1Chronicles (25/29)  

1. ዳዊት ድማ ምስ ሹማምቲ ሰራዊት ኰይኑ፡ ንደቂ ኣሳፍን ሄማንን የዱቱንን ነገልግሎት፡ ብበገናን መሰንቆን ብጸናጽልን ትንቢት ኪነግሩ ፈለዮም። ቊጽሪ እቶም ከከም ኣገልግሎትም ዚዐዩ ዝነበሩ ሰባት ከኣ እዚ እዩ፡
2. ካብ ደቂ ኣሳፍ፡ ዛኩርን ዮሴፍን ነታንያን ኣሳርኤላን፡ ደቂ ኣሳፍ፡ ኣብ ትሕቲ ኢድ እቲ ኸም ትእዛዝ ንጉስ ዚንበ ዝነበረ ኣሳፍ ዚዀኑ።
3. ካብ የዱቱን፡ ደቂ የዳቱን፡ ግዳልያን ጸሪን የሻዕያን ሓሻብያን ማቲትያን፡ ሹድሽተ፡ ብበገና ብትሕቲ ኢድ እቲ ንእግዚኣብሄር ብምምስጋን ብምኽባርን ዚንበ ዝነበረ ኣቦኦም የዳቱን ዚዀኑ።
4. ካብ ሄማን፡ ደቂ ሄማን፡ ቡቂያ፡ ማታንያ፡ ዑዚኤል፡ ሼቡኤል፡ የሪሞት፡ ሓናንያ፡ ኤሊኣታ፡ ጊዳልቲ፡ ሮማምቲዕዘር፡ ዩሽብቃሽ፡ ማሎቲ፡ ሆቲር፡ ማሓዚኦት።
5. እዚኣቶም ኲሎም ደቂ ሂማን ነበሩ፡ንሱ፡ ነቲ ቐርኒ ልዕል ኬብሎ፡ ኣብ ቃላት ኣምላኽ ናይ ንጉስ ረኣዪ ነበረ። ኣምላኽ ከኣ ንሄማን ዓሰርተው ኣርባዕተ ኣወዳትን ሰለስተ ኣዋልድን ሀቦ።
6. እዚኣቶም ኲሎም በቲ መዝሙር ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ነገልግሎት ቤት ኣምላኽ ብዘሎ ጸናጽልን መሰንቆን በገናን፡ ከምቲ ትእዛዝ ንጉስ፡ ኣብ ትሕቲ ኣእዳው ኣኣቦኦም ኣሳፍን የዱቱንን ሄማንን ነበሩ።
7. ቊጽሮም ድማ፡ ምስቶም ንእግዚኣብሄር ምዝማር እተማህሩ፡ ኲሎም ፈላጣት ኣሕዋቶም ክልተ ሚእትን ሰማንያን ሾሞንተን ኰነ።
8. ብዛዕባ እቲ ኣገልግሎት ድማ ተመዓራርዮም እቲ ንእሽቶ ኸምቲ ዓብዪ፡ እቲ መምህር ከምቲ ተማሃሪ ዕጭ ተዋደቑሉ።
9. እታ ቐዳመይቲ ዕጭ ንኣሳፍ ኣብ ዮሴፍ በጽሔት፡ እታ ኻልኣይቲ ንግዳልያ፡ ንሱን ኣሕዋቱን ደቁን ዓሰርተው ክልተ ነበሩ።
10. እታ ሳልሰይቲ ንዛኩር፡ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ።
11. እታ ራብዐይቲ ንዪጽሪ፡ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ።
12. እታ ሓምሰይቲ ንነገታንያ፡ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ።
13. እታ ሳድሰይቲ ንቡቂያ፡ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ።
14. እታ ሳብዐይቲ ንየሻርኤላ፡ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ።
15. እታ ሳምነይቲ ንየሻዕያ፡ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ።
16. እታ ታስዐይቲ ንማታንያ፡ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ።
17. እታ ዓስረይቲ ንሺምዒ፡ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ።
18. እታ መበል ዓሰርተው ሓድ ንዓዛርኤል፡ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ።
19. እታ መበል ዓሰርተው ክልተ ንሓሻብያ፡ ድቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ።
20. እታ መበል ዓሰርተው ሰለስተ ንየሹባኤል፡ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ።
21. እታ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ ንማቲትያ፡ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ።
22. እታ መበል ዓሰርተው ሓሙሽተ ንይሬሞት፡ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ።
23. እታ መበል ዓሰርተው ሹድሽተ ንሓናንያ፡ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ።
24. እታ መበል ዓሰርተው ሾብዓተ ንዮሽብቃሽ፡ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ።
25. እታ መበል ዓሰርተው ሾሞንተ ንሓናኒ፡ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ።
26. እታ መበል ዓሰርተው ትሽዓተ ንማሎቲ፡ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ።
27. እታ መበል ዕስራ ንኤሊያታ፡ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ።
28. እታ መበል ዕስራን ሓደን ንሆቲር፡ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ።
29. እታ መበል ዕስራን ክልተን ንጊዳልቲ፡ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ።
30. እታ መበል ዕስራን ሰለስተን ንማሓዚኣት፡ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ።
31. እታ መበል ዕስራን ኣርባዕተን ንሮማምቲዕዘር፡ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ።

  1Chronicles (25/29)