← 1Chronicles (23/29) → |
1. | ዳዊት ድማ ዕድመ ጸጊቡ ኣረጊት ኰነ፡ ንወዱ ሰሎሞን ከኣ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣንገሶ። |
2. | ዳዊት ድማ ንዂሎም ሓላቑ እስራኤልን ንኻህናትን ሌዋውያንን ኣከቦም። |
3. | እቶም ሌዋውያን ከኣ ካብ ወዲ ሰላሳ ዓመት ንላዕሊ ዘለው ዘበሉ ተቘጽሩ፡ እቲ ቚጽሩ፡ እቲ ቚጽሮም ድማ በብርእሲ ተተባዕታዮም ሰላሳን ሾሞንተን ሽሕ ኰነ። |
4. | ዳዊት ከኣ በለ፡ ካብ እዚኣቶም ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ነቶ ዕዮ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ኪሐልዮሉ፡ ሹድሽተ ሽሕ ከኣ ሓላቑን ፈረድትን ኪዀኑ፡ |
5. | ኣርባዕተ ሽሕ ሓለውቲ ደጌታት ኪዀኑ፡ ኣርባዕተ ሽሕ ድማ በቲ ኣነ፡ ንሱ ብእኡ ኺምስገን፡ ዘግበርክዎ ኣቓሑ ንእግዚኣብሄር ዜመስግኑ ዘመርቲ ኪዀኑ። |
6. | ዳዊት ድማ ከምቶም ደቂ ሌዊ ኣብ ናይ ጌርሾንን ቀሃትን መራሪን ክፍልታት መቐሎም። |
7. | ካብ ጌርሾናውያን፡ ላዕዳንን ሺምዒን። |
8. | ደቂ ላዕዳን፡ የሒኤል እቲ ሓለቓን ዜታምን ዮኤልን፡ ሰለስተ። |
9. | ደቂ ሺምዒ፡ ሸሎሞትን ሓዚኤልን ሃራንን፡ ሰለስተ። እዚኣቶም ዋናታት ናይ ላዕዳን ማይ ቤት ኣቦታት እዮም። |
10. | ደቂ ሺምዒ ኸኣ፡ ያሓትን ዚናን የዑሽን በሪዓ፡ እዚኣቶም ኣርባዕቲኦም ደቂ ሺምዒ እዮም። |
11. | ያሓት ዋና ነበረ፡ ዚና ድማ እቲ ኻልእይ። የዑሽን በሪዓን ግና ብዙሓት ደቂ ኣይነበርዎምን፡ ስለዚ ኸም ሓደ ማይ ቤት ኣቦ ዀይኖም ተቘጽሩ። |
12. | ደቂ ቀሃት፡ ዓምራምን ዮጽሃርን ሔብሮንን ዑዚኤልን፡ ኣርባዕተ። |
13. | ደቂ ዓምሪም አሮንን ሙሴን እዮም። ኣሮን ድማ ነቲ ቅዱስ ቅዱሳን ኪቕድስ ተፈልየ፡ ንሱን ደቁን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ዕጣን ኬዕርጉን ኬገልግልዎን ብስሙውን ንዘለኣለም ኪባርኹን እዮም። |
14. | ሙሴ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ግና ደቁ ኣብ ማእከል ነገድ ሌዊ ተሰምዩ። |
15. | ደቂ ሙሴ ጌርሾምን ኤልዔዘርን እዮም። |
16. | ካብ ደቂ ጌርሾም ሼብኤል ዋና እዩ። |
17. | ካብ ደቂ ኤልዔዘር ከኣ ረኻብያ እቲ ዋና እዩ፡ ግናኸ ኤልዔዘር ካልኦት ደቂ ኣይነበርዎን። ደቂ ሪኻብያ ግና ኣዝዮም በዝሑ። |
18. | ደቂ ዪጽሃር፡ ሸሎሚት እቲ ዋና። |
19. | ደቂ ሔብሮን፡ የሪያ እቲ ዋና፡ ኣማርያ እቲ ኻልኣይ፡ ያሓዚኤልእቲ ሳልሳይ፡ ይቃምዓም ድማ እቲ ራብዓይ። |
20. | ደቂ ዑዚኤል፡ ሚካ እቲ ዋና፡ ዪሺያ ኸኣ እቲ ኻልኣይ። |
21. | ደቂ መራሪ፡ ማሕሊን ሙሺን። ደቂ ማሕሊ፡ ኤልኣዛርን ቂሽን። |
22. | ኤልኣዛር ግና ኣወዳት ከይሐደገ ሞተ፡ ኣዋልድ ደኣ ነበራኦ፡ ደቂ ቂሽ ኣሕዋተን ከኣ ኣእተውወን። |
23. | ደቂ ሙሺ፡ ማሕሊን ዔደርን የሬሞትን፡ ሰለስተ። |
24. | እዚኣቶም በብማይ ቤት ኣቦታቶም፡ ዋናታት መማይ ቤት ኣቦታት፡ ካብ ደቂ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ዘለው ዘበሉ፡ ኣብቲ ዕዮ ኣገልግሎት ቤት እግዚኣብሄር ዚዐዩ ዝነበሩ፡ በብርእሶም ተሰምዮም ብጽሕፈት እተቘጽሩ ደቂ ሌዊ እዮም። |
25. | ዳዊት ኢሉ እዩ እሞ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ንህዝቡ ኣዕሪፍዎ እዩ፡ ክሳዕ ዘለኣለም ከኣ ኣብ የሩሳሌም ይነብር ኣሎ። |
26. | ስለዚ ድማ እቶም ሌዋውያን ንድንኳንን ነቲ ንእኡ ዜገልግሉሉ ዂሉ ኣቓሑኡን ኪጾሩ ኣየድልዮምን። |
27. | በቲ ዳሕራይ ቃላት ዳዊትሲ እቶም ደቂ ሌዊ፡ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ዘለው ዘበሉ፡ ተቘጽሩ። |
28. | ኣብ ትሕቲ ኢድ ደቂ ኣሮን ኰይኖም ዕዮኦም ኣብ ኣገልግሎት ቤት እግዚኣብሄር፡ ኣብ ኣጸድን ኣብ እቃቤታትን ንዂሉ እቲ ቅዱሳት ነገር ኬጽርይዎን፡ ኣብቲ ኣገልግሎት ቤት ኣምላኽ ብምዕያይን ድማ እዩ። |
29. | ነታ እንጌራ ምርኣይን ንመስዋእቲ ብልዒ ዚኸውን ድኹም ሓርጭን ንዘይበዂዔ ረቀቕቲ ቕጫታትን ኣብ መቚሎ ንተሰንከተን እተሎሰን፡ ንመስፈሪ ዘበለ ዂሉውን ኪሐልዩ። |
30. | ንግሆ ንግሆ ድማ ደው ኢሎም ንእግዚኣብሄር ኬመስግንዎን ኪውድስዎን፡ ምሸት ከኣ ኸምኡ፡ |
31. | ኲሉጊዜ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፡ ከምዚ ብዛዕባኡ እተሰርዔ፡ ብሰናብትን ብሰርቂ ወርሓትን ብቚጽሪ እተመደበ በዓላትን ንእግዚኣብሄር ኲሉ እቲ ዚሐርር መስዋእቲ ኼዕርጉሉ። |
32. | ንምሕላው እቲ ድንኳን ምርኻብን ንምሕላው እቲ መቕደስን፡ እቶም ኣሕዋቶም ደቂ ኣሮን ነገልግሎት ቤት እግዚኣብሄር ዘለዎም ምሕላው ድማ ኪሕልው እዮም። |
← 1Chronicles (23/29) → |