1Chronicles (21/29)  

1. ሰይጣን ድማ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ተንስኤ እሞ፡ ንዳዊት እስራኤል ኪቘጽር ኣልዓዐሎ።
2. ዳዊት ከኣ ንዮኣብ ንሓላቑ ህዝብን፡ ኪዱ፡ ንእስራኤል ካብ ብኤርሸባዕ ክሳዕ ዳን ቊጸርዎ፡ ቊጽሮም ምእንቲ ኽፈልጥ ከኣ፡ ቃል ኣምጽኡለይ፡ በሎም።
3. ዮኣብ ድማ፡ እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኻብቲ ዘለዎ ሚእቲ ሳዕ ይወስኮ፡ ግናኸ፡ ዎ ጐይታይ ንጉስ፡ ኲሎም ገላው ጐይታይዶ ኣይኰኑን ስለምንታይ ጐይታይ ነዚ ነገር እዚ ይደልዮ ኣሎ ስለምንታይከ ንእስራኤል ምኽንያት ንበደል ዚኸውን በለ።
4. እቲ ቓል ንጉስ ግና ንዮኣብ በርትዖ። ስለዚ ዮኣብ ወጸ፡ ናብ በዘሎ እስራኤል ከይዱ ኸኣ ናብ የሩሳሌም መጸ።
5. ዮኣብ ድማ ቊጽሪ እቲ እተቘጽረ ህዝቢ ንዳዊት ሀቦ። ካብ ብዘሎ እስራኤል ከኣ ዓሰርተው ሓደ ሚእቲ ሽሕ ሴፍ ዚመዙ ዘብ ነበሩ፡ ካብ ይሁዳ ኸኣ ኣርባዕተ ሚእትን ሰብዓን ሽሕ ሴፍ ዚመዙ ሰብ ነበሩ።
6. ዮኣብ ግና ነቲ ቓል ንጉስ ይፍንፍኖ ነበረ እሞ፡ ንሌዊን ብንያምን ኣብ መንጎኦም ኣይቈጸሮምን።
7. እዚ ነገር እዚ ግና ንኣምላኽ ኣጒሀዮ እሞ፡ ንእስራኤል ቀዘፎ።
8. ሽዑ ዳዊት ንኣምላኽ፡ እዚ ነገር እዚ ብምግባረይ ብዙሕ በደልኩ፡ ብዙሕ ድማ ዐሽየ እየ እሞ፡ ሕጂ ግና በጃኻ፡ በደል ባርያኻ ኣርሕቆ፡ በሎ።
9. እግዚኣብሄር ድማ ንጋድ ናይ ዳዊት ረኣዪ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
10. ኪድ እሞ ንዳዊት፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣነ ሰለስተ ነገር ኤንብረልካ ኣሎኹ፡ ካብኡ ንኣኻ ሓደ ሕረ እሞ፡ ክገብረልካ እየ፡ ኢልካ ተዛረቦ።
11. ጋድ ከኣ ናብ ዳዊት ኣተወ በሎ ድማ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እቲ እትደልዮ ሕረ፡
12. ሰለስተ ዓመት ጥሜት፡ ወይስ ሴፍ ጸላእቲኻ እናርከበካ ሰለስተ ወርሒ ኻብ ቅድሚ ጸላእትኻ ምህዳም፡ ወይስ ሴፍ እግዚኣብሄር፡ ማለት ኣብዛ ሃገር ሰለስተ መዓልቲ ፌራ፡ እሞ መልኣኽ እግዚኣብሄር ኣብ ብዘላ ምድሪ እስራኤል ጥፍኣት ኬምጽእ። ነቲ ዝለኣኸንስ እንታይ ቃል ከም ዝመልሰሉ ሕጂ ሕሰብ።
13. ዳዊት ንጋድ፡ ኣዝዩ ጨኒቑኒ ኣሎ፡ ግናኸ ምሕረቱ ብዙሕ ዓብዪ እዩ እምኦ፡ ኣብ ኢድ እግዚኣብሄር ደኣ እወድቕ፡ ኣብ ኢድ ሰብሲ ኣይወድቕን፡ በሎ።
14. ሽዑ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ፌራ ሰደደሉ እሞ ካብ እስራኤል ሰብዓ ሽሕ ሰብ ወደቑ።
15. ድማ ኣምላኽ ንየሩሳሌም ኬጥፍኣ መልኣኽ ሰደደላ፡ ንሱ ኼጥፍእ ከሎ ድማ፡ እግዚኣብሄር ነዚ ረኣዮ እሞ፡ በቲ ኽፋእ ተጣዒሱ፡ ነቲ ዜጥፍእ መልኣኽ፡ ይኣክል፡ ሕጂስ ኢድካ ምለሳ፡ በሎ። እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ ጥቓ ዓውዲ ኣርናን እቲ ይብሳዊ ደው በለ።
16. ዳዊት ድማ ኣዒንቱ ንላዕሊ ቛሕ ኣበላ፡ እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎ ምድርን ሰማይን ደው ኢሉ እተመሌሔት ሴፍ ከኣ ኣብ ኢዱ ኣብ ልዕሊ የሩሳሌም ዘርጊሕዋ ረኣየ። ሽዑ ዳዊትን እቶም ዓበይትን ማቕ ተኸዲኖም ብገጾም ተደፍኡ።
17. ዳዊት ድማ ንኣምላኽ በሎ፡ ኣነ ደይኰንኩን እቲ ህዝቢ ኪቚጸር ዝበልኩ ኣነ እየ ዝኣበስኩን ነቲ ብዙሕ ክፋእ ዝገበርኩን፡ እዘን ኣባጊዕ ግና እንታይ ገበራ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡ ኢድካ ናባይን ናብ ቤት ኣቦይን ደኣ ትኹን እምበር፡ ናብ ህዝብኻስ ንምቕዛፉ ኣይትኹን።
18. ሽዑ እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ንጋድ፡ ንዳዊት፡ ንሱ ደይቡ ኣብ ዓውዲ ኦርናን እቲ ይብሳዊ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ኬቚመሉ፡ ኢሉ ኺነግሮ ኣዘዞ።
19. ዳዊት ከኣ በቲ ጋድ ብስም እግዚኣብሄር እተዛረቦ ቓል ደየበ።
20. ኦርናን ድማ ግልጽ በለ፡ ነቲ መልኣኽ ከኣ ረኣዮ፡ እቶም ምስኡ ዝነበሩ ኣርባዕተ ደቁ ድማ ተሐብኡ። ኦርናን ግና ስርናይ የኽይድ ነበረ።
21. ዳዊት ናብ ኦርናን ምስ መጸ ኸኣ፡ ኦርናን ጠሚቱ ንዳዊት ረኣዮ፡ ካብቲ ዓውዲ ወጺኡ ኸኣ፡ ኣብ ቅድሚ ዳዊት ብገጹ ናብ ምድሪ ተደፍኤ።
22. ዳዊት ድማ ንኦርናን፡ እዚ መቕዘፍቲ ኻብ ህዝቢ ምእንቲ ኪኽልከል፡ ንእግዚኣብሄር ኣብኣ መሰውኢ ኽሰርሓሉስ፡ ቦታ እዚ ዓውዲ ሀበኒ፡ንእኡ ብምሉእ ዋጋ ሀበኒ፡ በሎ።
23. ኦርናን ከኣ ንዳዊት፡ ንኣኻ ውሰዳ፡ ጐይታይ ንጉስ ነቲ ጽቡቕ ኰይኑ እተራእዮ ይግበር፡ እንሆ፡ እዞም ኣብዑር ንዚሐርር መስዋእቲ፡ ሰረገላታት ከኣ ንዕጨይቲ፡ ስርናይውን ንመስዋእቲ ብልዒ እህብ፡ ኲሉ ሂበ ኣሎኹ፡ በሎ።
24. ንጉስ ዳዊት ግና ንኦርናን፡ ኣይፋል፡ ንእግዚኣብሄር ኢለስ ናትካ ዝዀነ ኽወስድ ኣይደልን፡ ንዚሐርር መስዋእቲ ድማ ዋጋ ዜብሉስ ኣየዕርገሉን እየ እሞ፡ ብርግጽ ብምሉእ ዋጋ ደኣ ኽሻየጣ እደሊ ኣሎኹ፡ በሎ።
25. ዳዊት ከኣ ንኦርናን ዋጋ እታ ቦታ ብሚዛን ሹድሽተ ሚእቲ ሲቃል ወርቂ ሀቦ።
26. ዳዊት ድማ ኣብኡ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ነደቐ፡ ዚሐርር መስዋእቲን መስዋእቲ ምስጋናን ከኣ ኣዕረገ፡ ናብ እግዚኣብሄር ድማ ተማህለለ፡ ንሱ ኸኣ ብሓዊ ኣብ ልዕሊ እቲ መሰዊኢ ምሕራር ካብ ሰማይ ምላሽ ሀቦ።
27. እግዚኣብሄር ድማ ነቲ መልኣኽ ተዛረቦ፡ ንሱ ኸኣ ሴፉ ናብ ሰገባኣ መለሳ።
28. በታ ጊዜ እቲኣ ዳዊት እግዚኣብሄር ኣብቲ ዓውዲ ኦርናን እቲ ይብሳዊ ምላሽ ከም ዝሀቦ ምስ ረኣየ፡ ኣብኡ ሰውኤ።
29. እቲ ሙሴ ኣብ በረኻ ዝገበሮ ማሕደር እግዚኣብሄር እቲ መሰውኢ ምሕራርንሲ በቲ ጊዜ እቲ ኣብቲ ናይ ጊብዖን በሪኽ እዩ ዝነበረ።
30. ግናኸ ዳዊት ብዛዕባ እታ ሴፍ መልኣኽ እግዚኣብሄር ስለ ዝፈርሄ፡ ንኣምላኽ ኪደልዮ ኢሉ ናብ ቅድሚኡ ኪኸይድ ኣይከኣለን።

  1Chronicles (21/29)