1Chronicles (2/29)  

1. ደቂ እስራኤል እዚኣቶም እዮም፡ ሮቤልን ስምኦንን ሌዊን ይሁዳን ይሳኮርን ዛብሎንን፡
2. ዳንን ዮሴፍን ብንያምን ንፍታሌምን ጋድን፡ ኣሴር ከኣ።
3. ደቂ ይሁዳ፡ ዔርን ኦናንን ሼላን፡ ሰለስቲኦም ካብ እታ ከነኣናዊት ጓል ሹዓ እተወልዱሉ እዮም። ዔር እቲ በዂሪ ይሁዳ ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፋእ ነበረ፡ ቀተሎ ኸኣ።
4. ታማር እታ ሰበይቲ ወዱ ድማ ንፋሬስን ዜራሕን ወለደትሉ። ደቂ ይሁዳ ዂሎም ሓሙሽተ እዮም።
5. ደቂ ፋሬስ ሔጽሮንን ሓሙልን እዮም።
6. ደቂ ዜራሕ ድማ ዚምሪን ኤታንን ሄማንን ካልኮልን ዳራዕን፡ ኲሎም ሓሙሽተ እዮም።
7. ደቂ ካርሚ ኸኣ፡ ዓካር፡ እቲ ብሕሩም ነገር በዲሉ ንእስራኤል ዘጒሀዮ።
8. ደቂ ኤታን ድማ፡ ዓዛርያ።
9. እቶም ንሔጽሮን እተወልዱሉ ደቂ ኸኣ የራሕምኤልን ራምን ከሉባይን እዮም።
10. ራም ድማ ንኣሚናዳብ ወለደ፡ ኣሚናዳብ ከኣ ንነኣሶን ሹም ደቂ ይሁዳ ወለደ።
11. ነኣሶን ድማ ንሳልማ ወለደ፡ ሳልማ ኸኣ ንቦኣዝ ወለደ።
12. ቦኣዝ ድማ ንዖቤድ ወለደ። ዖቤድ ከኣ ንእሴይ ወለደ።
13. እሴይ ድማ ንበዂሪ ወዱ ኤልያብ፡ ካልኣይ ከኣ ንኣቢናዳብ፡ ሳልሳይ ድማ ንሺምዓ፡
14. ራብዓይ ናትናኤል፡ ሓምሳይ ራዳይ፡
15. ሳድሳይ ኦጼም፡ ሳብዓይ ዳዊት ወለደ።
16. ኣሓቶም ከኣ ጽሩያን ኣቢጋይልን ነበራ። ደቂ ጽሩያ ድማ ኣቢሻይን ዮኣብን ዓሳሄልን ሰለስተ እዮም።
17. ኣቢጋይል ከኣ ንዓማሳ ወለደት፡ ኣቦ ዓምሳ ድማ የተር እተባህለ እስማኤላዊ ነበረ።
18. ካልብ ወዲ ሔጽሮን ከኣ፡ ካብ ዓዙባ ሰበይቱ ካብ የሪዖትን ወለደ። ደቃ ድማ እዚኣቶም እዮም፡ የሽርን ሾባብን ኣርዶንን።
19. ዓዙባ ምስ ሞተት ከኣ፡ ካሌብ ንኤፍራት ኣእተዋ እሞ ንሑር ወለደትሉ።
20. ሑር ድማ ንኡሪ ወለደ፡ ኡሪ ኸኣ ንበጻልኤል ወለደ።
21. ደሓር ድማ ሔጽሮን ናብ ጓል ማኪር ኣቦ ጊልዓድ ኣተወ። ንሱ ወዲ ስሳ ዓመት ምስ ኰነ፡ ኣእተዋ እሞ፡ ንሴጉብ ወለደትሉ።
22. ሴጉብ ድማ ንያኢር ወለደ። ንእኡ ኣብ ምድሪ ጊልዓድ ዕስራን ሰለስተን ከትማ ነበራኦ።
23. ጌሹርን ኣራምን ነተን ከተማታት ያኢር ምስ ቄናትን ቚሻታን ስሳ ኸተማ፡ ካባታቶም ወሰድወን። እዚኣቶም ኲሎም ደቂ ማኪር ኣቦ ጊልዓድ ነበሩ።
24. ሔጽሮን ኣብ ካሌብኤፍራታ ምስ ሞተ ድማ፡ ኣብያ ሰበይቲ ሔጽሮን ንኣሽሑር ኣቦ ተቆዓ ወለደትሉ።
25. ደቂ የራሕምኤል፡ በዂሪ ወዱ ንሔጽሮን፡ ድማ እቲ በዂሩ ራም፡ ቡናን ኦሬንን ኣጾምን ኣሕያን እዮም።
26. የራሕምኤል ዓጣራ ዝስማ ኻልእ ሰበይቲ ኸኣ ነበረቶ፡ ንሳ ኣደ ኦናም እያ።
27. ደቂ ራም በዂሪ የራሕምኤል ከኣ ማዓጽን ያሚንን ዔቀርን እዮም።
28. ደቂ ኦናምውን፡ ሻማይን ያዳዕን፡ ደቂ ሻማይ ድማ ናዳብን ኣቢሹርን እዮም።
29. ስም ሰበይቲ ናዳብን ኣቢሹርን ከኣ ኣቢሓያል እዩ፡ ንሳ ድማ ንኣሕባንን ንሞሊድን ወለደትሉ።
30. ደቂ ናዳብ ከኣ ሰለድን ኣጳይምን እዮም። ሰለድ ግና ውሉድ ዜብሉ ሞተ።
31. ደቂ ኣጳይም ድማ፡ ዪሽዒ። ደቂ ዪሽዒውን፡ ሸሻን። ደቅ ሸሻን ከኣ፡ ኣሕላይ።
32. ደቂ ያዳዕ፡ ሓው ሻማይ ድማ፡ የተርን ዮናታንን። የተር ከኣ ውሉድ ዜብሉ ሞተ።
33. ደቂ ዮናታን ድማ፡ ጰለትን ዛዛን። እዚኣቶም ደቂ የራሕምኤል እዮም።
34. ሸሻን ግና ኣዋልድ እምበር፡ ኣወዳትሲ ኣይነበርዎን። ሸሻን ከኣ ያርሓዕ ዝስሙ ግብጻዊ ጊልያ ነበሮ።
35. ሸሻን ድማ ንያርሓዕ ጊልያኡ፡ ሰበይቲ ኽትኰኖ ጓሉ ሀቦ። ንሳ ኸኣ ዓታይ ወለደትሉ።
36. ዓታይ ድማ ንናታን ወለደ። ናታን ከኣ ንዛባድ ወለደ።
37. ዛባድ ድማ ንኤፍላል ወለደ። ኤፍላል ከኣ ንዖቤድ ወለደ።
38. ዖቤድ ድማ ንየሁ ወለደ። የሁ ኸኣ ንኣዛርያ ወለደ።
39. ኣዛርያ ድማ ንሔለጽ ወለደ። ሔለጽ ከኣ ንኤልዓሳ ወለደ።
40. ኤልዓሳ ድማ ንሲስማይ ወለደ። ሲስማይ ከኣ ንሻሉም ወለደ።
41. ሻሉም ድማ ንየቃምያ ወለደ። የቃምያ ኸኣ ንኤልሻማ ወለደ።
42. ደቂ ካሌብ ሓው የራሕምኤል ከኣ፡ በዂሪ ወዱ ሜሻ፡ ንሱ ኣቦ ዚፍ፡ ደቂ ማሬሻንውን ኣቦ ሔብሮን።
43. ደቂ ሔብሮን ድማ፡ ቆራሕን ታጱኣሕን ሬቄምን ሸማዕን።
44. ሸማዕ ከኣ ንራሓም ኣቦ ዮርቀዓም ወለደ። ሬቄም ድማ ንሻማይ ወለደ።
45. ወዲ ሻማይ ከኣ ማዖን እዩ፡ ማዖን ድማ ኣቦ ቤትጹር እዩ። ን
46. ዔፋ ሰበይቲ ወሰኑ ንካሌብ ድማ ሓራንን ሞጻን ጋዜዝን ወለደት። ሓራን ከኣ ንጋዜዝ ወለደ።
47. ደቂ የህዳይ ድማ ረገምን ዮታምን ጌሻንን ፈለጥን ዔፋን ሻዓፍን እዮም።
48. ማዓካ ሰበይቲ ወሰኑ ንካሌብ ድማ ንሸበርን ንቲርሓናን ወለደት።
49. ንሸዓፍ ኣቦ ማድማናን ንሼባ ኣቦ ማክቤናን ኣቦ ጊብዓን ከኣ ወለደት። ጓል ካሌብ ድማ ዓክሳ እያ።
50. ደቂ ካሌብ እዚኣቶም እዮም፡ ወዲ ሑር፡ በዂሪ ወዳ ንኤፍራታ፡ ሾባል ኣቦ ቂርያትየዓሪም፡
51. ሳልማ ኣቦ ቤትልሄም፡ ሓሬፍ ኣቦ ቤትጋደር።
52. ሾባል ኣቦ ቂርያትየዓሪም ከኣ ደቂ ነበርዎ፡ ሃሮኤ ፈረቓ ሜኑሖት።
53. ዓሌታት ቂርያትየዓሪም ድማ፡ ይትራውያንን ጱታውያንን ሹማታውያንን ሚሽራዓውያንን እዮም። ካብ እዚኣቶም ጾርዓታውያንን ኤሽታኡላውያንን ወጹ።
54. ደቂ ሳልማ፡ ቤትልሄምን ነጦፋታውያንን ዓጥሮትቤትዮኣብን ፈረቓ ማናሕታውያንን ጾርዓውያንን እዮም።
55. እቶም ኣብ ያዕቤድ ዚቕመጡ ዝነበሩ ዓሌታት ጸሓፍቲ ድማ ቲርዓታውያን፡ ሺምዓታውያን፡ ሱካታውያን እዮም። እዚኣቶም እቶም ካብ ሓማት፡ ኣቦ ቤት ሬካብ ዝመጹ ቂናውያን እዮም።

  1Chronicles (2/29)