1Chronicles (27/29)  

1. ደቂ እስራኤል ድማ ከም ቊጽሮም፡ ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታትን ሓላቑ ኣሽሓትን ሚእትታትን፡ እቶም በቲ ናይ ክፍልታት ኲሉ ነገር ንንጉስ ዜገልግሉ መኳንንቶምን፡ ንሳቶም ብዅለን ወርሓትን ዓመት ኣብ ወወርሒ ይኣትውን ይወጹን ነበሩ፡ ናይ ሐሓደ ኽፍሊ ዔዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ነበሩ።
2. ኣብ ልዕሊ እቲ ቐዳማይ ክፍሊ ናይታ ቐዳመይቲ ወርሒ ያሾብዓም ወዲ ዛብዲኤል ነበረ፡ እቶም ክፍሉ ኸኣ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ነበሩ።
3. ንሱ ኻብ ደቂ ፌሬስ ነበረ፡ ንዂሎም እቶም ሓላቑ ናይቲ ሰራዊት ናይ ቀዳመይቲ ወርሒ ንሱ ሓለቓኦም ነበረ።
4. ኣብ ልዕሊ እቲ ኽፍሊ ናይ ካልኣይቲ ወርሒ ድማ ዶዳይ እቲ ኣሖሓዊ ምስ ክፍሉ። ሚቅሎት ሹም ነበረ፡ እቶም ክፍሉ ኸኣ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ነበሩ።
5. እቲ በቲ ሳልሰይቲ ወርሒ ራእሲ ዀይኑ ዜገልግል ሳልሳይ ሓለቓ ሰራዊት በናያ ወዲ እቲ ኻህን የሆያዳ እዩ፡ እቶም ክፍሉ ድማ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ነበሩ።
6. እዚ በናያ እዚ እቲ ጅግና ኻብቶም ሰላሳ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ሰላሳ ዝነበሩ እዩ። ኣብቲ ኽፍሉ ድማ ወዱ ዓሚዛባድ ነበረ።
7. እቲ ራብዓይ ናይ ራብዐይቲ ወርሒ፡ ዓሳሄል ሓው ዮኣብ ነበረ፡ ብድሕሪኡ ኸኣ ወዱ ዘባድያ። እቶም ክፍሉ ድማ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ነበሩ።
8. እቲ ሓምሳይ ሐለቓ፡ ናይ ሓምሳይቲ ወርሒ፡ ሻምሁት እቲ ይዝራሓዊ ነበረ። እቶም ክፍሉ ኸኣ ዕስራንት ኣርባዕተን ሽሕ ነበሩ።
9. እቲ ሳድሳይ ናይ ሳድሰይቲ ወርሒ፡ ዒራ፡ ወዲ ዒቀሽ እቲ ተቆዓዊ፡ ነበረ። እቶም ክፍሉ ድማ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ነበሩ።
10. እቲ ሳብዓይ ናይ ሳብዐይቲ ወርሒ፡ ሔለጽ እቲ ጰሎናዊ ኻብ ደቂ ኤፍሬም ነበረ። እቶም ክፍሉ ኸኣ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ነበሩ።
11. እቲ ሳምናይ ናይ ሳምነይቲ ወርሒ፡ ሲብካይ፡ እቲ ሑሻታዊ ኻብ ዜራሓውያን፡ ነበረ። እቶም ክፍሉ ድማ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ነበሩ።
12. እቲ ታስዓይ ናይ ታስዐይቲ ወርሒ፡ ኣቢዔዘር፡ እቲ ዓናቶታዊ ኻብ ብንያማውያን፡ ነበረ። እቶም ክፍሉ ኸኣ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ነበሩ።
13. እቲ ዓስራይ ናይ ዓስረይቲ ወርሒ፡ ማሓራይ፡ እቲ ነጦፍታዊ ካብ ዜራሓውያን፡ ነበረ። እቶም ክፍሉ ድማ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ነበሩ።
14. እቲ መበል ዓሰርተው ሓደ ናይ መበል ዓሰርተው ሓደ ወርሒ ዜገልግል፡ በናያ፡ ጲርዓቶናዊ ኻብ ደቂ ኤፍሬም፡ ነበረ። እቶም ክፍሉ ኸኣ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ነበሩ።
15. እቲ መበል ዓሰርተው ክልተ፡ ናይ መበል ዓሰርተው ክልተ ወርሒ፡ ሔልዳይ፡ እቲ ነጦፋታዊ ኻብ ዖትኒኤል፡ ነበረ። እቶም ክፍሉ ድማ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ነበሩ።
16. ኣብ ልዕሊ ነገዳት እስራኤል ድማ እዚኣቶም ነበሩ፡ መስፍን ካብ ሮቤላውያን ኤሊዔዘር ወዲ ዚክሪ ነበረ። ካብ ስምኦናውያን ሸፋጥያ ወዲ ማዓካ።
17. ካብ ሌዋውያን ሓሻብያ፡ ወዲ ቄሙኤል፡ ካብ ኣሮን ጻዶቅ።
18. ካብ ይሁዳ ኤሊሁ፡ ሓደ ኻብ ኣሕዋት ዳዊት፡ ካብ ይሳኮር ዖምሪ ወዲ ሚካኤል።
19. ካ ዛብሎን ዪሽማዕያ ወዲ ዖባዲያ፡ ካብ ንፍታሌም የሪሞት ወዲ ዓዝሪኤል።
20. ካብ ደቂ ኤፍሬም ሆሼዓ ወዲ ኣዛዝያ፡ ካብቲ ፈረቓ ነገድ ምናሴ ዮኤል ወዲ ጴዳያ።
21. ካብቲ ፈረቓ ነገድ ምናሴ ኣብ ጊልዓድ ኢዶ ወዲ ዘካርያስ፡ ካብ ብንያም ይዓሲኤል ወዲ ኣብሄር።
22. ካብ ዳን ዓዛርኤል ወዲ ይሮሓም። እዚኣቶም ሓላቑ ነገዳት እስራኤል ነበሩ።
23. ግናኸ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ከም ዜብዝሖም ኢሉ ነበረ እሞ፡ ዳዊት ነቶም ደቂ ዕስራ ዓመትን ካብኡ ንታሕትን ዝነበሩ ዘበሉ ኣይቈጸሮምን።
24. ዮኣብ ወዲ ጽሩያስ ኪቘጽር ጀሚሩ ነበረ፡ ግናኸ ኣይወድኦን። ብሰሪ እዚ ድማ ናብ ልዕሊ እስራኤል መዓት መጸ። እቲ ቚጽሪ ድማ ኣብቲ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ንጉስ ዳዊት ኣይተጻሕፈን ።
25. ኣብ ልዕሊ መዛግብቲ ንጉስ ከኣ ዓዝማዌት ወዲ ዓዲኤል ነበረ። ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ግራሁን ኣብ ከተማታትን ኣብ ዓድታትን ኣብ እምባታትን ዝነበረ ጥሪት ድማ ዮናታን ወዲ ዑዚያ ነበረ።
26. ኣብ ልዕሊ እቶም ንምድሪ ኺሐርሱ፡ ኣብቲ ናይ ግራት ዕዮ ዚዐዩ ዝነበሩ ኸኣ ዔዝሪ ወዲ ኬሉብ ነበረ።
27. ኣብ ልዕሊ እቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ድማ ሺምዒ እቲ ራማታዊ ነበረ። ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ መዓካን ወይኒ ዚኣቱ እቶት ኣታኽልቲ ወይኒ ኸኣ ዛብዲ እቲ ሺፍማዊ ነበረ።
28. ኣብ ልዕሊ ኣታኽልቲ ኣውልዕን ኣብ ጐልጐል ዝነበረ ሰጋሉን ድማ በዓልሓናን እቲ ግደራዊ ነበረ፡ ኣብ ልዕሊ መዛግብቲ ዘይቲ ኸኣ ዮዓሽ ነበረ።
29. ኣብ ልዕሊ እተን ኣብ ሳሮን ዚጓሰያ ኸብቲ ድማ ሺጥራይ እቲ ሳሮናዊ ነበረ፡ ኣብ ልዕሊ እተን ኣብ ለሴታት ዝነበራ ኸብቲውን ሻፋጥ ወዲ ዓድላይ ነበረ።
30. ኣብ ልዕሊ እተን ኣግማል ከኣ ኦቢል እቲ እስማኤላዊ ነበረ። ኣብ ልዕሊ እተን ኣእዱግ ድማ የሕደያ እቲ ሜሮናታዊ ነበረ።
31. ኣብ ልዕሊ እተን ኣባጊዕ ከኣ ያዚዝ እቲ ሃገራዊ ነበረ። እዚኣቶም ኲሎም ሓላቑ እቲ ናይ ንጉስ ዳዊት ዝነበረ ሃብቲ ነበሩ።
32. ዮናታን፡ ሓው ኣቦኡ ንዳዊት፡ ኣማኻሪ ነበረ፡ ንሱ ኣስተውዓሊ ሰብኣይን ጸሓፍን ነበረ፡ የሒኤል ወዲ ሓቅሞኒ ኸኣ ምስ ደቂ ንጉስ ነበረ።
33. ኣሒቶፌል ድማ መኻሪ ንጉስ ነበረ፡ ሑሻይ እቲ ኣርካዊ ኸኣ ዓርኪ ንጉስ ነበረ።
34. ድሕሪ ኣሒቶፌል ድማ የሆያዳ ወዲ በናያን ኣብያታርን ነበሩ። ዮኣብ ድማ ሓለቓ ሰራዊት ንጉስ ነበረ።

  1Chronicles (27/29)