1Chronicles (22/29)  

1. ዳዊት ከኣ፡ ቤት እግዚኣብሄር ኣብዚ ትኹን፡ ንእስራኤል መሰውኢ ንዚሐርር መስዋእቲ ድማ ኣብዚ ይኹን፡ በለ።
2. ዳዊት ድማ እቶም ኣብ ሃገር እስራኤል ዚነብሩ ጓኖት ኪእከቡ ኣዘዘ። ቤት ኣምላኽ ኪስራሕ ከኣ ኣእማን ዚወቕሩ ወቐርቲ ሰርዔ።
3. ዳዊት ድማ ንመዓጹ ኣፍ ደጌታትን ንመተሓሐዝን ዚኸውን ሽንካር ብዙሕ ሓጺንን ሚዛን ዜብሉ ብዙሕ ኣስራዝን ኣከበ።
4. ሲዶናውያን ጤሮሳውያንን ብዙሕ ኣእዋም ቄድሮስ ንዳዊት የምጽኡሉ ነበሩ እሞ፡ ቊጽሪ ዜብሉ ኦም ቄድሮስ ከኣ ኣከበ።
5. ዳዊት ከኣ፡ እዚ ወደይ ሰሎሞን ንኡስን ልምሉምን እዩ፡ እታ ንእግዚኣብሄር እትስራሓሉ ቤት ግና ኣብ ኲለን ሃገራት ስምይትን ንእድትን ክተከውንሲ፡ አዝያ ዓባይ ክትከውን ይግባእ፡ ስለዚ ኸዳልወላ ደልየ ኣሎኹ፡ በለ። ሽዑ ዳዊት ቅድሚ ሞቱ ብዙሕ ኣዳለወ።
6. ንወዱ ሰሎሞን ጸዊዑ ኸኣ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ቤት ኪሰርሐሉ ኣዘዞ።
7. ዳዊት ድማ ንወዱ ሰሎሞን በሎ፡ ኣነ ንስም እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ቤት ክሰርሓሉ ብልበይ ሐሲበ ነበርኩ።
8. ግናኸ ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መጸ፡ ንስኻ ብዙሕ ደም ኣፍሲስካ፡ ዓበይቲ ውግእ ከኣ ተዋጊእካ ኢኻ፡ እምበኣርሲ ኣብ ቅድመይ ብዙሕ ደም ኣብ ምድሪ ስለ ዘፍሰስካ፡ ንስመይ ቤት ኣይክትሰርሓሉን ኢኻ።
9. እንሆ፡ ንኣኻ ወዲ ኺውለደልካ እዩ፡ ንሱ ህዱእ ሰብ ኪኸውን እዩ፡ ኣብ ዙርያኡ ኻብ ዘለው ዂሎም ጸላእቱ ድማ ህድኣት ክህቦ እየ። ስሙ ሰሎሞን ኪብሀል እዩ እሞ፡ ብዘመኑ ኸኣ ኣብ እስራኤል ሰላምን ህድኣትን ክህብ እየ።
10. ንሱ ንስመይ ቤት ኪሰርሓሉ እዩ፡ ንሱ ወደይ ኪዀነኒ፡ ኣነ ድማ ኣቦኡ ክዀኖ እየ። ዝፋን መንግስቱ ኸኣ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንዘለኣለም ከጽንዓሉ እየ።
11. ሕጂ፡ ኣታ ወደየ፡ እግዚኣብሄር ምሳኻ ይኹን፡ የቕንዓልካውን። ከምቲ ንሱ ብዛዕባኻ እተዛረቦ ድማ፡ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስራሕ።
12. ሓንትስ ኰታ፡ እግዚኣብሄ ኣእምሮን ምስትውዓልን ይሀብካ። ንሕጊ እግዚኣብሄር ኣምላኽካውን ክትሕልዎስ፡ ንሱ ኣብ ልዕሊ እስራኤል የግዝእካ።
13. ሽዑ እቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ብዛዕባ እስራኤል ዝኣዘዞ ሕጋጋትን ፍርድታትን ክትገብሮ እንተ ተጠንቀቕካስ፡ ኪቐንዓካ እዩ። ጽናዕን ትባዕን፡ ኣይትፍራህን ኣይትሸበርን።
14. እንሆ ኸኣ፡ ብጭንቀተይ ንቤት እግዚኣብሄር ዚኸውን ሚእቲ ሽሕ ታለንት ወርቂ፡ ሽሕ ሳዕ ሽሕ ታለንት ብሩር ኣዳለኹ። ኣስራዝን ሓጺንን ከኣ ብዙሕ ስለ ዝዀነ፡ ሚዛን ዜብሉ እዩ። ኣዕጫውን ኣእማንን ከኣ ኣዳሎኹ፡ ኣብ ልዕሊ እዚ ንስኻ ድማ ክትውስኸሉ ኢኻ።
15. ብዙሓት ዓየይቲ ኸኣ ምሳኻ ኣለው፡ ቀረጽትን ወቐርትን ጸረብትን ኲሉ ዓይነት ዕዮ ዚፈልጡ ዂሎምን።
16. ናይ ወርቂ፡ ናይ ብሩር፡ ናይ ኣስራዝን ሓጺንን ከኣ ቊጽሪ የብሉን። ተንስእ እሞ ስራሕ፡ እግዚኣብሄር ድማ ምሳኻ ይኹን።
17. ዳዊት ከኣ ንዂሎም ሓላቑ እስራኤል ንወዱ ሰሎሞን ኪሕግዝዎ ኣዘዞም፡ ከምዚ በሎም፡
18. እቶም ኣብ ሃገር ተቐሚጦም ዝነበሩ ኣብ ኢደይ ሂቡኒ፡ እዛ ሃገር ከኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩምዶ ምሳኻትኩም ኣየሎን፡ ብዂሉ ወገንከ ዕረፍቲ ሂቡኩም ዶ ኣይኰነን
19. ሕጅስ ልብኹምን ነፍስኹምን ንምድላው እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምለስዎ። እቲ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር እቲ ቅዱስ ኣቓሑ ኣምላኽን ናብታ ንስም እግዚኣብሄር እትስራሕ ቤት ኪኣቱስ፡ ተንስኡ እሞ ነቲ መቕደስ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ስርሕዎ።

  1Chronicles (22/29)