1Chronicles (29/29)    

1. ንጉስ ዳዊት ድማ ንብዘላ ማሕበር በላ፡ ወደይ ሰሎሞን፡ ኣምላኽ ንእኡ በይኑ ዝሐረዮ፡ ገና ንኡስን ልምሉምን እዩ፡ እቲ ዕዮ ግና ዓብዪ እዩ፡ እዚ ኣዳራሽ እዝስ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እምበር፡ ንሰብ ኣይኰነን።
2. ኣነ ኸኣ ብዂሉ ሓይለይ ንቤት ኣምላኸይ ዚኸውን፡ ንናይ ወርቂ ነገር፡ ወርቂ፡ ንናይ ብሩር ነገር ከኣ ብሩር፡ ንናይ ኣስራዚ ነገር ድማ ኣስራዚ፡ ንናይ ሓጺን ነገር ከኣ ሓጺን፡ ንናይ ዕጨይቲ ነገርውን ዕጨይቲ፡ ኣዕናቚ እምንን ዚሳናቐር እምንን ጸሊም ዜንጸባርቕ እምንን፡ እተቐርጸ እምንን ኲሉ ዓይነት ክቡር እምንን እምነ በረድን ኣብዚሔ ኣዳሎኹ።
3. ኣብ ልዕሊ እቲ ነቲ ቅድስቲ ቤት ኢለ ዘዳሎኽዎ ዂሉ ድማ፡ ናይ ርእሰይ መዝገብ ወርቅን ብሩርን ስለ ዘሎኒ፡ ወሲኸ ንቤት ኣምላኸይ እህብ ኣሎኹ፡
4. ሰለስተ ሽሕ ታለንት ወርቂ ኻብ ወርቂ ኦፊር፡ ሾብዓተ ሽሕ ታለንት ከኣ እተዀልዔ ብሩር ንምልባጥ እቲ መናድቕ ኣባይቲ፡
5. ወርቂ ንዜድሊ ኻብ ወርቂ፡ ብሩር ንዜድሊ ድማ ካብ ብሩር፡ ኤረ ብኢድ ብልሓተኛ ንዚግበር ዘበለ ዂሉ ስራሕ ከኣ እህብ ኣሎኹ። ሎሚ ኢዱ ብፍታው መሊኡ ንእግዚኣብሄር ዚህብ መን ኣሎ
6. ሽዑ እቶም ሓላቑ ማይ ቤት ኣቦታትን ሓላቑ ነገዳት እስራኤልን ሓላቑ ሽሕን ሓላቑ ሚእትን ምስቶም ሓላቑ እቲ ስራሕ ንጉስን ብፍታው ሀቡ።
7. ንዕዮ ቤት ኣምላኽ ከኣ ሓሙሽተ ሽሕ ታለንት ወርቅን ዓሰርተ ሽሕ ዳሪክን ዓሰርተ ሽሕ ታለንት ብሩርን ዓሰርተው ሾሞንተ ሽሕ ተለንት ኣስራዝን ሚእቲ ሽሕ ታለንት ሓጺንን ሀቡ።
8. እቲ ኽቡር ኣእማን እንረኽቦ ኸኣ ኣብ ትሕቲ ኢድ የሒኤል እቲ ጌርሾናዊ፡ ናብ መዝገብ ቤት እግዚኣብሄር ኣእተዎ።
9. ንእግዚኣብሄር ብፍጹም ልቢ ፈትዮም ስለ ዝሀቡዎ፡ እቲ ህዝቢ በቲ ብምፍታው ምሃቦም ተሐጐሰ። ንጉስ ዳዊት ከኣ ዓብዪ ሓጐስ ተሐጐሰ።
10. ዳዊት ድማ ኣብ ቅድሚ ብዘላ ማሕበር ንእግዚኣብሄር ባረኾ፡ በለ ኸኣ፡ ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦና እስራኤል፡ ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ብሩኽ ኩን።
11. ጐይታየ፡ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዘሎ ዘበለ ዂሉ ናትካ እዩ እሞ፡ ዕቤትን ስልጣንን ክብርን ዓወትን ግርማን ናትካ እዩ። ጐይታየ፡ እታ መንግስትካ ናትካ እያ፡ ኣብ ልዕሊ ዂሉ ኸኣ ከም ርእሲ ልዕል በልካ።
12. ሃብትን ክብረትን ካባኻ እየን ዚመጻ፡ ንስኻ ድማ ኣብ ልዕሊ ዂሉ ትገዝእ፡ ሓይልን ስልጣንን ከኣ ኣብ ኢድካ እዩ። ንዝዀነ ዘበለ ዓብዪን ጽኑዕን ምግባሩ ድማ ኣብ ኢድካ እዩ።
13. ሕጂ ኸኣ፡ ዎ ኣምላኽና፡ ንሕና ነመስግነካ ንኽብር ስምካውን ንውድሶ ኣሎና።
14. ከምቲ ብፍታው ከነቕርብ ዝኸኣልናስ፡ ኲሉ ኻባኻ ደኣ እዩ፡ ካብ ኢድካውን ኢና ሂብናካ ዘሎና እሞ፡ ኣነ መን እየ እዞም ህዝበይከ እንታይ እዮም
15. ንሕና ኣብ ቅድሜኻ ኸም ኲሎም ኣቦታትና መጻእተኛታትን ኣጋይሽን ኢና፡ ዕለታትና ኣብ ምድሪ ኸም ጽላሎት እየን፡ ዚነብር ከኣ የልቦን።
16. ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፡ ኲሉ እዚ ንቕዱስ ስምካ ቤት ክንሰርሓሉ ኢልና ኣዳሊናዮ ዘሎና ድልቢ፡ ካብ ኢድካ ዝመጸ እዩ፡ ኲሉ ኸኣ ናትካ እዩ።
17. ኣታ ኣምላኸየ፡ ንስኻ ልቢ ኸም እትፍትን ቅንዕናውን ከም እትፈቱ እፈልጥ ኣሎኹ። ኣነ ኸኣ እዚ ዂሉ ብቕንዕና ልበይ ብፍታው ኣቕሪበልካ ኣሎኹ። ሕጂ ድማ እዚ ኣብዚ ዘሎ ህዝብኻ ፈትዩ ኬቕርበልካ ብሓጐስ ርእየ እየ።
18. ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣምላኽ ኣቦታትና ኣብርሃምን ይስሃቅን እስራኤልን፡ ነዚ ናይ ህዝብኻ እማመ ሓሳባት ልቦም ንዘለኣለም ሐሉ፡ ልቦም ከኣ ንኣኻ ኣዳሉ።
19. ንወደይ ሰሎሞንውን ትእዛዛትካን ምስክራትካን ሕጋጋትካን ኪሕሉ፡ ንዂሉ ድማ ኪገብሮ፡ ነዚ ንእኡ ኢለ ዘዳልዎ ዘሎኹ ኣዳራሽውን ኪሰርሕ ፍጹም ልቢ ሀቦ።
20. ዳዊት ድማ ንብዘሎ ማሕበር፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ባርኽዎ፡ በለ። ሽዑ ብዘሎ ማሕበር ንእግዚኣብሄር፡ ኣምላኽ ኣቦታቱ ባረኸ፡ ድንን ድማ በሉ፡ ንእግዚኣብሄር ንንጉስን ከኣ ሰገዱ።
21. ነዛ መዓልቲ እዚኣስ ብጽባሒታ ድማ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ሕሩድ ሰውኡ፡ ዚሐርር መስዋእቲ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ኣዕረጉሉ፡ ሽሕ ብዕራይ፡ ሽሕ ድዑል፡ ሽሕ ገንሸል፡ መምስ ናይ መስተ መስዋእትታቶም፡ ብዙሕ መስዋእቲ ሕሩድ ድማ ምእንቲ ዂሉ እስራኤል ሰውኡ።
22. በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብዓብዪ ሓጐስ በልዑን ሰተዩን። ንሰሎሞን ወዲ ዳዊትውን ካልኣይ ጊዜ ኣንገስዎ። ንእኡ መስፍን ንእግዚኣብሄር ኪኸውን ንጻዶቅውን ካህን ኪኸውን ቀብእዎም።
23. ሽዑ ሰሎሞን ኣብ ክንዲ ኣቦኡ ዳዊት ንጉስ ኰይኑ፡ ኣብ ዝፋን እግዚኣብሄር ተቐመጠ ሰለጦውን፡ ብዘለው እስራኤል ከኣ ይእዘዝዎ ነበሩ።
24. ኲሎም ሓላቑን ጀጋኑን ኲሎም ደቂ ንጉስ ዳዊትን ድማ ኣብ ትሕቲ ንጉስ ሰሎሞን ተገዝኡ።
25. እግዚኣብሄር ከኣ ንሰሎሞን ኣብ ቅድሚ ብዘሎ እስራኤል ክብ ኣቢሉ ኣዝዩ ኣዕበዮ፡ ቅድሚኡ ኣብ እስራኤል ንዝነበረ ዘበለ ንጉስ ዘይነበሮ፡ ግርማ መንግስቲ ንንጉስ ሰሎሞን ሀቦ።
26. ዳዊት ወዲ እሴይ ግና ኣብ ልዕሊ ብዘሎ እስራኤል ነጊሱ ነበረ።
27. እቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝገዝኣሉ ዘመን ከኣ ኣርብዓ ዓመት እዩ፡ ኣብ ሔብሮን ሾብዓተ ዓመት ገዝኤ፡ ኣብ የሩሳሌም ድማ ሰላስን ሰለስተን ዓመት ገዝኤ።
28. ዕድመን ሃብትን ክብረትን ጸጊቡ ኸኣ ብጽቡቕ ሽምግልና ሞተ። ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ሰሎሞን ነገሰ።
29. እቲ ናይ ንጉስ ዳዊት ነገራት፡ ቀዳሞትን ዳሕሮትን፡ ንሳቶም ኣብ ዛንታ ሳሙኤል እቲ ረኣዪን ኣብ ዛንታ ነብዪ ናታንን ኣብ ዛንታ እቲ ረኣዪ ጋድን ተጽሒፎም ኣለው።
30. ምስ ብዘሎ ምግዛኡን መንፍዓቱን እቲ ንእኡን ንእስራኤልን ንናይ ኲለን ሃገራት መንግስትታትን ዝበጽሖም ኲነታትን ተጽሒሩ ኣሎ።

  1Chronicles (29/29)