| ← 1Chronicles (14/29) → |
| 1. | ሒራም ንጉስ ጢሮስ ድማ ንዳዊት ቤት ኪሰርሑሉ ልኡኻትን ኦም ጽሕድን ነደቕትን ጸረብትን ሰደደሉ። |
| 2. | ዳዊት ከኣ፡ እግዚኣብሄር ምእንቲ ህዝቡ እስራኤል ኢሉ፡ ነታ መንግስቱ እምብዛ ልዕል ኣቢሉሉ ነበረ እሞ፡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ገይሩ ኸም ዘጽንዖ ኣስተውዐለ። |
| 3. | ዳዊት ድማ መሊሱ ኣብ የሩሳሌም ካልኦት ኣንስቲ ወሰደ እሞ፡ ዳዊት ወሲኹ ኣወዳትን ኣዋልድ ወለደ። |
| 4. | እቶም ኣብ የሩሳሌም እተወልዱሉ ደቂ ስሞም እዚ እዩ፡ ሻሙዓን ሾባብን ናታንን ሰሎምንን፡ |
| 5. | ይብሓርን ኤሊሹዓን ኤልፈለጥን፡ |
| 6. | ኖጋን ኔፈግን ያፊዓን፡ |
| 7. | ኤሊሻማን በዒልያዳን ኤሊፈለጥን። |
| 8. | ፍልስጥኤማውያን ከኣ ዳዊት ኣብ ልዕሊ ዂሉ እስራኤል ንጉስ ኪኸውን ከም እተቐብኤ ምስ ሰምዑ፡ ኲሎም ፍልስጥኤማውያን ንዳዊት ኪደልይዎ ደየቡ። ዳዊት ድማ ምስ ሰምዖ፡ ናብ ቅድሚኦም ወጸ። |
| 9. | እቶም ፍልስጥኤማውያን ከኣ ናብቲ ለሰ ረፋይም ኣትዮም፡ ኣብኡ ይወርሩ ነበሩ። |
| 10. | ዳዊት ድማ ንኣምላኽ፡ ንፍልስጥኤማውያን ክድይቦምሲ፡ ኣብ ኢደይዶ ትህበኒ ኢኻ ኢሉ ሐተቶ። እግዚኣብሄር ከኣ፡ ንኣታቶም ኣብ ኢድካ ኽህበካ እየ እሞ፡ ደይቦም፡ በሎ። |
| 11. | ናብ በዓልጰራጺም ደየቡ፡ ዳዊት ከኣ ኣብኣ ሰዐሮም። ዳዊት ድማ፡ ማይ ከም ዚብተን፡ ኣምላኽ ንጸላእተይ ብኢደይ በተኖም፡ በለ። ስለዚ ስም እታ ቦታ እቲኣ በዓልጰራጺም ኣውጽኡላ። |
| 12. | ኣብኣ ድማ ንኣማልኽቶም ሐደጉ፡ ዳዊት ኣዚዙ ኸኣ ብሓዊ ኣንደድዎም። |
| 13. | እቶም ፍልስጥኤማውያን ግና ከም ብሓድሽ ኣብቲ ለሰ ወረሩ። |
| 14. | ዳዊት ድማ መሊሱ ንኣምላኽ ሐተቶ፡ ኣምላኽ ከኣ መለሰሉ፡ ብድሕሪኦም ኣይትደይብ፡ ካባታቶም ደኣ ዙር እሞ ኣብ መንጽር እቲ ሰጋሉ እተዎም። |
| 15. | ኪኸውን ድማ እዩ፡ ኣብቲ ኣራእስ ስጋሉ ናይ ዚረግጽ ደሃይ ምስ ሰማዕካ፡ ኣምላኽ ነቲ ሰራዊት ፍልስጥኤማውያን ኪወቕዖ ቐቅድሜኻ ወጺኡ እዩ እሞ፡ ሽዑ ንውግእ ውጻእ። |
| 16. | ዳዊት ከኣ ከምቲ ኣምላኽ ዝኣዘዞ ገበረ፡ ነቲ ሰራዊት ፍልስጥኤማውያን ካብ ጊብዖን ክሳዕ ጌዘር ሰዐርዎም። |
| 17. | ወረ ዳዊት ከኣ ኣብ ኲለን ሃገራት ወጸ፡ እግዚኣብሄር ድማ ብዛዕባኡ ፍርሃት ኣብ ልዕሊ ዂሎም ኣህዛብ ገበሮ። |
| ← 1Chronicles (14/29) → |