← 1Chronicles (4/29) → |
1. | ደቂ ይሁዳ፡ ፌሬስን ሔጽሮን ካርሚን ሑርን ሾባልን። |
2. | ረኣያ ወዲ ሾባል ድማ ንያሓት ወለደ። ያሓት ከኣ ንኣሑማይን ንላሃድን ወለደ። እዚኣቶም ዓሌት ድማ ጾርዓትውያን እዮም። |
3. | ደቂ ኣቦ ዔጣም ድማ እዚኣቶም እዮም። ይዝርኤልን ይሽማን፡ ስም ሓብቶም ከኣ ሀጽለልጶኒ እዩ፡ |
4. | ፈኑኤል ኣቦ ገዶርን ዔዝር ኣቦ ሑሻን፡ እዚኣቶም ደቂ ሑር በዂሪ ኤፍራታ፡ ኣቦ ቤትልሄም፡ እዮም። |
5. | ኣሽሑር ኣቦ ተቆዓ ድማ ክልተ ኣንስቲ ሔልኣን ናዓራን ዚብሀላ ነበራኦ። |
6. | ናዓራ ኸኣ ንኣሑዛምን ንሔፈርን ንተምኒን ንኣሓሽታርን ወለደትሉ፡ እዚኣቶም ደቂ ናዓራ እዮም። |
7. | ደቂ ሔልኣ ድማ፡ ጸረትን ይጽሓርን ኤትናንን። |
8. | ቆጽ ከኣ ንዓኑብን ንሃጾቤባን ንዓሌታት ኣሓርሔል ወዲ ሃሩምን ወለደ። |
9. | ያዕቤጽ ድማ ካብ ኣሕዋቱ ዚኸብር ነበረ። ኣዲኡ ኸኣ፡ ብጻዕሪ ወሊደዮ፡ ኢላ እያ እሞ፡ ስሙ ያዕቤጽ ኣውጽኣትሉ። |
10. | ያዕቤጽ ድማ ንኣምላኽ እስራኤል፡ ብርግጽ እንተ ትባርኸኒ፡ ዶባተይ ከኣ እንተ ተግፍሓለይ፡ ኢድካውን ምሳይ እንተ ትኸውን፡ ከይጭነቕ ድማ ካብ ክፋእ ከም ዝድሕን እንተ ትገብረኒ፡ ኢሉ ለመኖ። ኣምላኽ ከኣ እቲ ዝለመኖ ገበረሉ። |
11. | ኬሉብ ሓው ሹሓ ድማ ንምሒር ወለደ፡ ንሱ ኣቦ ኤሽቶን እዩ። |
12. | ኤሽቶን ከኣ ንቤትራፋን ንጳሴዓን ንትሒና ኣቦ ዔርናሓስን ወለደ፡ እዚኣቶም ሰብ ሬካ እዮም። |
13. | ደቂ ቄናዝ ድማ፡ ዖትኒኤልን ሰራያን። ደቂ ዖትኒኤል ከኣ፡ ሓታት። |
14. | መዖኖታይ ድማ ንዖፍራ ወለደ። ሰራያ ኸኣ ነቦ እቶም ኣብ ለሰ ጸራቦ ዝነበሩ ንዮኣብ ወለደ፡ ንሳቶም ጸራቦ እዮም ዝነበሩ። |
15. | ደቂ ካሌብ ወዲ የፋኔ ድማ፡ ዒሩን ኤላን ናዓምን። ደቂ ኤላን ቄናዝን። |
16. | ደቂ የሃለልኤል ከኣ፡ ዚፍን ዚፋን ቲርያን ኣሳርኤልን። |
17. | ደቂ እዝራ ድማ፡ የተርን መረድን ዔፈርን ያሎንን እዮም። ንሳ ኸኣ ንሚርያምን ንሻማይን ንይሽባሕ ኣቦ ኤሽትሞዓን ወለደት። |
18. | እታ ኣይሁዳዊት ሰበይቱ ድማ ንየሬድ ኣቦ ገዶርን ንሔበር ኣቦ ሶኮን ንየቁቲኤል ኣቦ ሻኖዓን ወለደት። እዚኣቶም ከኣ ደቂ እታ መረድ ዘእተዋ ቢትያ ጓል ፈርኦን እዮም። |
19. | ደቂ ሰበይቲ ሆድያ ሓብቲ ነሓም ከኣ ኣቦ ቅዒላ ጋርማውን ኤሽተሞዓ መዓካታውን እዮም። |
20. | ደቂ ሺሞን ድማ፡ ኣምኖንን ሪናን ቤንሓናንን ቲሎንን። ደቂ ዪሽዒ ኸኣ፡ ዞሔትን ቤንዞሔትን። |
21. | ደቂ ሼላ ወዲ ይሁዳ፡ ዔር ኣቦ ሌካን ላዕዳ ኣቦ ማሬሻን ዓሌታት ቤት ዓየይቲ ልሕጺ እንጣጢዕ ካብ ቤት ኣዓቤዓን፡ |
22. | ዮቂምን ሰብ ኮዜባን፡ እቶም ኣብ ሞኣብ ዚግዝኡ ዝነበሩ ዮኣሽን ሳራፍን፡ ያሹቢለሔም ከኣ። እዚ ግና ናይ ቀደም ዛንታ እዩ። |
23. | እዚኣቶም ኣብ ነታዪምን ግደራን ዚነብሩ ሰራሕቲ መሬት ነበሩ፡ ምስ ንጉስ ኣብ ዕዮኡ ኣብኡ ይቕመጡ ነበሩ። |
24. | ደቂ ስምኦን፡ ነሙኤል፡ ያሚን ከኣ፡ ያሪብ፡ ዜራሕ፡ ሻኡል፡ |
25. | ሻሉም ወዲ፡ ሚብሳም ወዱ፡ ሚሽማዕ ወዱ። |
26. | ደቂ ሚሽማዕውን፡ ሓሙኤል ወዱ፡ ዛኩር ወዱ፡ ሺምዓ ወዱ። |
27. | ሺምዒ ድማ ዓሰርተው ሹድሽተ ኣወዳትን ሹድሽተ ኣዋልድን ነበርዎ። ነቶም ኣሕዋቱ ግና ብዙሕ ውሉድ ኣይነበርዎምን፡ ብዘሎ ዓሌቶም ከኣ ክንዲ ደቂ ይሁዳ ኣይሰሰነን። |
28. | ንሳቶም ኣብ ብኤርሸባዕን ሞላዳን ሓጻርሹዕልን፡ |
29. | ኣብ ቢልሃን ኣብ ዔጸምን ኣብ ቶላድን፡ |
30. | ኣብ ቤቱኤልን ኣብ ሖርማን ኣብ ጺቅላ ግን፡ |
31. | ኣብ ቤትማርካቦትን ኣብ ሓጸርሱሲምን ኣብ ቤትብርኢን ኣብ ሸዓራይን ይቕመጡ ነበሩ። ዳዊት ክስዕ ዚነግስ ከተማታቶም እዚኣተን ነበራ። |
32. | ዓድታቶም ድማ ዔጣምን ዓዪንን ሪሞንን ቶኬንን ዓሻንን፡ ሓሙሽተ ኸተማ፡ |
33. | እተን ኣብ ዙርያ እዘን ከተማታት እዚኤን ክሳዕ በዓል ዘለዋ ዂለን ዓድታቶም እየን። ዚነብርወን ዝነበሩ እዚኣተን እየን። መጽሓፍ ወለዶኦም ከኣ ነበሮም። |
34. | መሾባብን ያምሌክን ዮሻ ወዲ ኣማስያን፡ |
35. | ዮኤልን የሁ ወዲ ዮሺብያ፡ ወዲ ሰራያ፡ ወዲ ዓሲኤልን፡ |
36. | ኤልዮዔናይን ያዓቆባን ይሾሓያን ዓሳያን ዓዲኤልን የሲሚኤልን ብናያን፡ |
37. | ዚዛ ወዲ ሺፍዒ፡ ወዲ ኣሎን፡ ወዲ የዳያ፡ ወዲ ሺምሪኢ፡ ወዲ ሸማዕያ። |
38. | እዞም ብስሞም እተረቑሑ ኣብ ዐዓሌቶም ሹማምቲ ነበሩ። ማይ ቤት ኣቦታቶም ድማ በዚሖም ተዘርግሑ። |
39. | ንመጓሴኦም መጓሰዪ ምእንቲ ኺረኽቡ፡ በቲ ንጌዶር ዜእቱ ኣቢሎም፡ ክሳዕ ምብራቕ እቲ ለሰ ኸዱ። |
40. | መጓሰዪ ኸኣ ልምልምትን ጽብቕትን ሸኻ ረኸቡ። እቶም ቀደም ኣብኣ ዚቕመጢ ዝነበሩ ኻብ ካም ነበሩ እሞ፡ ህድኣትን ሰላምን ዘለዋ ገፋሕ ሃገር ነበረት። |
41. | እዞም በብስሞም እተጻሕፉ ኸኣ ብዘመን ህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ መጺኦም ናብ ድንኳውንቶም ሓደጋ ወደቕዎም። ኣብኡ ንተረኽቡ መዓናውያን ድማ ክሳዕ ሎሚ ኣጽነትዎም። ኣብኣ ንመጓሴኦም ዚኸውን መጓሰዪ ነበረ እሞ፡ ኣብ ክንዳኦም ተቐመጥዋ። |
42. | ገለ ኻባታቶም ድማ፡ ካብ ደቂ ስምኦን ሓሙሽተ ሚእቲ ሰባት ናብ ከረን ሰዔር ከዱ፡ ሓላቑኦም ከኣ ደቂ ዪሽዒ ፈላጥያን ነዓርያን ረፋያን ዑዚኤልን እዮም። |
43. | ነቶም ካብ ኣማሌቃውያን ዘምለጡ ትርፎፍያ ቐቲሎም ድማ ክሳዕ ሎሚ ኣብኣ ተቐሚጦም ኣለው። |
← 1Chronicles (4/29) → |