← 1Chronicles (16/29) → |
1. | ነቲ ታቦት ኣምላኽ ኣእተውዎ፡ ኣብ ማእከል እቲ ዳዊት ንእኡ ኢሉ ዝተኸሎ ድንኳን ከኣ ኣንበርዎ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ድማ ዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ኣቕረቡ። |
2. | ዳዊት ከኣ ዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ኣዕሪጉ ምስ ወድኤ፡ ነቲ ህዝቢ ብስም እግዚኣብሄር ባረኾ። |
3. | ንነፍሲ ወከፍ ሰብ እስራኤል ድማ ካብ ሰብኣይ ክሳዕ ሰበይቲ፡ ንነፍሲ ወከፍ ሓደ ቕጫን ሓደ ቚራጽ ስጋን ሓደ ጐጎ ዘቢብን መቐሎም። |
4. | ድማ ንገለ ኻብቶም ሌዋውያን ኣብ ቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር ኬገልግሉን ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኪዝክርዎን ኪውድስዎን ኬመስግንዎን ስርዔ፡ |
5. | ኣሳፍ እቲ ሓለቓ፡ እቲ ኻልኣዩ ኸኣ ዘካርያስ፡ የዒኤልን ሸሚራሞትን የሒኤልን ማቲትያን ኤሊኣብን በናያን ዖቤድኤዶምን የዒኤልን መሰንቆን በገናን፡ ኣሳፍ ከኣ ጸናጽልን ኣድሚቖም ኬቓንዩ፡ |
6. | በናያን ያሓዚኤልን እቶም ካህናት ድማ መለኸት ሒዞም፡ ኲሉጊዜ ኣብ ቅድሚ ታቦት ኪዳን ኣምላኽ ኪዀኑ ሰርዔ። |
7. | ዳዊት ከኣ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣሳፍን ኣሕዋቱን ንእግዚኣብሄር ኬመስግንዎ ቐዳማይ ጊዜ ኣዘዘ። |
8. | ንእግዚኣብሄር ኣመስግንዎ፡ ስሙ ጸውዑ፡ ግብርታቱ ኣብ መንጎ ህዝብታት ንገሩ። |
9. | ንእኡ ዘምሩ፡ ቃንዩሉ፡ ብዛዕባ ዂሉ ተኣምራቱ ተዛራረቡ። |
10. | በቲ ቅዱስ ስሙ ተኸበሩ፡ ልብ እቶም ንእግዚኣብሄር ዚደልዩ ይተሐጐስ። |
11. | ንእግዚኣብሄርን ስልጣኑን ድለዩ፡ ገጹ ዂሉጊዜ ድለዩ። |
12. | ነቲ ዝገበሮ ተኣምራቱን፡ ንትእምርትታቱን ፍርድታት ኣፉን ዘክሩ። |
13. | ኣቱም ዘርኢ እስራኤል ባርያኡ፡ ደቂ ያእቆብ ሕሩያቱ፡ |
14. | ንሱ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እዩ፡ ፍርድታቱ ኣብ ብዘላ ምድሪ ኣሎ። |
15. | ኪዳኑ ንዘለኣለም ዘክሩ። ነቲ ንሽሕ ወለዶ ዝኣዘዞ ቓል፡ |
16. | ነቲ ምስ ኣብርሃም ዝኣተዎ ኺዳን፡ ነቲ ንይስሃቅ ዝመሐለሉ ማሕላ ዘክሩ። |
17. | ንሱ ኣብ ያእቆብ ሕጊ፡ ኣብ እስራኤል ድማ ናይ ዘለኣለም ኪዳን ገይሩ ኣቘሞ፡ |
18. | ከምዚ ኢሉ፡ ምድሪ ከነኣን ንኣኻ ኽህብ እየ፡ ግደ ርስትኹም ክትከውን እያ። |
19. | ሽዑ ብቚጽሪ ሒዶት ነበርኩም፡ ኣብኣ ሒዶትን ስደተኛታትን ነበርኩም። |
20. | ካብ ህዝቢ ናብ ህዝቢ፡ ካብ ሓንቲ መንግስቲ ኸኣ ናብ ካልእ ህዝቢ ሐለፉ። |
21. | ሓደ ሰብ እኳ ኺገፍዖም ኣይሐደገን፡ ምእንታኦም ድማ ንነገስታት ገሰጸ። |
22. | ንቕቧተይ ኣይትቕረብዎም፡ ንነብያተይ ከኣ ክፋእ ኣይትግበርዎም። |
23. | ኲሉ ምድሪ፡ ንእግዚኣብሄር ዘምሩ፡ ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ ምድሓኑ ኣበስሩ። |
24. | ኣብ ማእከል ኣህዛብ ክብረቱ፡ ኣብ ኲሎም ህዝብታት ተኣምራቱ ንገሩ። |
25. | እግዚኣብሄርሲ ዓብዪ እዩ፡ ብዙሕ ምስጉን ከኣ እዩ። ኣብ ልዕሊ ዂሎም ኣማልኽቲ ድማ ዜፍርህ እዩ። |
26. | ኲሎም ኣማልኽቲ ኣህዛብሲ ጣኦታት እዮም፡ እግዚኣብሄር ግና ሰማያት ገበረ። |
27. | ግርማን ክብርን ኣብ ቅድሚ ገጹ፡ ስልጣንን ሓጐስን ኣብ ስፍራኡ ኣሎ። |
28. | ኣቱም ዓሌታት ኣህዛብ፡ ንእግዚኣብሄር ሀቡ፡ ክብርን ስልጣንን ንእግዚኣብሄር ሀብዎ። |
29. | ንእግዚኣብሄር ናይ ስሙ ኽብረት ሀብዎ፡ መባእ ኣቕርቡ፡ ኣብ ቅድሚ ገጹውን ምጹ፡ ንእግዚኣብሄር ብቕዱስ ኣልባሳት ስገዱሉ። |
30. | ኲሉኹም ሃገራት፡ ኣብ ቅድሚኡ ኣንቀጥቅጡ፡ ዓለም ጸኒዓ ቘይማ እያ፡ ኣይትናወጽን ከኣ። |
31. | ሰማያት ባህ ይበል፡ ምድሪውን ትተሐጐስ፡ ኣብ ኣህዛብ ድማ፡ እግዚኣብሄር ነጊሱ ኣሎ፡ ይበሉ። |
32. | ባሕርን ምልኣቱን ደሃይ ይሀቡ፡ መሮርን ኣብኡ ዘሎ ዂሉን ይተሐጐስ። |
33. | ንምድሪ ኺዳንያ ይመጽእ ኣሎ እሞ፡ ሽዑ ኣእዋም ዱር ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እልል ይበላ። |
34. | ጻጋኡ ኸኣ ንዘለኣለም እዩ እሞ፡ ኣመስግንዎ። እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ፡ |
35. | በሉውን፡ ንቕዱስ ስምካ ምእንቲ ኽንውድሶ፡ ብምውዳስካውን ክንከብርሲ፡ ኣታ ኣምላኽ ምድሓንና፡ ኣድሕነና፡ ካብ ኣህዛብ ከኣ ኣኻኽበና ኣናግፈናና። |
36. | እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ ካብ ዘለኣለም ብሩኽ ይኹን። ኲሎም ህዝቢ ድማ፡ ኣሜን፡ ኢሎም ንእግዚኣብሄር ኣመስገንዎ። |
37. | ከምቲ ነናይ መዓልቲ ስራሕ ዜድሊ፡ ኣብ ቅድሚ ታቦት ኲሉጊዜ ኼገልግሉ፡ ድዊት ንኣሳፍን ነሕዋቱን ኣብ ቅድሚ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ሐደጎም። |
38. | ዖቤድኤዶምን ኣሕዋቶምን ድማ፡ ስሳን ሾሞንተን። ዖቤድኤዶም ወዲ የዲቱንን ሖሳን ከኣ ሓለውቲ ደገ ኪዀኑ፡ |
39. | ንኻህን ጻዶቅን ነቶም ኣሕዋቱ ኻህናትን ከኣ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብቲ ናይ ጊብዖን በሪኽ ዘሎ ማሕደር እግዚኣብሄር ኰይኖም፡ |
40. | ከምቲ ኣብቲ ንእስራኤል ዝኣዘዞ ሕጊ እግዚኣብሄር እተጻሕፈ ዘሎ ዂሉ፡ ኲሉጊዜ፡ ብጊሓትን ምሸትን፡ ኣብቲ መሰውኢ ምሕራር ንእግዚኣብሄር ዚሐርር መስዋእቲ ኼዕርጉሉ ኣመዘዞም። |
41. | ምሳታቶም ድማ ሄማንን የዱቱንን እቶም ዝተረፉ ብስም እተሰምዩ ሕሩያትን ንእግዚኣብሄር፡ ምሕረቱ ንዘለኣለም ስለ ዝዀነ፡ ኬመስግንዎ። |
42. | ምሳታቶምውን ሄማንን የዱቱንን ምስ መለኸታትን ጸናጽላትን ምስቲ መሳርያታት ሙዚክ ኣምላኽን ነቶም ኣድሚቖም ዜቓንዩ ኣመዘዞም፡ ንደቂ የዱቱን ከኣ ሓለውቲ ደገ ገበሮም። |
43. | ብዘሎ እቲ ህዝቢ ድማ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ናብ በቤቱ ኸደ። ዳዊት ከኣ ንቤቱ ኺባርኻ ተመልሰ። |
← 1Chronicles (16/29) → |