1Chronicles (23/29)  

1. ዳዊት ድማ ዕድመ ጸጊቡ ኣረጊት ኰነ፡ ንወዱ ሰሎሞን ከኣ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣንገሶ።
2. ዳዊት ድማ ንዂሎም ሓላቑ እስራኤልን ንኻህናትን ሌዋውያንን ኣከቦም።
3. እቶም ሌዋውያን ከኣ ካብ ወዲ ሰላሳ ዓመት ንላዕሊ ዘለው ዘበሉ ተቘጽሩ፡ እቲ ቚጽሩ፡ እቲ ቚጽሮም ድማ በብርእሲ ተተባዕታዮም ሰላሳን ሾሞንተን ሽሕ ኰነ።
4. ዳዊት ከኣ በለ፡ ካብ እዚኣቶም ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ነቶ ዕዮ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ኪሐልዮሉ፡ ሹድሽተ ሽሕ ከኣ ሓላቑን ፈረድትን ኪዀኑ፡
5. ኣርባዕተ ሽሕ ሓለውቲ ደጌታት ኪዀኑ፡ ኣርባዕተ ሽሕ ድማ በቲ ኣነ፡ ንሱ ብእኡ ኺምስገን፡ ዘግበርክዎ ኣቓሑ ንእግዚኣብሄር ዜመስግኑ ዘመርቲ ኪዀኑ።
6. ዳዊት ድማ ከምቶም ደቂ ሌዊ ኣብ ናይ ጌርሾንን ቀሃትን መራሪን ክፍልታት መቐሎም።
7. ካብ ጌርሾናውያን፡ ላዕዳንን ሺምዒን።
8. ደቂ ላዕዳን፡ የሒኤል እቲ ሓለቓን ዜታምን ዮኤልን፡ ሰለስተ።
9. ደቂ ሺምዒ፡ ሸሎሞትን ሓዚኤልን ሃራንን፡ ሰለስተ። እዚኣቶም ዋናታት ናይ ላዕዳን ማይ ቤት ኣቦታት እዮም።
10. ደቂ ሺምዒ ኸኣ፡ ያሓትን ዚናን የዑሽን በሪዓ፡ እዚኣቶም ኣርባዕቲኦም ደቂ ሺምዒ እዮም።
11. ያሓት ዋና ነበረ፡ ዚና ድማ እቲ ኻልእይ። የዑሽን በሪዓን ግና ብዙሓት ደቂ ኣይነበርዎምን፡ ስለዚ ኸም ሓደ ማይ ቤት ኣቦ ዀይኖም ተቘጽሩ።
12. ደቂ ቀሃት፡ ዓምራምን ዮጽሃርን ሔብሮንን ዑዚኤልን፡ ኣርባዕተ።
13. ደቂ ዓምሪም አሮንን ሙሴን እዮም። ኣሮን ድማ ነቲ ቅዱስ ቅዱሳን ኪቕድስ ተፈልየ፡ ንሱን ደቁን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ዕጣን ኬዕርጉን ኬገልግልዎን ብስሙውን ንዘለኣለም ኪባርኹን እዮም።
14. ሙሴ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ግና ደቁ ኣብ ማእከል ነገድ ሌዊ ተሰምዩ።
15. ደቂ ሙሴ ጌርሾምን ኤልዔዘርን እዮም።
16. ካብ ደቂ ጌርሾም ሼብኤል ዋና እዩ።
17. ካብ ደቂ ኤልዔዘር ከኣ ረኻብያ እቲ ዋና እዩ፡ ግናኸ ኤልዔዘር ካልኦት ደቂ ኣይነበርዎን። ደቂ ሪኻብያ ግና ኣዝዮም በዝሑ።
18. ደቂ ዪጽሃር፡ ሸሎሚት እቲ ዋና።
19. ደቂ ሔብሮን፡ የሪያ እቲ ዋና፡ ኣማርያ እቲ ኻልኣይ፡ ያሓዚኤልእቲ ሳልሳይ፡ ይቃምዓም ድማ እቲ ራብዓይ።
20. ደቂ ዑዚኤል፡ ሚካ እቲ ዋና፡ ዪሺያ ኸኣ እቲ ኻልኣይ።
21. ደቂ መራሪ፡ ማሕሊን ሙሺን። ደቂ ማሕሊ፡ ኤልኣዛርን ቂሽን።
22. ኤልኣዛር ግና ኣወዳት ከይሐደገ ሞተ፡ ኣዋልድ ደኣ ነበራኦ፡ ደቂ ቂሽ ኣሕዋተን ከኣ ኣእተውወን።
23. ደቂ ሙሺ፡ ማሕሊን ዔደርን የሬሞትን፡ ሰለስተ።
24. እዚኣቶም በብማይ ቤት ኣቦታቶም፡ ዋናታት መማይ ቤት ኣቦታት፡ ካብ ደቂ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ዘለው ዘበሉ፡ ኣብቲ ዕዮ ኣገልግሎት ቤት እግዚኣብሄር ዚዐዩ ዝነበሩ፡ በብርእሶም ተሰምዮም ብጽሕፈት እተቘጽሩ ደቂ ሌዊ እዮም።
25. ዳዊት ኢሉ እዩ እሞ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ንህዝቡ ኣዕሪፍዎ እዩ፡ ክሳዕ ዘለኣለም ከኣ ኣብ የሩሳሌም ይነብር ኣሎ።
26. ስለዚ ድማ እቶም ሌዋውያን ንድንኳንን ነቲ ንእኡ ዜገልግሉሉ ዂሉ ኣቓሑኡን ኪጾሩ ኣየድልዮምን።
27. በቲ ዳሕራይ ቃላት ዳዊትሲ እቶም ደቂ ሌዊ፡ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ዘለው ዘበሉ፡ ተቘጽሩ።
28. ኣብ ትሕቲ ኢድ ደቂ ኣሮን ኰይኖም ዕዮኦም ኣብ ኣገልግሎት ቤት እግዚኣብሄር፡ ኣብ ኣጸድን ኣብ እቃቤታትን ንዂሉ እቲ ቅዱሳት ነገር ኬጽርይዎን፡ ኣብቲ ኣገልግሎት ቤት ኣምላኽ ብምዕያይን ድማ እዩ።
29. ነታ እንጌራ ምርኣይን ንመስዋእቲ ብልዒ ዚኸውን ድኹም ሓርጭን ንዘይበዂዔ ረቀቕቲ ቕጫታትን ኣብ መቚሎ ንተሰንከተን እተሎሰን፡ ንመስፈሪ ዘበለ ዂሉውን ኪሐልዩ።
30. ንግሆ ንግሆ ድማ ደው ኢሎም ንእግዚኣብሄር ኬመስግንዎን ኪውድስዎን፡ ምሸት ከኣ ኸምኡ፡
31. ኲሉጊዜ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፡ ከምዚ ብዛዕባኡ እተሰርዔ፡ ብሰናብትን ብሰርቂ ወርሓትን ብቚጽሪ እተመደበ በዓላትን ንእግዚኣብሄር ኲሉ እቲ ዚሐርር መስዋእቲ ኼዕርጉሉ።
32. ንምሕላው እቲ ድንኳን ምርኻብን ንምሕላው እቲ መቕደስን፡ እቶም ኣሕዋቶም ደቂ ኣሮን ነገልግሎት ቤት እግዚኣብሄር ዘለዎም ምሕላው ድማ ኪሕልው እዮም።

  1Chronicles (23/29)