1Chronicles (4/29)  

1. ደቂ ይሁዳ፡ ፌሬስን ሔጽሮን ካርሚን ሑርን ሾባልን።
2. ረኣያ ወዲ ሾባል ድማ ንያሓት ወለደ። ያሓት ከኣ ንኣሑማይን ንላሃድን ወለደ። እዚኣቶም ዓሌት ድማ ጾርዓትውያን እዮም።
3. ደቂ ኣቦ ዔጣም ድማ እዚኣቶም እዮም። ይዝርኤልን ይሽማን፡ ስም ሓብቶም ከኣ ሀጽለልጶኒ እዩ፡
4. ፈኑኤል ኣቦ ገዶርን ዔዝር ኣቦ ሑሻን፡ እዚኣቶም ደቂ ሑር በዂሪ ኤፍራታ፡ ኣቦ ቤትልሄም፡ እዮም።
5. ኣሽሑር ኣቦ ተቆዓ ድማ ክልተ ኣንስቲ ሔልኣን ናዓራን ዚብሀላ ነበራኦ።
6. ናዓራ ኸኣ ንኣሑዛምን ንሔፈርን ንተምኒን ንኣሓሽታርን ወለደትሉ፡ እዚኣቶም ደቂ ናዓራ እዮም።
7. ደቂ ሔልኣ ድማ፡ ጸረትን ይጽሓርን ኤትናንን።
8. ቆጽ ከኣ ንዓኑብን ንሃጾቤባን ንዓሌታት ኣሓርሔል ወዲ ሃሩምን ወለደ።
9. ያዕቤጽ ድማ ካብ ኣሕዋቱ ዚኸብር ነበረ። ኣዲኡ ኸኣ፡ ብጻዕሪ ወሊደዮ፡ ኢላ እያ እሞ፡ ስሙ ያዕቤጽ ኣውጽኣትሉ።
10. ያዕቤጽ ድማ ንኣምላኽ እስራኤል፡ ብርግጽ እንተ ትባርኸኒ፡ ዶባተይ ከኣ እንተ ተግፍሓለይ፡ ኢድካውን ምሳይ እንተ ትኸውን፡ ከይጭነቕ ድማ ካብ ክፋእ ከም ዝድሕን እንተ ትገብረኒ፡ ኢሉ ለመኖ። ኣምላኽ ከኣ እቲ ዝለመኖ ገበረሉ።
11. ኬሉብ ሓው ሹሓ ድማ ንምሒር ወለደ፡ ንሱ ኣቦ ኤሽቶን እዩ።
12. ኤሽቶን ከኣ ንቤትራፋን ንጳሴዓን ንትሒና ኣቦ ዔርናሓስን ወለደ፡ እዚኣቶም ሰብ ሬካ እዮም።
13. ደቂ ቄናዝ ድማ፡ ዖትኒኤልን ሰራያን። ደቂ ዖትኒኤል ከኣ፡ ሓታት።
14. መዖኖታይ ድማ ንዖፍራ ወለደ። ሰራያ ኸኣ ነቦ እቶም ኣብ ለሰ ጸራቦ ዝነበሩ ንዮኣብ ወለደ፡ ንሳቶም ጸራቦ እዮም ዝነበሩ።
15. ደቂ ካሌብ ወዲ የፋኔ ድማ፡ ዒሩን ኤላን ናዓምን። ደቂ ኤላን ቄናዝን።
16. ደቂ የሃለልኤል ከኣ፡ ዚፍን ዚፋን ቲርያን ኣሳርኤልን።
17. ደቂ እዝራ ድማ፡ የተርን መረድን ዔፈርን ያሎንን እዮም። ንሳ ኸኣ ንሚርያምን ንሻማይን ንይሽባሕ ኣቦ ኤሽትሞዓን ወለደት።
18. እታ ኣይሁዳዊት ሰበይቱ ድማ ንየሬድ ኣቦ ገዶርን ንሔበር ኣቦ ሶኮን ንየቁቲኤል ኣቦ ሻኖዓን ወለደት። እዚኣቶም ከኣ ደቂ እታ መረድ ዘእተዋ ቢትያ ጓል ፈርኦን እዮም።
19. ደቂ ሰበይቲ ሆድያ ሓብቲ ነሓም ከኣ ኣቦ ቅዒላ ጋርማውን ኤሽተሞዓ መዓካታውን እዮም።
20. ደቂ ሺሞን ድማ፡ ኣምኖንን ሪናን ቤንሓናንን ቲሎንን። ደቂ ዪሽዒ ኸኣ፡ ዞሔትን ቤንዞሔትን።
21. ደቂ ሼላ ወዲ ይሁዳ፡ ዔር ኣቦ ሌካን ላዕዳ ኣቦ ማሬሻን ዓሌታት ቤት ዓየይቲ ልሕጺ እንጣጢዕ ካብ ቤት ኣዓቤዓን፡
22. ዮቂምን ሰብ ኮዜባን፡ እቶም ኣብ ሞኣብ ዚግዝኡ ዝነበሩ ዮኣሽን ሳራፍን፡ ያሹቢለሔም ከኣ። እዚ ግና ናይ ቀደም ዛንታ እዩ።
23. እዚኣቶም ኣብ ነታዪምን ግደራን ዚነብሩ ሰራሕቲ መሬት ነበሩ፡ ምስ ንጉስ ኣብ ዕዮኡ ኣብኡ ይቕመጡ ነበሩ።
24. ደቂ ስምኦን፡ ነሙኤል፡ ያሚን ከኣ፡ ያሪብ፡ ዜራሕ፡ ሻኡል፡
25. ሻሉም ወዲ፡ ሚብሳም ወዱ፡ ሚሽማዕ ወዱ።
26. ደቂ ሚሽማዕውን፡ ሓሙኤል ወዱ፡ ዛኩር ወዱ፡ ሺምዓ ወዱ።
27. ሺምዒ ድማ ዓሰርተው ሹድሽተ ኣወዳትን ሹድሽተ ኣዋልድን ነበርዎ። ነቶም ኣሕዋቱ ግና ብዙሕ ውሉድ ኣይነበርዎምን፡ ብዘሎ ዓሌቶም ከኣ ክንዲ ደቂ ይሁዳ ኣይሰሰነን።
28. ንሳቶም ኣብ ብኤርሸባዕን ሞላዳን ሓጻርሹዕልን፡
29. ኣብ ቢልሃን ኣብ ዔጸምን ኣብ ቶላድን፡
30. ኣብ ቤቱኤልን ኣብ ሖርማን ኣብ ጺቅላ ግን፡
31. ኣብ ቤትማርካቦትን ኣብ ሓጸርሱሲምን ኣብ ቤትብርኢን ኣብ ሸዓራይን ይቕመጡ ነበሩ። ዳዊት ክስዕ ዚነግስ ከተማታቶም እዚኣተን ነበራ።
32. ዓድታቶም ድማ ዔጣምን ዓዪንን ሪሞንን ቶኬንን ዓሻንን፡ ሓሙሽተ ኸተማ፡
33. እተን ኣብ ዙርያ እዘን ከተማታት እዚኤን ክሳዕ በዓል ዘለዋ ዂለን ዓድታቶም እየን። ዚነብርወን ዝነበሩ እዚኣተን እየን። መጽሓፍ ወለዶኦም ከኣ ነበሮም።
34. መሾባብን ያምሌክን ዮሻ ወዲ ኣማስያን፡
35. ዮኤልን የሁ ወዲ ዮሺብያ፡ ወዲ ሰራያ፡ ወዲ ዓሲኤልን፡
36. ኤልዮዔናይን ያዓቆባን ይሾሓያን ዓሳያን ዓዲኤልን የሲሚኤልን ብናያን፡
37. ዚዛ ወዲ ሺፍዒ፡ ወዲ ኣሎን፡ ወዲ የዳያ፡ ወዲ ሺምሪኢ፡ ወዲ ሸማዕያ።
38. እዞም ብስሞም እተረቑሑ ኣብ ዐዓሌቶም ሹማምቲ ነበሩ። ማይ ቤት ኣቦታቶም ድማ በዚሖም ተዘርግሑ።
39. ንመጓሴኦም መጓሰዪ ምእንቲ ኺረኽቡ፡ በቲ ንጌዶር ዜእቱ ኣቢሎም፡ ክሳዕ ምብራቕ እቲ ለሰ ኸዱ።
40. መጓሰዪ ኸኣ ልምልምትን ጽብቕትን ሸኻ ረኸቡ። እቶም ቀደም ኣብኣ ዚቕመጢ ዝነበሩ ኻብ ካም ነበሩ እሞ፡ ህድኣትን ሰላምን ዘለዋ ገፋሕ ሃገር ነበረት።
41. እዞም በብስሞም እተጻሕፉ ኸኣ ብዘመን ህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ መጺኦም ናብ ድንኳውንቶም ሓደጋ ወደቕዎም። ኣብኡ ንተረኽቡ መዓናውያን ድማ ክሳዕ ሎሚ ኣጽነትዎም። ኣብኣ ንመጓሴኦም ዚኸውን መጓሰዪ ነበረ እሞ፡ ኣብ ክንዳኦም ተቐመጥዋ።
42. ገለ ኻባታቶም ድማ፡ ካብ ደቂ ስምኦን ሓሙሽተ ሚእቲ ሰባት ናብ ከረን ሰዔር ከዱ፡ ሓላቑኦም ከኣ ደቂ ዪሽዒ ፈላጥያን ነዓርያን ረፋያን ዑዚኤልን እዮም።
43. ነቶም ካብ ኣማሌቃውያን ዘምለጡ ትርፎፍያ ቐቲሎም ድማ ክሳዕ ሎሚ ኣብኣ ተቐሚጦም ኣለው።

  1Chronicles (4/29)