← 1Chronicles (2/29) → |
1. | ደቂ እስራኤል እዚኣቶም እዮም፡ ሮቤልን ስምኦንን ሌዊን ይሁዳን ይሳኮርን ዛብሎንን፡ |
2. | ዳንን ዮሴፍን ብንያምን ንፍታሌምን ጋድን፡ ኣሴር ከኣ። |
3. | ደቂ ይሁዳ፡ ዔርን ኦናንን ሼላን፡ ሰለስቲኦም ካብ እታ ከነኣናዊት ጓል ሹዓ እተወልዱሉ እዮም። ዔር እቲ በዂሪ ይሁዳ ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፋእ ነበረ፡ ቀተሎ ኸኣ። |
4. | ታማር እታ ሰበይቲ ወዱ ድማ ንፋሬስን ዜራሕን ወለደትሉ። ደቂ ይሁዳ ዂሎም ሓሙሽተ እዮም። |
5. | ደቂ ፋሬስ ሔጽሮንን ሓሙልን እዮም። |
6. | ደቂ ዜራሕ ድማ ዚምሪን ኤታንን ሄማንን ካልኮልን ዳራዕን፡ ኲሎም ሓሙሽተ እዮም። |
7. | ደቂ ካርሚ ኸኣ፡ ዓካር፡ እቲ ብሕሩም ነገር በዲሉ ንእስራኤል ዘጒሀዮ። |
8. | ደቂ ኤታን ድማ፡ ዓዛርያ። |
9. | እቶም ንሔጽሮን እተወልዱሉ ደቂ ኸኣ የራሕምኤልን ራምን ከሉባይን እዮም። |
10. | ራም ድማ ንኣሚናዳብ ወለደ፡ ኣሚናዳብ ከኣ ንነኣሶን ሹም ደቂ ይሁዳ ወለደ። |
11. | ነኣሶን ድማ ንሳልማ ወለደ፡ ሳልማ ኸኣ ንቦኣዝ ወለደ። |
12. | ቦኣዝ ድማ ንዖቤድ ወለደ። ዖቤድ ከኣ ንእሴይ ወለደ። |
13. | እሴይ ድማ ንበዂሪ ወዱ ኤልያብ፡ ካልኣይ ከኣ ንኣቢናዳብ፡ ሳልሳይ ድማ ንሺምዓ፡ |
14. | ራብዓይ ናትናኤል፡ ሓምሳይ ራዳይ፡ |
15. | ሳድሳይ ኦጼም፡ ሳብዓይ ዳዊት ወለደ። |
16. | ኣሓቶም ከኣ ጽሩያን ኣቢጋይልን ነበራ። ደቂ ጽሩያ ድማ ኣቢሻይን ዮኣብን ዓሳሄልን ሰለስተ እዮም። |
17. | ኣቢጋይል ከኣ ንዓማሳ ወለደት፡ ኣቦ ዓምሳ ድማ የተር እተባህለ እስማኤላዊ ነበረ። |
18. | ካልብ ወዲ ሔጽሮን ከኣ፡ ካብ ዓዙባ ሰበይቱ ካብ የሪዖትን ወለደ። ደቃ ድማ እዚኣቶም እዮም፡ የሽርን ሾባብን ኣርዶንን። |
19. | ዓዙባ ምስ ሞተት ከኣ፡ ካሌብ ንኤፍራት ኣእተዋ እሞ ንሑር ወለደትሉ። |
20. | ሑር ድማ ንኡሪ ወለደ፡ ኡሪ ኸኣ ንበጻልኤል ወለደ። |
21. | ደሓር ድማ ሔጽሮን ናብ ጓል ማኪር ኣቦ ጊልዓድ ኣተወ። ንሱ ወዲ ስሳ ዓመት ምስ ኰነ፡ ኣእተዋ እሞ፡ ንሴጉብ ወለደትሉ። |
22. | ሴጉብ ድማ ንያኢር ወለደ። ንእኡ ኣብ ምድሪ ጊልዓድ ዕስራን ሰለስተን ከትማ ነበራኦ። |
23. | ጌሹርን ኣራምን ነተን ከተማታት ያኢር ምስ ቄናትን ቚሻታን ስሳ ኸተማ፡ ካባታቶም ወሰድወን። እዚኣቶም ኲሎም ደቂ ማኪር ኣቦ ጊልዓድ ነበሩ። |
24. | ሔጽሮን ኣብ ካሌብኤፍራታ ምስ ሞተ ድማ፡ ኣብያ ሰበይቲ ሔጽሮን ንኣሽሑር ኣቦ ተቆዓ ወለደትሉ። |
25. | ደቂ የራሕምኤል፡ በዂሪ ወዱ ንሔጽሮን፡ ድማ እቲ በዂሩ ራም፡ ቡናን ኦሬንን ኣጾምን ኣሕያን እዮም። |
26. | የራሕምኤል ዓጣራ ዝስማ ኻልእ ሰበይቲ ኸኣ ነበረቶ፡ ንሳ ኣደ ኦናም እያ። |
27. | ደቂ ራም በዂሪ የራሕምኤል ከኣ ማዓጽን ያሚንን ዔቀርን እዮም። |
28. | ደቂ ኦናምውን፡ ሻማይን ያዳዕን፡ ደቂ ሻማይ ድማ ናዳብን ኣቢሹርን እዮም። |
29. | ስም ሰበይቲ ናዳብን ኣቢሹርን ከኣ ኣቢሓያል እዩ፡ ንሳ ድማ ንኣሕባንን ንሞሊድን ወለደትሉ። |
30. | ደቂ ናዳብ ከኣ ሰለድን ኣጳይምን እዮም። ሰለድ ግና ውሉድ ዜብሉ ሞተ። |
31. | ደቂ ኣጳይም ድማ፡ ዪሽዒ። ደቂ ዪሽዒውን፡ ሸሻን። ደቅ ሸሻን ከኣ፡ ኣሕላይ። |
32. | ደቂ ያዳዕ፡ ሓው ሻማይ ድማ፡ የተርን ዮናታንን። የተር ከኣ ውሉድ ዜብሉ ሞተ። |
33. | ደቂ ዮናታን ድማ፡ ጰለትን ዛዛን። እዚኣቶም ደቂ የራሕምኤል እዮም። |
34. | ሸሻን ግና ኣዋልድ እምበር፡ ኣወዳትሲ ኣይነበርዎን። ሸሻን ከኣ ያርሓዕ ዝስሙ ግብጻዊ ጊልያ ነበሮ። |
35. | ሸሻን ድማ ንያርሓዕ ጊልያኡ፡ ሰበይቲ ኽትኰኖ ጓሉ ሀቦ። ንሳ ኸኣ ዓታይ ወለደትሉ። |
36. | ዓታይ ድማ ንናታን ወለደ። ናታን ከኣ ንዛባድ ወለደ። |
37. | ዛባድ ድማ ንኤፍላል ወለደ። ኤፍላል ከኣ ንዖቤድ ወለደ። |
38. | ዖቤድ ድማ ንየሁ ወለደ። የሁ ኸኣ ንኣዛርያ ወለደ። |
39. | ኣዛርያ ድማ ንሔለጽ ወለደ። ሔለጽ ከኣ ንኤልዓሳ ወለደ። |
40. | ኤልዓሳ ድማ ንሲስማይ ወለደ። ሲስማይ ከኣ ንሻሉም ወለደ። |
41. | ሻሉም ድማ ንየቃምያ ወለደ። የቃምያ ኸኣ ንኤልሻማ ወለደ። |
42. | ደቂ ካሌብ ሓው የራሕምኤል ከኣ፡ በዂሪ ወዱ ሜሻ፡ ንሱ ኣቦ ዚፍ፡ ደቂ ማሬሻንውን ኣቦ ሔብሮን። |
43. | ደቂ ሔብሮን ድማ፡ ቆራሕን ታጱኣሕን ሬቄምን ሸማዕን። |
44. | ሸማዕ ከኣ ንራሓም ኣቦ ዮርቀዓም ወለደ። ሬቄም ድማ ንሻማይ ወለደ። |
45. | ወዲ ሻማይ ከኣ ማዖን እዩ፡ ማዖን ድማ ኣቦ ቤትጹር እዩ። ን |
46. | ዔፋ ሰበይቲ ወሰኑ ንካሌብ ድማ ሓራንን ሞጻን ጋዜዝን ወለደት። ሓራን ከኣ ንጋዜዝ ወለደ። |
47. | ደቂ የህዳይ ድማ ረገምን ዮታምን ጌሻንን ፈለጥን ዔፋን ሻዓፍን እዮም። |
48. | ማዓካ ሰበይቲ ወሰኑ ንካሌብ ድማ ንሸበርን ንቲርሓናን ወለደት። |
49. | ንሸዓፍ ኣቦ ማድማናን ንሼባ ኣቦ ማክቤናን ኣቦ ጊብዓን ከኣ ወለደት። ጓል ካሌብ ድማ ዓክሳ እያ። |
50. | ደቂ ካሌብ እዚኣቶም እዮም፡ ወዲ ሑር፡ በዂሪ ወዳ ንኤፍራታ፡ ሾባል ኣቦ ቂርያትየዓሪም፡ |
51. | ሳልማ ኣቦ ቤትልሄም፡ ሓሬፍ ኣቦ ቤትጋደር። |
52. | ሾባል ኣቦ ቂርያትየዓሪም ከኣ ደቂ ነበርዎ፡ ሃሮኤ ፈረቓ ሜኑሖት። |
53. | ዓሌታት ቂርያትየዓሪም ድማ፡ ይትራውያንን ጱታውያንን ሹማታውያንን ሚሽራዓውያንን እዮም። ካብ እዚኣቶም ጾርዓታውያንን ኤሽታኡላውያንን ወጹ። |
54. | ደቂ ሳልማ፡ ቤትልሄምን ነጦፋታውያንን ዓጥሮትቤትዮኣብን ፈረቓ ማናሕታውያንን ጾርዓውያንን እዮም። |
55. | እቶም ኣብ ያዕቤድ ዚቕመጡ ዝነበሩ ዓሌታት ጸሓፍቲ ድማ ቲርዓታውያን፡ ሺምዓታውያን፡ ሱካታውያን እዮም። እዚኣቶም እቶም ካብ ሓማት፡ ኣቦ ቤት ሬካብ ዝመጹ ቂናውያን እዮም። |
← 1Chronicles (2/29) → |