1Chronicles (17/29)  

1. ኰነ ድማ፡ ዳዊት ኣብ ቤቱ ምስ ተቐመጠ፡ ዳዊት ንነብዪ ናታን፡ እንሆ፡ ኣነ ኣብ ቤት ጽሕዲ ተቐሚጠ ኣሎኹ፡ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ግና ኣብ ትሕቲ መጋረጃታት ኣሎ፡ በሎ።
2. ናታን ከኣ ንዳዊት፡ ኣምላኽ ምሳኻ እዩ እሞ፡ ኣብ ልብኻ ዘሎ ዂሉ ግበር፡ በሎ።
3. ኰነ ድማ፡ በታ ለይቲ እቲኣ ኸምዚ ዚብል ቃል ኣምላኽ ናብ ናታን መጾ፡
4. ኪድ እሞ ንዳዊት ባርያይ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ በሎ፡ ኣነ ዝነብረላ ቤት ንስኻ ኣይክትሰርሓለይን ኢኻ።
5. ካብታ ንእስራኤል ዘደየብኩላ መዓልቲ ኽሳዕ ሎም መዓልቲ ኻብ ድንኳን ናብ ድንኳን፡ ካብ ማሕደሪውን ናብ ማሕደሪ እኸይድ ነበርኩ እምበር፡ ኣብ ቤትሲ ኣይነበርኩን።
6. ኣብቲ ምስ ብዘሎ እስራኤል እተመላለስኩሉ፡ ንሓደ ኻብቶም ንህዝበይ ኪጓስዩ ንዝኣዘዝክዎም መሳፍንቲ እስራኤል፡ ስለምንታይ ቤት ጽሕዲ ዘይሰራሕኩምለይ ኢለዶ ተዛረብኩ
7. ሕጂ ኸኣ ንባርያይ ዳዊት ከምዚ በሎ፡ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል መስፍን ክትከውንሲ፡ ኣነ ኻብቲ ምጒሳይ ካብ ድሕሪ እተን ኣባጊዕ ኣምጻእኩኻ።
8. ኣብ ዝኸድካዮ ዘበለ ኸኣ ምሳኻ ነበርኩ፡ ንዂሎም ጸላእትኻውን ካብ ቅድሜኻ ኣጽነትክዎም። ከም ስም እቶም ኣብ ምድሪ ዘለው ዓበይቲ ድማ ስም ክገብረልካ እየ፡
9. ንህዝበይ እስራኤልውን ቦታ ኽዳልወሉ፡ ድሕሪ ደጊም ከኣ ከይነቓነቕ፡ ኣብታ ቦታ ኽተኽሎ እየ። ሽዑ ኸምቲ ኻብተን ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል ፈረዲ ኪዀኑ ዝኣዘዝኩለን መዓልትታት፡ እቶም ደቂ ዓመጽቲ ኸምቲ ናይ ቀደም ገይሮም መሊሶም ኣይከጨንቕዎምን እዮም። ንዂሎም ጸላእትኻ ድማ ከጥቅዖም እየ። እግዚኣብሄር ደኣ ንኣኻ ቤት ከም ዚሰርሓልካ፡ እነግረካ ኣሎኹ።
10. ንህዝበይ እስራኤልውን ቦታ ኽዳልወሉ፡ ድሕሪ ደጊም ከኣ ከይነቓነቕ፡ ኣብታ ቦታ ኽተኽሎ እየ። ሽዑ ኸምቲ ኻብተን ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል ፈረዲ ኪዀኑ ዝኣዘዝኩለን መዓልትታት፡ እቶም ደቂ ዓመጽቲ ኸምቲ ናይ ቀደም ገይሮም መሊሶም ኣይከጨንቕዎምን እዮም። ንዂሎም ጸላእትኻ ድማ ከጥቅዖም እየ። እግዚኣብሄር ደኣ ንኣኻ ቤት ከም ዚሰርሓልካ፡ እነግረካ ኣሎኹ።
11. ኪኸውን ከኣ እዩ፡ መዓልትታትካ ምስ መልኣ፡ ናብ ኣቦታትካውን ምስ ከድካ፡ ብድሕሬኻ ነቲ ካብ ደቅኻ ዚኸውን ዘርእኻ ልዕል ከብሎ እየ፡ መንግስቱ ድማ ከጽንዓ እየ።
12. ንሱ ንኣይ ቤት ኪሰርሓለይ እዩ፡ ኣነ ኸኣ ዝፋኑ ንዘለኣለም ከጽንዓሉ እየ።
13. ኣነ ኣቦ ክዀኖ እየ፡ ንሱ ድማ ወዲ ኪዀነኢ እዩ። ምሕረተይ ከኣ፡ ከምቲ ኻብቲ ኣብ ቅድሜኻ ዝነበረ ዝመለስክዋ፡ ካብኡ ኣይክመልሳን እየ።
14. ኣብ ቤተይን ኣብ መንግስተይን ደኣ ንዘለኣለም ከቚሞ እየ፡ ዝፋኑ ኸኣ ንዘለኣለም ኪጸንዕ እዩ።
15. ከም ኲሉ እዚ ዘረባ እዝን ከም ኲሉ እዚ ራእይ እዝን ናታይ ከምኡ ገይሩ ንዳዊት ተዛረቦ።
16. ሽዑ ንጉስ ዳዊት ኣትዩ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተቐሚጡ በለ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ክሳዕ ክንድዚ ዘብጻሕካንስ፡ ኣነ መን እየ ቤተይከ እንታይ እያ
17. ዎ ኣምላኽ፡ እዚ ድማ ንእሽቶ ዀይኑ ተራእዩካስ፡ ብዛዕባ ቤት ባርያኻ ብርሑቕ ዚኸውን ትዛረብ ኣሎኻ። ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ልዕል ዝበለ መዓርግ ከም ንዘለዎ ሰብ ጌርካ ድማ ርኤኻኒ።
18. ንባርያኻስ ትፈልጦ ኣሎኻ እሞ፡ ደጊም ዳዊት ብዛዕባ እዚ ኽብረት ባርያኻ እንታይ ኪውስኽ እዩ
19. ዎ እግዚኣብሄር፡ እዚ ዂሉ ዓበይቲ ነገራት ከተፍልጥሲ፡ ምእንቲ ባርያካ ከም ልብኻን ኢልካ ዂሉ እዚ ዕቤት እዚ ገበርካ።
20. ዎ እግዚኣብሄር፡ በቲ በእዛንና ዝሰማዕናዮ ዂሉ፡ ከማኻ የልቦን፡ ብጀካኻ ድማ ኣምላኽ የልቦን።
21. ከብ ቅድሚ እቲ ኻብ ግብጺ ዘድሐንካዮ ህዝብኻ ኣህዛብ ብምስጓጒካ፡ በዚ ዓብዪን ዜፍርህን ነገር ንኣኻ ስም ክትገብርሲ፡ ህዝቡ ምእንቲ ኪኸውን፡ ኣምላኽ ባዕሉ ኼድሕኖ ዝኸደ፡ ኣብ ምድሪኸ ኸም ህዝብኻ እስራኤል ዝበለ ሓደ ህዝቢዶ ኣሎ እዩ
22. ህዝብኻ እስራኤል ከኣ ንዘለኣለም ንኣኻ ህዝቢ ኪኸውን ገበርካዮ፡ ንስኻ ድማ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣምላኹ ዀንካሉ።
23. ሕጂ ኸኣ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ነቲ ብዛዕባ ባርያኻን ብዛዕባ ቤቱን እተዛረብካዮ ነገር ንዘለኣለም ይጽናዕ ኢልካ፡ ከምቲ እተዛረብካዮ ግበር።
24. ሽዑ፡ እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ንሱ ንእስራኤል ኣምላኽ እዩ፡ እናተባህለ ስምካ ንዘለኣለም ይጽናዕን ይዕበን። እታ ቤት ዳዊት ባርያኻ ድማ ኣብ ቅድሜኻ ጸኒዓ ኣላ።
25. ዎ ኣምላኸይ፡ ንባርያኻ ቤት ከም እተሰርሓሉስ፡ ንስኻ ኣብ ኣእዛኑ ገሊጽካሉ ኢኻ እሞ፡ ስለዚ ባርያኻ ኣብ ቅድሜኻ ኺጽሊ ኣብ ልቡ ረኸበ።
26. ሕጂ ድማ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ንስኻ ኣምላኽ ኢኻ፡ ንባርያኻ ኸኣ እዚ ጽቡቕ ነገር እዚ ኣተስፎኻዮ።
27. ሕጂ ድማ እቲ ንስኻ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ዝባረኽካዮ ንዘለኣለም ብሩኽ እዩ እሞ፡ ቤት ባርያኻ ንዘለኣለም ኣብ ቅድሜኻ ምእንቲ ኽትነበር፡ ክትባርኻ ፈቲኻ አሎኻ።

  1Chronicles (17/29)