1Chronicles (13/29)  

1. ዳዊት ድማ ምስ ሓላቑ ሽሕን ሓላቑ ሚእትን ምስ ኲሎም መሳፍንትን ተማኸረ።
2. ዳዊት ከኣ ንብዘሎ ማሕበር እስራኤል በሎ፡ እዚ ነኣኻትኩም ጽቡቕ መሲሉኩም እንተ ዀይኑ፡ እዚ ካብ እግዚኣብሄር ኣምላኽናውን እንተ ዀይኑስ፡ ናብቶም ዝተረፉ ኣሕዋትና ናብ ኲለን ሃገራት እስራኤልን ምስኦም ናብ ዘለው ኻህናትን ሌዋውያንን ከኣ ኣብተን ከተማታቶም መምስ ከባብኤን፡ ንሳቶም ናባና ምእንቲ ኺእከቡ፡ ልኡኻት ንስደደሎም።
3. ነቲ ታቦት ኣምላኽና ብዘመን ሳኦል ኣይጠየቕናሉን ኢና እሞ፡ ናባና ነምጽኣዮ።
4. እዚ ነገር እዚ ኸኣ ንብዘሎ ህዝቢ ቕኑዕ መሲልዎ ነበረ እሞ፡ ብዘሎ እቲ ማሕበር፡ ከምኡ ንግበር፡ በለ።
5. ዳዊት ነቲ ታቦት ኣምላኽ ካብ ቂርያትየዓሪም ምእንቲ ኼምጽኦ ኸኣ፡ ካብ ሲሖር ግብጺ ጀሚሩ ኽሳዕ መእተዊ ሓማት ንዝነበሩ ዂሎም እስራኤል ኣከቦም።
6. ዳዊትን ብዘሎ እስራኤልን ድማ ነቲ ታቦት ኣምላኽ፡ ናይቲ ኣብ ኪሩቤል ዚቕመጥ እግዚኣብሄር፡ ንሱውን ብስሙ እተሰምየሉ፡ ካብኣ ምእንቲ ኺወስድዎ፡ ናብ ባዓላ ናብ ቂርያትየዓሪም ናይ ይሁዳ ደየቡ።
7. ነቲ ታቦት ኣማላኽ ኣብ ሓድሽ ሰረገላ ኣንቢሮም ድማ ካብ ቤት ኣቢናዳብ ወሰዱዎ። ዑዛን ኣሒዮን ከኣ ነቲ ሰረገላ ይመርሕዎ ነበሩ።
8. ዳዊትን ብዘለው እስራኤልን ከኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብዂሉ ሓይሎም ብመዝሙራትን ብበገናን ብመሰንቆን ብኸበሮን ብጸናጽልን ብመለኸታትን ይጻወቱ ነበሩ።
9. ኣብ ዓውዲ ኺዶን ምስ መጹ ግና፡ እቶም ኣብዑር ስለ ዝፋነኑ፡ ዑዛ ነቲ ታቦት ኪሕዞ ኢዱ ዘርግሔ።
10. ሽዑ ዂራ እግዚኣብሄር ኣብ ዑዛ ነደደ፡ ኢዱ ናብቲ ታቦት ስለ ዝዘርግሔ ኸኣ፡ ቀዘፎ እሞ፡ ኣብኡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሞተ።
11. ዳዊት ድማ፡ እግዚኣብሄር ንዑዛ ስለ ዝሰበሮ፡ ብጓሂ ሐረረ እሞ ነቲ ቦታ እቲኣ፡ ከምቲ ኽሳዕ ሎም መዓልቲ ዘሎ፡ ጰሬጽዑዛ ኢሉ ሰመያ።
12. ዳዊት ከኣ በታ መዓልቲ እቲኣ ንኣምላኽ ፈሪሁ፡ ታቦት ኣምላኽ ከመይ ገይረ ናባይ ከምጽእ በለ።
13. ስለዚ ድማ ዳዊት ነቲ ታቦት ናብ ቤት ዖቤድኤዶም ጊታዊ ኣእተዎ እምበር፡ ናብ ከተማ ዳዊት ኣየግዐዞን።
14. እቲ ታቦት ኣምላኽ ከኣ ምስ ቤተ ሰብ ዖቤድኤዶም ኣብ ቤቱ ሰለስተ ወርሒ ተቐመጠ። እግዚኣብሄር ድማ ንቤት ዖቤድኤዶም ንዂሉ ዘለዎን ባረኾ።

  1Chronicles (13/29)