1Chronicles (15/29)  

1. ዳዊት ድማ ኣብታ ኸተማ ዳዊት ንርእሱ ኣባይቲ ሰርሔ፡ ነቲ ታቦት ኣምላኽ ዚኸውን ቦታ ኣዳልዩ ኸኣ ንእኡ ድንኳን ተኸለሉ።
2. ሽዑ ዳዊት፡ ንታቦት ኣምላኽ ኪጾሩ ኣብ ቅድሚኡውን ንሓዋሩ ኼገልግሉ፡ እግዚኣብሄር ንሌዋውያን ሐርይዎም እዩ እሞ፡ ስለዚ ንሳቶም እምበር፡ ካልእ ሰብ ንታቦት ኣምላኽ ኪጾሩ ኣብ ቅድሚኡውን ንሓዋሩ ኼገልግሉ፡ እግዚኣብሄር ንሌዋውያን ሐርይዎም እዩ እሞ፡ ስለዚ ንሳቶም እምበር፡ ካልእ ንታቦት ኣምላኽ ኣይጽሮ፡ በለ።
3. ዳዊት ከኣ ንታቦት እግዚኣብሄር ናብታ ዘሳናደወሉ ቦታ ምእንቲ ኼደይቦ፡ ንብዘሎ እስራኤል ኣብ የሩሳሌም ኣከቦ።
4. ዳዊት ድማ ንደቂ ኣሮንን ንሌዋውያንን ኣከቦም።
5. ካብ ደቂ ቀሃት፡ ኡሪኤል እቲ ሓለቓን ኣሕዋቱን፡ ሚእትን ዕስራን፡
6. ካብ ደቂ መራሪ፡ ዓሳያ እቲ ሓለቓን ኣሕዋቱን፡ ክልተ ሚእትን ዕስራን፡
7. ካብ ደቂ ጌርሾም፡ ዮኤል እቲ ሓለቓን ኣሕዋቱን፡ ሚእትን ሰላሳን፡
8. ካብ ደቂ ኤሊጻፋን፡ ሸማዕያ እቲ ሐለቓን ኣሕዋቱን፡ ክልተ ሚእቲ፡
9. ካብ ደቂ ሔብሮን፡ ኤሊኤል እቲ ሓለቓን ኣሕዋቱን፡ ሰማንያ፡
10. ካብ ደቂ ዑዚኤል፡ ኣሚናዳብ እቲ ሓላቓን ኣሕዋቱን፡ ሚእትን ዓሰርተው ክልተን ።
11. ዳዊት ድማ ንጻዶቅን ንኣብያታርን፡ እቶም ካህናት፡ ነቶም ሌዋውያን፡ ንኡሪኤልን ዓሳያን ዮኤልን ሸማዕያን ኤሊኤልን ኣሚናዳብን ናብኡ ጸውዖም።
12. ንኣታቶም ድማ በሎም፡ ንስኻትኩም ኣራእስ መማይ ቤት ኣቦታት ሌዋውያን ኢኹም። በቲ ቐዳማይ ጊዜ ንስኻትኩም ስለ ዘይጸወርኩምዎ፡ ከምቲ ስርዓት ጌርና ኸኣ ስለ ዘይደሌናዮ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ሓደ ምስባር ኣባና ገበረ፡ ስለዚ ነቲ ታቦት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ናብታ ንእኡ ኢለ ዘሳናዶኹሉ ቦታ ኸተደይብዎ፡ ንስኻትኩምን ኣሕዋትኩምን ተቐደሱ።
13. ንኣታቶም ድማ በሎም፡ ንስኻትኩም ኣራእስ መማይ ቤት ኣቦታት ሌዋውያን ኢኹም። በቲ ቐዳማይ ጊዜ ንስኻትኩም ስለ ዘይጸወርኩምዎ፡ ከምቲ ስርዓት ጌርና ኸኣ ስለ ዘይደሌናዮ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ሓደ ምስባር ኣባና ገበረ፡ ስለዚ ነቲ ታቦት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ናብታ ንእኡ ኢለ ዘሳናዶኹሉ ቦታ ኸተደይብዎ፡ ንስኻትኩምን ኣሕዋትኩምን ተቐደሱ።
14. ሽዑ እቶም ካህናትን ሌዋውያንን ነቲ ታቦት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ ምእንቲ ኼደይብዎ፡ ተቐደሱ።
15. እቶም ደቂ ሌዋውያን ከኣ፡ ሙሴ ኸምቲ ቓል እግዚኣብሄር ዝበሎ ገይሩ ኸም ዝኣዘዞ፡ ነቲ ታቦት ኣምላኽ ብመሰላታት ኣብ መናኩቦም ጾርዎ።
16. ዳዊት ድማ ነቶም ሓላቑ ሌዋውያን ነሕዋቶም መዘምራን ብመሳርያ መዚክ፡ ብመሰንቆን፡ ብበገናን ብጸናጽልን ተሐጒሶም እናቓነዩን ድምጾም ዓው እናበሉን ኣብኡ ኬቚምዎም ተዛረቦም።
17. ሽዑ እቶም ሌዋውያን ንሄማን ወዲ ዮኤልን ካብ ኣሕዋቱ ኸኣ ኣሳፍ ወዲ በረክያን ካብ ኣሕዋቶም ደቂ መራሪውን ኤታን ወዲ ቁሻያ ኣቘሙ።
18. ምሳታቶም ከኣ ኣብቲ ኻልኣይ መዓርግ ኣሕዋቶም፡ ዘካርያስን ቤንን ያዓዚኤልን ሸሚራሞትን የሒኤልን ዑኒን ኤሊኣብን በናያን ማዓያን ማዓሳያን ማቲቱያን ኤሊፌሌሁን ሚቅኔያን ዖቤድኤዶምን የዒኤልን፡ ሓለውቲ ኣፍ ደገ።
19. እቶም መዘምረን፡ ሄማንን ኣሳፍን ኤታንን፡ ድማ ብጸናጽል ኣስራዚ የቓንዩ ነበሩ።
20. ዘካርያስን ዓዚኤልን ሸሚራሞትን የሒኤልን ዑኒን ኤሊኣብን ማዓሰያን በናያን ከኣ ብመሰንቆ ንዓለሞት።
21. ማቲትያን ኤሊፌሌሁን ሚቅኔያን ዖቤድኤዶምን የዒኤልን ዓዛዝያን ድማ ብበገና ንሸሚኒት ኪመርሑ።
22. ቀናንያ ሓለቓ ሌዋውያን ከኣ ኣብ መዝሙር መራሒ እዩ። ንሱ በዚ ፈላጥ ነበረ እሞ፡ መዝሙር የስተምህር ነበረ።
23. በረክያን ኤልቃናን ድማ ሓለውቲ ደገ ታቦት ነበሩ።
24. ድማ ሸባንያን ዮሳፋጥን ንታንኤልን ዓማሳይን ዘካርያስን በናያን ኤሊዔዘርን፡ እቶም ካህናት፡ ኣብ ቅድሚ ታቦት ኣምላኽ መለኸት ይነፍሑ ነበሩ። ዖቤድኤዶምን የሒያን ከኣ ሐለውቲ ደገ ታቦት ነበሩ።
25. ዳዊትን ዓበይቲ እስራኤልን ሓላቑ ሽሕን ከኣ ነቲ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ካብ ቤት ዖቤድኤዶም ብሓጐስ ኬደይብዎ ኸዱ።
26. ኰነ ድማ፡ ነቶም ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ዝጾሩ ሌዋውያን፡ ኣምላኽ ምስ ሐገዞም፡ ሾብዓተ ኣርሓን ሾብዓተ ድዑልን ሰውኡ።
27. ዳዊት ድማ ባርኖስ ጽሩይ ልሕጺ እንጣጢዕ ተኸዲኑ ነበረ፡ ከምኡ ኸኣ እቶም ታቦት ዚጾሩ ዂሎም ሌዋውያንን እቶም ዘመርትን፡ ቀናንያ እቲ መራሕ መዝሙር ከኣ ምስቶም ዘመርቲ፡ ንዳዊት ድማ ኤፎድ ልሕጺ እንጣጢዕ ኣብ ልዕሊኡ ነበሮ።
28. ሽዑ ዂሎም እስራኤል ነቲ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ብእልልታን ብቓና መለኸትን ብእምብልታን ብጸናጽልን ብመጸንቆን ብበገናን እናድመቑ ኣደየብዎ።
29. ኰነ ድማ፡ እቲ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ናብ ከተማ ዳዊት ኪኣቱ ኸሎ፡ ሚካል ጓል ሳኦል ብመስኰት ተቐልቂላ ንንጉስ ዳዊት ኪስዕስዕን ኪሰራሰርን ረኣየቶ እሞ ብልባ ነዐቐቶ።

  1Chronicles (15/29)