1Chronicles (5/29)  

1. ደቂ ሮቤል በዂሪ እስራኤል ድማ፡ እቲ በዂሪ ንሱ ነበረ፡ መንጸፍ ኣቦኡ ስለ ዘርከሰ ግና፡ እታ ብዂርናኡ ንነቂ ዮሴፍ ወዲ እስራኤል ተዋህበት፡ ግናኸ ኣብ መጽሓፍ ወለዶስ ከም በዂሪ ኣይተጻሕፈን።
2. ይሁዳ ደኣ ኣብ ማእከል ኣሕዋቱ ሰልጠነ፡ እቲ መስፍን ከኣ ካብኡ መጸ፡ ብዂርና ግና ናይ ዮሴፍ ነበረ።
3. ደቂ ሮቤል በዂሪ እስራኤል፡ ሓኖክን ፋሉን ሔጽሮንን ካርሚን።
4. ደቂ ዮኤል፡ ሸማዕያ ወዱ፡ ጎግ ወዱ፡ ሺማዒ ወዳ
5. ሚካ ወዱ፡ ረኣያ ወዱ፡ ባዓል ወዱ፡
6. ብኤራ ወዱ፡ እቲ ቲልጋትጲልንኤሰርር ንጉስ ኣሶራውያን ዝማረኾ፡ ንሱ ሹም ሮቤላውያን ነበረ።
7. ኣሕዋቱ ድማ በብዓሌታቶም ወለዶታቶም ምስ ተጻሕፈ፡ የዒኤል እቲ ሓለቓን ዘካርያስን፡
8. ድማ ቤላዕ ወዲ ዓዛዝ፡ ወዲ ሸማዕ፡ ወዲ ዮኤል፡ ንሱ ኣብ ዓሮዔር ክሳዕ ኔቦን በዓልመዖንን ተቐመጠ።
9. መጓሴታቶም ኣብ ሃገር ጊልዓድ በዚሔን ነበራ እሞ፡ ብወገን ምብራቕ ድማ ካብ ርባ ኤፍራጥስ ክሳዕ እቲ ንበረኻ ዜእቱ ይቕመጥ ነበረ።
10. ብዘመን ሳኦል ምስ ሃግራውያን ተዋግኡ ኣብ ኢዶም ድማ ወደቑ፡ ኣብ ብዘሎ ምብራቕ ጊልዓድ ከኣ ኣብ ድንኳውንቶም ተቐመጡ።
11. ደቂ ጋድ ድማ ኣብ መንጽሮም ኣብ ምድሪ ባሳን ክሳዕ ሳልኮ ተቐመጡ፡
12. ዮኤል ሓለቓ፡ ሻፋም ከኣ ካልኣይ፡ ያዕናያን ሻፋጥን ድማ ኣብ ባሳን።
13. ኣሕዋቶም ከኣ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፡ ሚካኤልን መሹላምን ሸባዕን ዮራይን ያዕካንን ዚዓን ዔበርን፡ ሾብዓተ እዮም።
14. እዚኣቶም ደቂ ኣቢሓይል፡ ወዲ ሑሪ፡ ወዲ ያሮዓሕ፡ ወዲ ጊልዓድ፡ ወዲ ሚካኤል፡ ወዲ የሺሻይ፡ ወዲ ያሕዶ፡ ወዲ ያሕዶ፡ ወዲ ቡዝ እዮም።
15. ኣሒ ወዲ ዓብዲኤል፡ ወዲ ጉኒ፡ ዋና ማይ ቤት ኣቦታቶም ነበረ።
16. ንሳቶም ኣብ ጊልዓድን ኣብ ባሳንን ኣብ ኣቚሻታን ኣብ ኲሉ መጓሰዪታት ሳሮን ክሳዕ ወሳሰና ይቕመጡ ነበሩ።
17. ኲላቶም ብዘመን ዮታም ንጉስ ይሁዳን ብዘመን የሮብዓም ንጉስ እስራኤልን ኣብ መጽሓፍ ወለዶ ተጽሒፎም።
18. ደቂ ሮቤል ጋዳውያንን ፈረቓ ነገድ ምናሴን ጀጋኑ፡ ዋልታን ሴፍን ዜልዕሉ፡ ቀስቲ ኸኣ ዚግትሩ ምሁራት ውግእ፡ ኣብ ውግእ ዚወጹ ሰባት ኣርብዓን ኣርባዕተን ሽሕን ሾብዓተ ሚእትን ስሳን ነበሩ።
19. ንሳቶም ድማ ምስ ሃግራውያን ምስ የጡርን ናፊሽን ኖዳብን ተዋግኡ።
20. ረድኤት ከኣ ረኸቡ፡ ሃግራውያንን እቶም ምሳታቶም ዝነበሩ ዂሎምን ከኣ ኣብ ኣእዳዎም ተዋህቡ። በታ ጊዜ ውግእ ናብ ኣምላኽ ተማህለሉ እሞ፡ ብእኡ ስለ ዝኣመኑ ኸኣ ሰምዖም።
21. መጓሴታቶም ድማ ዘመቱ፡ ሓምሳ ሽሕ ገመልን ክልተ ሚእትን ሓምሳን ሽሕ በጊዕን ክልተ ሽሕ ኣድግን ሚእቲ ሽሕ ነፍሲ ሰብን ወሰዱ።
22. እቲ ውግእ ካብ ኣምላኽ ነበረ እሞ፡ ብዙሓት ተወጊኦም ወደቑ። ድሕርዚ ኸኣ እዚኣቶም፡ ክሳዕ ዘመን ምርኮ ኣብ ሰፈሮም ተቐመጡ።
23. ፈረቓ ነገድ ደቂ ምናሴ ድማ ኣብታ ሃገር እቲኣ ይቕመጡ ነበሩ፡ ካብ ባሳን ክሳዕ በዓልሔርሞንን ሰኒርን ከረን ሔርሞንን በዝሑ።
24. ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታቶም ድማ፡ እዚኣቶም እዮም፡ ዔፈርን ይሽዒን ኤሊኤልን ዓዝሪኤልን የርሚያን ሆዳውያን ያሕዲኤልን፡ ሓያላት ጀጋኑ ሰባት፡ ስሙያት ሰባት፡ ነናይ ማይ ቤት ኣቦታቶም ዋናታት ነበሩ።
25. ንኣምላኽ ኣቦታቶም ዐልዮም ከኣ ደድሕሪ ኣማልኽቲ እቶም ኣምላኽ ካብ ቅድሚኦም ዘጥፍኦም ህዝብታት እታ ሃገር መንዘሩ።
26. ኣምላኽ እስራኤል ድማ መንፈስ ጱል ንጉስ ኣሶርን መንፈስ ቲልጋትጲልነሰር ንጉስ ኣሶርን ኣተንሲኡ፡ ነቶም ህዝቢ፡ ንሮቤላውያንን ንጋዳውያንን ንፈረቓ ነገድ ምናሴን ማሪኹ፡ ክሳዕ ሎሚ ናብ ሓላሕን ናብ ሓባርን ናብ ሃራእን ናብ ርባ ጎዛንን ኣእተዎም።

  1Chronicles (5/29)