1Chronicles (3/29)  

1. እቶም ኣብ ሔብሮን እተወልዱሉ ደቂ ዳዊት እዚኣቶም እዮም፡ እቲ ኻብ ኣሒኖዓም ይዝርኤላዊት እተወልደ በዂሩ ኣምኖን፡ ካልኣይ ዳኒኤል ካብ ኣቢጋይል ቀርሜሎሳዊት፡
2. ሳልሳይ ኣቤሴሎም ወዲ ማዓካ፡ ጓል ታልማይ ንጉስ ገሹር፡ ራብዓይ ኣዶንያስ ወዲ ሓጊት፡
3. ሓምሳይ ሸፋጥያ ኻብ ኣቢጣል፡ ሳድሳይ ዪትረዓም ካብ ዔግላ ሰበይቱ።
4. ሹድሽቲኦም ኣብ ሔብሮን ተወልዱሉ። ኣብኣ ኸኣ ሾብዓተ ዓመትን ሹድሽተ ወርሕን ነገሰ፡ ኣብ የሩሳሌም ድማ ሰላሳን ሰለስተን ዓመት ነገሰ።
5. ኣብ የሩሳሌም ከኣ እዚኣቶም ተወልዱሉ፡ ሺምዓን ሾባብን ናታንን ሰሎሞንን፡ ኣርባዕቲኦም ካብ ባትሸዓ፡ ጓል ዓሚኤል።
6. ድማ ዮብሓርን ኤሊሻማዕን ኤሊፈለጥን፡
7. ኖጋዕን ነፈግን ያፊዓን፡
8. ኤሊሻማዕን ኤልያዳዕን ኤሊፈለጥን፡ ትሽዓተ።
9. እዚኣቶም ኲሎም፡ ብዘይ እቶም ደቂ ኣንስቲ ወሰን፡ ደቂ ዳዊት እዮም። ታማር ከኣ ሓብቶም እያ።
10. ወዲ ሰሎሞን ከኣ ሮብዓም እዩ፡ ኣብያ ወዱ፡ ኣሳ ወዱ፡ ዮሳፋጥ ወዱ፡
11. ዮራም ወዱ፡ ኣሓዝያ ወዱ፡ ዮኣስ ወዱ፡
12. ኣማስያ ወዱ፡ ኣዛርያ ወዱ፡ ዮታም ወዱ፡
13. ኣሃዝ ወዱ፡ ህዝቅያስ ወዱ፡ ምናሴ ወዱ፡
14. ኣሞን ወዱ፡ ዮስያስ ወዱ፡
15. ደቂ ዮስያስ ድማ፡ እቲ በዂሪ ዮሓናን፡ ካልኣይ ዮያቂም፡ ሳልሳይ ጼዴቅያስ፡ ራብዓይ ሻሉም።
16. ደቂ ዮያቂም ከኣ፡ የኮንያ ወዱ፡ ጼዴቅያስ ወዱ።
17. ደቂ የኮንያ እቲ እሱር ድማ፡ ወዱ ሰኣልቲኤልን፡
18. ማልኪራምን ፈዳያን ሸናጸርን የቃምያን ሖሻማዕን ነዳብያን።
19. ደቂ ፈዳያ ኸኣ፡ ዘሩባቤልን ሺምዒን። ደቂ ዘሩባቤል ድማ፡ መሸላምን ሓናንያ ሽሎሚት ሓብቶምን፡
20. ሓሹባን ኦሄልን በረክያን ሓሳድያን ዩሻብሔሰድን፡ ሓሙሽተ እዮም።
21. ደቂ ሓናንያ ኸአ፡ ጶላጥያን የሻዕያን፡ ደቂ ረፋያ፡ ደቂ ኣርናን፡ ደቂ ዖባድያ፡ ደቂ ሽካንያ።
22. ደቂ ሽካንያ ድማ፡ ሸማዕያ። ደቂ ሸማዕያውን፡ ሓጡሽን ይግኣልን ባርያሕን ነዓርያን ሻፋጥን፡ ሹድሽተ።
23. ደቂ ነዓርያ ኸኣ፡ ኤልዮዔናይን ሕዝቅያን ዓዝራቃምን፡ ሰለስተ።
24. ደቂ ኤልዮዔናይ ድማ፡ ሆዳይዋን ኤልያሺብን ፈላያን ዓቁብን ዮሓናንን ደላያን ዓናኒን፡ ሾብዓተ።

  1Chronicles (3/29)