1Chronicles (16/29)  

1. ነቲ ታቦት ኣምላኽ ኣእተውዎ፡ ኣብ ማእከል እቲ ዳዊት ንእኡ ኢሉ ዝተኸሎ ድንኳን ከኣ ኣንበርዎ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ድማ ዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ኣቕረቡ።
2. ዳዊት ከኣ ዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ኣዕሪጉ ምስ ወድኤ፡ ነቲ ህዝቢ ብስም እግዚኣብሄር ባረኾ።
3. ንነፍሲ ወከፍ ሰብ እስራኤል ድማ ካብ ሰብኣይ ክሳዕ ሰበይቲ፡ ንነፍሲ ወከፍ ሓደ ቕጫን ሓደ ቚራጽ ስጋን ሓደ ጐጎ ዘቢብን መቐሎም።
4. ድማ ንገለ ኻብቶም ሌዋውያን ኣብ ቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር ኬገልግሉን ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኪዝክርዎን ኪውድስዎን ኬመስግንዎን ስርዔ፡
5. ኣሳፍ እቲ ሓለቓ፡ እቲ ኻልኣዩ ኸኣ ዘካርያስ፡ የዒኤልን ሸሚራሞትን የሒኤልን ማቲትያን ኤሊኣብን በናያን ዖቤድኤዶምን የዒኤልን መሰንቆን በገናን፡ ኣሳፍ ከኣ ጸናጽልን ኣድሚቖም ኬቓንዩ፡
6. በናያን ያሓዚኤልን እቶም ካህናት ድማ መለኸት ሒዞም፡ ኲሉጊዜ ኣብ ቅድሚ ታቦት ኪዳን ኣምላኽ ኪዀኑ ሰርዔ።
7. ዳዊት ከኣ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣሳፍን ኣሕዋቱን ንእግዚኣብሄር ኬመስግንዎ ቐዳማይ ጊዜ ኣዘዘ።
8. ንእግዚኣብሄር ኣመስግንዎ፡ ስሙ ጸውዑ፡ ግብርታቱ ኣብ መንጎ ህዝብታት ንገሩ።
9. ንእኡ ዘምሩ፡ ቃንዩሉ፡ ብዛዕባ ዂሉ ተኣምራቱ ተዛራረቡ።
10. በቲ ቅዱስ ስሙ ተኸበሩ፡ ልብ እቶም ንእግዚኣብሄር ዚደልዩ ይተሐጐስ።
11. ንእግዚኣብሄርን ስልጣኑን ድለዩ፡ ገጹ ዂሉጊዜ ድለዩ።
12. ነቲ ዝገበሮ ተኣምራቱን፡ ንትእምርትታቱን ፍርድታት ኣፉን ዘክሩ።
13. ኣቱም ዘርኢ እስራኤል ባርያኡ፡ ደቂ ያእቆብ ሕሩያቱ፡
14. ንሱ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እዩ፡ ፍርድታቱ ኣብ ብዘላ ምድሪ ኣሎ።
15. ኪዳኑ ንዘለኣለም ዘክሩ። ነቲ ንሽሕ ወለዶ ዝኣዘዞ ቓል፡
16. ነቲ ምስ ኣብርሃም ዝኣተዎ ኺዳን፡ ነቲ ንይስሃቅ ዝመሐለሉ ማሕላ ዘክሩ።
17. ንሱ ኣብ ያእቆብ ሕጊ፡ ኣብ እስራኤል ድማ ናይ ዘለኣለም ኪዳን ገይሩ ኣቘሞ፡
18. ከምዚ ኢሉ፡ ምድሪ ከነኣን ንኣኻ ኽህብ እየ፡ ግደ ርስትኹም ክትከውን እያ።
19. ሽዑ ብቚጽሪ ሒዶት ነበርኩም፡ ኣብኣ ሒዶትን ስደተኛታትን ነበርኩም።
20. ካብ ህዝቢ ናብ ህዝቢ፡ ካብ ሓንቲ መንግስቲ ኸኣ ናብ ካልእ ህዝቢ ሐለፉ።
21. ሓደ ሰብ እኳ ኺገፍዖም ኣይሐደገን፡ ምእንታኦም ድማ ንነገስታት ገሰጸ።
22. ንቕቧተይ ኣይትቕረብዎም፡ ንነብያተይ ከኣ ክፋእ ኣይትግበርዎም።
23. ኲሉ ምድሪ፡ ንእግዚኣብሄር ዘምሩ፡ ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ ምድሓኑ ኣበስሩ።
24. ኣብ ማእከል ኣህዛብ ክብረቱ፡ ኣብ ኲሎም ህዝብታት ተኣምራቱ ንገሩ።
25. እግዚኣብሄርሲ ዓብዪ እዩ፡ ብዙሕ ምስጉን ከኣ እዩ። ኣብ ልዕሊ ዂሎም ኣማልኽቲ ድማ ዜፍርህ እዩ።
26. ኲሎም ኣማልኽቲ ኣህዛብሲ ጣኦታት እዮም፡ እግዚኣብሄር ግና ሰማያት ገበረ።
27. ግርማን ክብርን ኣብ ቅድሚ ገጹ፡ ስልጣንን ሓጐስን ኣብ ስፍራኡ ኣሎ።
28. ኣቱም ዓሌታት ኣህዛብ፡ ንእግዚኣብሄር ሀቡ፡ ክብርን ስልጣንን ንእግዚኣብሄር ሀብዎ።
29. ንእግዚኣብሄር ናይ ስሙ ኽብረት ሀብዎ፡ መባእ ኣቕርቡ፡ ኣብ ቅድሚ ገጹውን ምጹ፡ ንእግዚኣብሄር ብቕዱስ ኣልባሳት ስገዱሉ።
30. ኲሉኹም ሃገራት፡ ኣብ ቅድሚኡ ኣንቀጥቅጡ፡ ዓለም ጸኒዓ ቘይማ እያ፡ ኣይትናወጽን ከኣ።
31. ሰማያት ባህ ይበል፡ ምድሪውን ትተሐጐስ፡ ኣብ ኣህዛብ ድማ፡ እግዚኣብሄር ነጊሱ ኣሎ፡ ይበሉ።
32. ባሕርን ምልኣቱን ደሃይ ይሀቡ፡ መሮርን ኣብኡ ዘሎ ዂሉን ይተሐጐስ።
33. ንምድሪ ኺዳንያ ይመጽእ ኣሎ እሞ፡ ሽዑ ኣእዋም ዱር ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እልል ይበላ።
34. ጻጋኡ ኸኣ ንዘለኣለም እዩ እሞ፡ ኣመስግንዎ። እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ፡
35. በሉውን፡ ንቕዱስ ስምካ ምእንቲ ኽንውድሶ፡ ብምውዳስካውን ክንከብርሲ፡ ኣታ ኣምላኽ ምድሓንና፡ ኣድሕነና፡ ካብ ኣህዛብ ከኣ ኣኻኽበና ኣናግፈናና።
36. እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ ካብ ዘለኣለም ብሩኽ ይኹን። ኲሎም ህዝቢ ድማ፡ ኣሜን፡ ኢሎም ንእግዚኣብሄር ኣመስገንዎ።
37. ከምቲ ነናይ መዓልቲ ስራሕ ዜድሊ፡ ኣብ ቅድሚ ታቦት ኲሉጊዜ ኼገልግሉ፡ ድዊት ንኣሳፍን ነሕዋቱን ኣብ ቅድሚ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ሐደጎም።
38. ዖቤድኤዶምን ኣሕዋቶምን ድማ፡ ስሳን ሾሞንተን። ዖቤድኤዶም ወዲ የዲቱንን ሖሳን ከኣ ሓለውቲ ደገ ኪዀኑ፡
39. ንኻህን ጻዶቅን ነቶም ኣሕዋቱ ኻህናትን ከኣ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብቲ ናይ ጊብዖን በሪኽ ዘሎ ማሕደር እግዚኣብሄር ኰይኖም፡
40. ከምቲ ኣብቲ ንእስራኤል ዝኣዘዞ ሕጊ እግዚኣብሄር እተጻሕፈ ዘሎ ዂሉ፡ ኲሉጊዜ፡ ብጊሓትን ምሸትን፡ ኣብቲ መሰውኢ ምሕራር ንእግዚኣብሄር ዚሐርር መስዋእቲ ኼዕርጉሉ ኣመዘዞም።
41. ምሳታቶም ድማ ሄማንን የዱቱንን እቶም ዝተረፉ ብስም እተሰምዩ ሕሩያትን ንእግዚኣብሄር፡ ምሕረቱ ንዘለኣለም ስለ ዝዀነ፡ ኬመስግንዎ።
42. ምሳታቶምውን ሄማንን የዱቱንን ምስ መለኸታትን ጸናጽላትን ምስቲ መሳርያታት ሙዚክ ኣምላኽን ነቶም ኣድሚቖም ዜቓንዩ ኣመዘዞም፡ ንደቂ የዱቱን ከኣ ሓለውቲ ደገ ገበሮም።
43. ብዘሎ እቲ ህዝቢ ድማ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ናብ በቤቱ ኸደ። ዳዊት ከኣ ንቤቱ ኺባርኻ ተመልሰ።

  1Chronicles (16/29)