14. | ኣዛርያ ኸኣ ንሰራያ ወለደ። ሰራያ ድማ ንይሆጻዳቅ ወለደ። |
| 15. | ይሆጻዳቅ ከኣ፡ በቲ እግዚኣብሄር ንይሁዳን ንየሩሳሌምን ብኢድ ነቡካድነጸር ኪማርኽን ከሎ፡ ተማሪኹ ኸደ። |
| 16. | ደቂ ሌዊ፡ ጌርሾምን ቀሃትን መራሪን። |
| 17. | ስም ደቂ ገርሾም ድማ እዚ እዮ፡ ሊብኒን ሽምዒን። |
| 18. | ደቂ ቀሃት ከኣ፡ ኣምራምን ይጽሃርን ሔብሮንን ዑዚኤልን። |
| 19. | ደቂ መራሪ፡ መሕሊን ሙሺን። ዓሌታት ሌዋውያን ድማ በብማይ ቤት ኣቦታቶም እዚኣቶም እዮም፡ |
| 20. | ካብ ጌርሾም፡ ሊብኒ ወዱ፡ ያሓት ወዱ፡ ዚማ ወዱ፡ |
| 21. | ዮኣሕ ወዱ፡ ዒዶ ወዱ፡ ዜራሕ ወዱ፡ ይኣትራይ ወዱ። |
| 22. | ደቂ ቀሃት፡ ኣሚናዳብ ወዱ፡ ቆራሕ ወዱ፡ ኣሲር ወዱ፡ |
| 23. | ኤልቃና ወዱ፡ ኤብያሳፍ ድማ ወዱ፡ ኣሲርውን ወዱ፡ |
| 24. | ታሓት ወዱ፡ ኡርኤል ወዱ፡ ዑዝያ ወዱ፡ ሻኡል ወዱ። |
| 25. | ደቂ ኤልቃና ኸኣ፡ ዓማሳይን ኣሒሞትን። |
| 26. | ኤልቃና፡ ደቂ ኤልቃና፡ ጾፋይ ወዱ፡ ናሓት ወዱ፡ |
| 27. | ኤልያብ ወዱ፡ ይሮሓም ወዱ፡ ኤልቃና ወዱ። |
| 28. | ደቂ ሳሙኤል ድማ፡ እቲ በኸሪ ዋሽኒ፡ ኣብያ ኸኣ። |
| 29. | ደቂ መራሪ፡ ማሕሊ፡ ሊብኒ ወዱ፡ ሺምዒ ወዱ፡ ዑዛ ወዱ፡ |
| 30. | ሺምዓ ወዱ፡ ሓጊያ ወዱ፡ ዓስያ ወዱ። |
| 31. | እቲ ታቦት ምስ ዐረፈ፡ ዳዊት ኣብ ቤት እግዚኣብሄር መራሕቲ መዝሙር ኪዀኑ ዘቘሞም ድማ እዚኣቶም እዮም። |
| 32. | ንሳቶም፡ ሰሎሞን ኣብ የሩሳሌም ቤት እግዚኣብሄር ክሳዕ ዚሰርሕ፡ ኣብ ቅድሚ ማሕደር ድንኳን ምርኻብ ኰይኖም፡ ብመዝሙር የገልግሉ ነበሩ። ከምቲ እተሰርዓሎም ድማ ፡ ኣብ ኣኣገልግሎቶም ይቘሙ ነበሩ። |
| 33. | እቶም ምስ ደቆም ኰይኖም ዚቘሙ ዝነበሩ እዚኣቶም እዮም፡ ካብ ደቂ ቀሃታውያን፡ ሄማን ዘማሪ፡ ወዲ ዮኤል፡ ወዲ ሳሙኤል፡ |
| 34. | ወዲ ኤልቃና፡ ወዲ ይሮሓም፡ ወዲ ኤሊኤል፡ ወዲ ቶዓሕ፡ |
| 35. | ወዲ ጹፍ፡ ወዲ ኤልቃና፡ ወዲ ማሓት፡ ወዲ ዓማሳይ። |
| 36. | ወዲ ኤልቃና፡ ወዲ ዮኤል፡ ወዲ ኣዛርያ፡ ወዲ ጾፋንያ።። |
| 37. | ወዲ ጣሓት። ወዲ ኣሲር፡ ወዲ ኤብያሳፍ፡ ወዲ ቆራሕ፡ |
| 38. | ወዲ ይጽሃር፡ ወዲ ቀሃት፡ ወዲ ሌዊ፡ ወዲ እስራኤል። |
| 39. | ብየማኑ ዝቘመ ኸኣ ሓው ኣሳፍ እዩ፡ ኣሳፍ ወዲ በረክያ፡ ወዲ ሺምዓ፡ |
| 40. | ወዲ ሚካኤል፡ ወዲ ባዓሴይ፡ ወዲ ማልክያ፡ |
| 41. | ወዲ ኤትኒ፡ ወዲ ዜራሕ፡ ወዲ ዓዳያ፡ |
| 42. | ወዲ ኤታን፡ ወዲ ዘማ፡ ወዲ ሺምዒ፡ |
| 43. | ወዲ ያሓት፡ ወዲ ጌርሻም፡ ወዲ ሌዊ። |
| 44. | ብጸጋም ድማ ኣሕዋቶም ደቂ መራሪ። ኤታን ወዲ ቂሽ፡ ወዲ ዓብዲ፡ ወዲ ማሉክ፡ |
| 45. | ወዲ ሓሻብያ፡ ወዲ ኣማጽያ፡ ወዲ ሒልቂያ፡ |
| 46. | ወዲ ኣምጺ፡ ወዲ ባኒ፡ ወዲ ሻመር፡ |
| 47. | ወዲ ማሓሊ፡ ወዲ ሙሺ፡ ወዲ መራሪ፡ ወዲ ሌዊ። |
| 48. | እቶም ኣሕዋቶም ሌዋውያን ድማ ንዂሉ ኣገልግሎት ቤት ኣምላኽ ተዋህቡ። |
| 49. | ኣሮንን ደቁን ግና ንዂሉ ኣገልግሎት ቅድስተ ቅዱሳንን ንምትዕራቕ እስራኤልን፡ ከምቲ ሙሴ ባርያ ኣማላኽ ዝኣዘዞ ዂሉ ገይሮም ኣብቲ መሰውኢ ምሕራርን ኣብ መሰውኢ ዕጣንን ይዐጥኑ ነበሩ። |
| 50. | ደቂ ኣሮን ከኣ እዚኣቶም እዮም፡ ኣልኣዛር ወዱ፡ ፊንሃስ ወዱ፡ ኣቢሹዓ ወዱ፡ |
| 51. | በቂ ወዱ፡ ዑዚ ወዱ፡ ዘራሕያ ወዱ፡ |
| 52. | መራዮት ወዱ፡ ኣማርያ ወዱ፡ ኣሒጡብ ወዱ፡ |
| 53. | ጻዶቅ ወዱ፡ ኣሒማዓጽ ወዱ። |
| 54. | እቲ መቐመጢታቶም ከኣ በብሰፈሮም ኣብ ደዶባቶም እዚ እዩ፡ ንደቂ ኣሮን ካብ ዓሌታት ቀሃታውያን፡ ቀዳማይ ዕጭ ንኣታቶም በጺሑ እዩ እሞ፡ |
| 55. | ሔብሮን ናይ ሃገር ይሁዳን ኣብ ዙርያኣ ዘለዋ ኣቚሻታን ሀብዎም፡ |
| 56. | ናይ እታ ኸተማ ግራሁን ዓድታተንን ግና ንካሌብ ወዲ የፋኔ ሀብዎ። |
| 57. | ንደቂ ኣሮን ድማ እተን ከተማታት መዕቈቢ ሀብዎም፡ ሔብሮን፡ ሊብና ኸኣ ምስ ኣቚሻታ፡ ያጢርን ኤሽተማዓ ምስ ኣቚሻታን፡ |
| 58. | ሔለን ምስ ኣቚሻታ፡ ደቢር ምስ ኣቚሻታ፡ |
| 59. | ዓሻን ድማ ምስ ኣቚሻታ፡ ቤትሸመሽ ከኣ ምስ ኣቚሻታ ሀብዎም። |
| 60. | ካብ ነገድ ብንያምውን፡ ጌባዕ ምስ ኣቚሻታን ዓለመት ምስ ኣቚሻታን ዓናቶት ምስ ኣቚሻታን። ኲለን ከተማታቶም ከም ዓሌታቶም ዓሰርተው ሰለስተ ኸተማታት ነበራ። |
| 61. | ነቶም ዝተረፋ ደቂ ቀሃት ድማ፡ ካብ ዓሌት እቲ ነገድ፡ ካብ ፈረቓ እቲ ነገድ፡ ፈረቓ ምናሴ፡ ብዕጭ ዓሰርተ ኸተማ ሀብዎም። |
| 62. | ንደቂ ጌርሾም ከኣ ከከም ዓሌታቶም ካብ ነገድ ይሳኮርን ካብ ነገድ ኣሴርን ካብ ነገድ ንፍታሌምን ካብ ነገድ ምናሴ ኣብ ባሳን ዘለዋን ዓሰርተው ሰለስተ ኸተማ ሀብዎም። |
| 63. | ንደቂ መራሪ ኸከም ዓሌቶም ካብ ነገድ ሮቤልን ካብ ነገድ ጋድን ካብ ነገድ ዛብሎንን ብዕጭ ዓሰርተው ክልተ ኸተማ ሀብዎም። |
| 64. | እቶም ደቂ እስራኤል ከኣ እተን ከተማታት ምስ ኣቚሻተን ንሌዋውያን ሀብዎም። |
| 65. | ድማ ካብ ነገድ ደቂ ይሁዳን ካብ ነገድ ደቂ ስምኦንን ካብ ነገድ ደቂ ብንያምን እዘን ስም ዘውጽኡለን ከተማታት ብዕጭ ሀብዎም። |
| 66. | ንገሊኦም ካብ ዓሌታት ደቂ ቀሃት ከኣ ካብ ነገድ ኤፍሬም ናብ ምድሮም ከተማታት ነበራኦም። |
| 67. | ነተን ከተማታት መዕቈቢ ድማ ሀብዎም፡ ኣብ ከረን ኤፍሬም ሰኬም ምስ ኣቚሻታ፡ ገዘር ከኣ ምስ ኣቚሻታ፡ |
| 68. | ዮቅመዓም ምስ ኣቚሻታን ቤትሖሮን ምስ ኣቚሻታን፡ |
| 69. | ኣያሎን ምስ ኣቚሻታን ጋትሪሞን ምስ ኣቚሻታን፡ |
| 70. | ካብ ፈረቓ ነገድ ምናሴ ድማ ነቶም ዝተረፉ ኻብ ዓሌት ደቂ ቀሃት፡ ዓኔር ምስ ኣቚሻታን ቢልዓም ምስ ኣቚሻታን። |
| 71. | ንደቂ ጌርሾም ካብ ዓሌት ፈረቓ ነገድ ምናሴ፡ ጎላን ኣብ ባሳን ዘላ ምስ ኣቚሻታን፡ |
| 72. | ካብ ነገድ ይሳኮርውን፡ ቃዴስ ምስ ኣቚሻታ፡ ደብራት ምስ ኣቚሻታ፡ |
| 73. | ራሞት ምስ ኣቚሻታን ዓኔም ምስ ኣቚሻታን፡ |
| 74. | ካብ ነገድ ኣሴር ድማ ማሻል ምስ ኣቚሻታን ዓብዶን ምስ ኣቚሻታን፡ |
| 75. | ሑቆቅ ምስ ኣቚሻታን ሬሖብ ምስ ኣቚሻታን፡ |
| 76. | ካብ ነገድ ንፋታሌም ከኣ፡ ቃዴስ ኣብ ገሊላ ዘላ ምስ ኣቚሻታን ሓሞን ምስ ኣቚሻታን ቂርያታይም ምስ ኣቚሻታን ሀብዎም። |
| 77. | ነቶም ዝተረፉ፡ ንደቂ መራሪ፡ ካብ ነገድ ዛብሎን፡ ሪሞን ምስ ኣቚሻታን፡ ታቦር ምስ ኣቚሻታ ሀብዎም። |
| 78. | ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ኣብ መንጽር ያሪኮ፡ ብምብራቕ ዮርዳኖስ ከኣ፡ ካብ ነገድ ሮቤል እታ ኣብ በረኻ ዘላ በጸር ምስ ኣቚሻታን ያሕጻ ምስ ኣቚሻታን፡ |
| 79. | ቀዴሞት ምስ ኣቚሻታን ያሕጺ ምስ ኣቚሻታን ሜፋዓትን ምስ ኣቚሻታን፡ |
| 80. | ካብ ነገድ ጋድ ድማ ራሞት ናይ ጊልዓድ ምስ ኣቚሻታን መሓናይም ምስ ኣቚሻታን፡ |
| 81. | ሔስቦን ምስ ኣቚሻታን ያዕዜር ምስ ኣቚሻታን ሀብዎም። |
| ← 1Chronicles (6/29) → |