← 1Chronicles (25/29) → |
1. | ዳዊት ድማ ምስ ሹማምቲ ሰራዊት ኰይኑ፡ ንደቂ ኣሳፍን ሄማንን የዱቱንን ነገልግሎት፡ ብበገናን መሰንቆን ብጸናጽልን ትንቢት ኪነግሩ ፈለዮም። ቊጽሪ እቶም ከከም ኣገልግሎትም ዚዐዩ ዝነበሩ ሰባት ከኣ እዚ እዩ፡ |
2. | ካብ ደቂ ኣሳፍ፡ ዛኩርን ዮሴፍን ነታንያን ኣሳርኤላን፡ ደቂ ኣሳፍ፡ ኣብ ትሕቲ ኢድ እቲ ኸም ትእዛዝ ንጉስ ዚንበ ዝነበረ ኣሳፍ ዚዀኑ። |
3. | ካብ የዱቱን፡ ደቂ የዳቱን፡ ግዳልያን ጸሪን የሻዕያን ሓሻብያን ማቲትያን፡ ሹድሽተ፡ ብበገና ብትሕቲ ኢድ እቲ ንእግዚኣብሄር ብምምስጋን ብምኽባርን ዚንበ ዝነበረ ኣቦኦም የዳቱን ዚዀኑ። |
4. | ካብ ሄማን፡ ደቂ ሄማን፡ ቡቂያ፡ ማታንያ፡ ዑዚኤል፡ ሼቡኤል፡ የሪሞት፡ ሓናንያ፡ ኤሊኣታ፡ ጊዳልቲ፡ ሮማምቲዕዘር፡ ዩሽብቃሽ፡ ማሎቲ፡ ሆቲር፡ ማሓዚኦት። |
5. | እዚኣቶም ኲሎም ደቂ ሂማን ነበሩ፡ንሱ፡ ነቲ ቐርኒ ልዕል ኬብሎ፡ ኣብ ቃላት ኣምላኽ ናይ ንጉስ ረኣዪ ነበረ። ኣምላኽ ከኣ ንሄማን ዓሰርተው ኣርባዕተ ኣወዳትን ሰለስተ ኣዋልድን ሀቦ። |
6. | እዚኣቶም ኲሎም በቲ መዝሙር ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ነገልግሎት ቤት ኣምላኽ ብዘሎ ጸናጽልን መሰንቆን በገናን፡ ከምቲ ትእዛዝ ንጉስ፡ ኣብ ትሕቲ ኣእዳው ኣኣቦኦም ኣሳፍን የዱቱንን ሄማንን ነበሩ። |
7. | ቊጽሮም ድማ፡ ምስቶም ንእግዚኣብሄር ምዝማር እተማህሩ፡ ኲሎም ፈላጣት ኣሕዋቶም ክልተ ሚእትን ሰማንያን ሾሞንተን ኰነ። |
8. | ብዛዕባ እቲ ኣገልግሎት ድማ ተመዓራርዮም እቲ ንእሽቶ ኸምቲ ዓብዪ፡ እቲ መምህር ከምቲ ተማሃሪ ዕጭ ተዋደቑሉ። |
9. | እታ ቐዳመይቲ ዕጭ ንኣሳፍ ኣብ ዮሴፍ በጽሔት፡ እታ ኻልኣይቲ ንግዳልያ፡ ንሱን ኣሕዋቱን ደቁን ዓሰርተው ክልተ ነበሩ። |
10. | እታ ሳልሰይቲ ንዛኩር፡ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ። |
11. | እታ ራብዐይቲ ንዪጽሪ፡ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ። |
12. | እታ ሓምሰይቲ ንነገታንያ፡ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ። |
13. | እታ ሳድሰይቲ ንቡቂያ፡ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ። |
14. | እታ ሳብዐይቲ ንየሻርኤላ፡ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ። |
15. | እታ ሳምነይቲ ንየሻዕያ፡ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ። |
16. | እታ ታስዐይቲ ንማታንያ፡ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ። |
17. | እታ ዓስረይቲ ንሺምዒ፡ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ። |
18. | እታ መበል ዓሰርተው ሓድ ንዓዛርኤል፡ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ። |
19. | እታ መበል ዓሰርተው ክልተ ንሓሻብያ፡ ድቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ። |
20. | እታ መበል ዓሰርተው ሰለስተ ንየሹባኤል፡ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ። |
21. | እታ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ ንማቲትያ፡ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ። |
22. | እታ መበል ዓሰርተው ሓሙሽተ ንይሬሞት፡ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ። |
23. | እታ መበል ዓሰርተው ሹድሽተ ንሓናንያ፡ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ። |
24. | እታ መበል ዓሰርተው ሾብዓተ ንዮሽብቃሽ፡ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ። |
25. | እታ መበል ዓሰርተው ሾሞንተ ንሓናኒ፡ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ። |
26. | እታ መበል ዓሰርተው ትሽዓተ ንማሎቲ፡ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ። |
27. | እታ መበል ዕስራ ንኤሊያታ፡ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ። |
28. | እታ መበል ዕስራን ሓደን ንሆቲር፡ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ። |
29. | እታ መበል ዕስራን ክልተን ንጊዳልቲ፡ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ። |
30. | እታ መበል ዕስራን ሰለስተን ንማሓዚኣት፡ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ። |
31. | እታ መበል ዕስራን ኣርባዕተን ንሮማምቲዕዘር፡ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ። |
← 1Chronicles (25/29) → |