1Chronicles (11/29)  

1. ሽዑ ብዘለው እስራኤል ናብ ዳዊት ኣብ ሔብሮን ተኣኪቦም ከምዚ በልዎ፡ እኔና ንሕናስ ዓጽምኻን ስጋኻን ኢና፡
2. ካብ ቀደም ድማ እቲ ሳኦል ነጊሱ ኸሎ፡ እቲ ንእስራኤል እተውጽኦን እተኣትዎን ንስኻ ኢኻ ዝነበርካ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኸኣ ንኣኻ፡ ንስኻ ንህዝበይ እስራኤል ክትጓሲ ኢኻ፡ ንስኻ ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል መስፍን ክትከውን ኢኻ፡ ኢሉካ እዩ።
3. ኲሎም ዓበይቲ እስራኤል ድማ ናብ ንጉስ ኣብ ሔብሮን መጹ፡ ዳዊት ከኣ ኣብ ሔብሮን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ምሳታቶም ኪዳን ኣተወ። ከምቲ ብሳሙኤል እተነግረ ቓል እግዚኣብሄር ድማ ንዳዊት ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ኪኸውን ቀብእዎ።
4. ዳዊትን ብዘሎ እስራኤልን ድማ ናብ የሩሳሌም፡ ንሳ ይቡስ፡ ከደ። ተቐማጦ እታ ሃገር ይብሳውያን ኣብኣ ነበሩ።
5. እቶም ሰብ ይብስ ከኣ ንዳዊት፡ ናብዝስ ኣይትኣቱን ኢኻ፡ በልዎ። ዳዊት ግና ንእምባ ጽዮን፡ ንሳ ኸተማ ዳዊት፡ ሐዛ።
6. ዳዊት ከኣ፡ እቲ ቐዲሙ ንይብሳውያን ዝቐተለ ዘበለ፡ ሓለቓን ራእስን ኪኸውን እዩ፡ በለ። ዮኣስ ወዲ ጹርያ ድማ ቅድም ደየበ እሞ ሓለቓ ዀነ።
7. ዳዊት ከኣ ኣብታ እምባ ተቐመጠ፡ ስለዚ ንእኣ ኸተማ ዳዊት ኢሎም ሰመይዋ።
8. ነታ ኸተማ ድማ ብዙርያ፡ ካብ ሚሎ ሒዙ ኽሳዕ ዙርያኣ ሰርሓ። ነቲ ኣብታ ኸተማ ዝተረፈ ኸኣ ዮኣብ ኣዐረዮ።
9. ዳዊት ድማ እናዐበየ ኸደ፡ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከኣ ምስኡ ነበረ።
10. እቶም ምስ ብዘሎ እስራኤል ኰይኖም፡ ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ብዛዕባ እስራኤል፡ ንዳዊት ኬንግስዎ፡ ኣብ መንግስቱ ምስኡ ዀይኖም ድማ ብሓይሊ ዝሐገዝዎ ኣውራታት ጀጋኑ ዳዊት እዚኣቶም እዮም።
11. ቊጽሪ ጀጋኑ ዳዊት ከኣ እዚ እዩ፡ ያሾበዓም፡ ወዲ ሓደ ሓክሞናዊ፡ እዚ ርእሲ እቶም ሰላሳ፡ ንሱ ዂናቱ ኣብ ልዕሊ ሰለስተ ሚእቲ ኣልዒሉ፡ ብሐደ ሳዕ ቀተሎም።
12. ድሕሪኡ ድማ ኣልኣዛር ወዲ ዶዶ፡ እቲ ዓሖሓዊ፡ ንሱ ኻብቶም ሰለስተ ጀጋኑ ሓደ እዩ።
13. ንሱ ኣብ ጰስዳሚም ምስ ዳዊት ነበረ። ፍልስጥኤማውያን ከኣ ንውግእ ኣብኡ ተኣኪቦም ነበሩ፡ ኣብኡ ድማ ስገም ዝመልኣ ግራት ነበረት፡ እቶም ህዝቢ ኸኣ ካብ ቅድሚ ፍልስጥኤማውያ ሀደሙ።
14. ንሳቶም ግና ኣብ ማእከል እታ ግራት ቈይሞም ኣድሐንዋ፡ ንፍልስጥኤማያንውን ሰዐርዎም፡ እግዚኣብሄር ከኣ ብዓብዪ ምድሓን ኣድሐኖም።
15. ካብቶም ሰላሳ ኣውራታት ድማ ሰለስተ ናብታ ከውሒ፡ ናብ ዳዊት ኣብታ በዓቲ ኣዱላም ወረዱ፡ እቲ ጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ከኣ ኣብ ለሰ ረፋይም ሰፈሩ ነበረ።
16. ሽዑ ዳዊት ኣብ እምባ ነበረ፡ ዘብዔኛታት ፍልስጥኤማውያን ድማ ሽዑ ኣብ ቤትልሄም ነበሩ።
17. ዳዊት ከኣ፡ ካብቲ ኣብ ጥቓ ደገ ቤትልሄም ዘሎ ዔላ መን ኰን ማይ የስትየኒ፡ ኢሉ ተመነየ።
18. ሽዑ እቶም ሰለስተ ነቲ ሰፈር ፍልስጥኤማውያን ጥሒሶም፡ ካብቲ ኣብ ጥቓ ደገ ቤትልሄም ዘሎ ዔላ ማይ ቀድሑ፡ ጾይሮም ድማ ንዳዊት ኣምጽኡሉ። ዳዊት ግና ንእግዚኣብሄር ከዐወሉ እምበር፡ ኪሰትዮስ ኣይፈተወን።
19. ንሱ፡ ህይወቶም ቀቢጾም ኣምጺኦምዎ እዮም እሞ፡ ደም እዞም ህይወቶም ዝቐበጹ ሰባት እዚኣቶምዶ ኽሰቲ እየ ነዚ ምግባርስ ኣምላኸይ ካባይ የርሕቆ፡ በለ። ስለዚ ኺሰትዮ ኣይፈተወን። እቶም ሰለስተ ጀጋኑ እዚ ገበሩ።
20. ኣቢሻይ ሓው ዮኣብ ከኣ ርእሲ እቶም ሰለስተ ነበረ። ንሱ ድማ ኲናቱ ኣብ ልዕሊ ሰለስተ ሚእቲ ኣልዒሉ ቐተሎም። ኣብ መንጎ እቶም ሰለስተ ስሙይ ነበረ።
21. ኣብ መንጎ እቶም ሰለስተ ንሱ ኻብቶም ክልተ ይኸብር ነበረ፡ ሓለቓኦም ከኣ ዀነ፡ ክሳዕ ማዕረ እቶም ሰለስተ ቐዳሞት ግና ኣይበጽሔን።
22. በናያ ወዲ የሆያዳ፡ ወዲ ሓደ ጅግና ሰብኣይ፡ ዓብዪ ነገር ዝገበረ ብዓል ቀብጽኤል፡ ንሱ ኽልተ ደቂ ኣሪኤል ሰብ ሞኣብ ቀተለ። ንሱ ድማ ብጊዜ ውርጪ ናብ ውሽጢ ጒድጓድ ወሪዱ ኣንበሳ ቐተለ።
23. ንሱ ኸኣ ንሓደ ግብጻዊ ሰብኣይ፡ ነዊሕ ሓሙሽተ እመት ዝቚመቱ ሰብኣይ፡ ቀተሎ። ኣብ ኢድ እቲ ግብጻዊ ሰብኣይ ክንዲ ወንደረሽ ኣላማይ ዚኸውን ኲናት ነበረ፡ ንሱ ግና በትሪ ሒዙ ናብኡ ወረደ፡ ነቲ ዂናት ከኣ ካብ ኢድ እቲ ግብጻዊ መንዚዑ ብገዛእ ኲናቱ ቐተሎ።
24. በናያ ወዲ የሆያዳ እዚ ነገር እዚ ገይሩ ነበረ እሞ፡ ኣብ መንጎ እቶም ሰለስተ ጀጋኑ ስሙይ ነበረ።
25. እንሆ፡ ንሱ ኻብቶም ሰላሳ ይኸብር ነበረ፡ ናብቶም ሰለስተ ቐዳሞት ግና ኣይበጽሔን። ዳዊት ከኣ መማኸርቱ ገበሮ።
26. እቶም ናይ ውግእ ጀጋኑ ድማ እዚኣቶም እዮ፡ ዓሳሄል ሓው ዮኣብ፡ ኤልሓናን ወዲ ዶዶ ቤትልሄማዊ፡
27. ሻሞት እቲ ሃሮራዊ፡ ሔለጽ እቲ ጰሎናዊ፡
28. ዒራ ወዲ ዒቄሽ፡ እቲ ተቆዓዊ፡ ኣቢዔዘር እቲ ኣናቶታዊ፡
29. ሲብካይ እቲ ሑሻታዊ፡ ዒላይ እቲ ኣሖሓዊ፡
30. ማሃራይ እቲ ንጦፋታዊ፡ ሔለድ ወዲ በዓና፡ እቲ ንጦፋታዊ፡
31. ኢታይ ወዲ ሪባይ፡ ካብ ጊብዓ፡ ካብቶም ደቂ ብንያም፡ በናያ እቲ ጲርዓቶናዊ፡
32. ሑራይ ካብ ርባታት ጋዓሽ፡ ኣቢኤል እቲ ዓርባታዊ፡
33. ዓዝማዌት እቲ ባሓሩማዊ፡ ኤለያሕባ እቲ ሳዓልቦናዊ፡
34. በነሃሽም እቲ ጊዞናዊ፡ ዮናታን ወዲ ሻገ፡ እቲ ሓራራዊ፡
35. ኣሒኣም ወዲ ሻካር እቲ ሓራራዊ፡ ኤሊፋል ወዲ ኡር።
36. ሔፈር እቲ መኬራታዊ፡ ኣሒያ እቲ ጶሎናዊ።
37. ሔጽሮ እቲ ቀርሜሎሳዊ፡ ናዓራይ ወዲ ኤዝባይ፡
38. ዮኤል ሓው ናታን፡ ሚብሓር ወዲ ሃግሪ፡
39. ጼለቅ እቲ ዓሞናዊ፡ ናሕራይ እቲ ቤሮታዊ፡ ጋሻ ዛግሬ ዮኣብ ወዲ ጽሩያ፡
40. ዒራ እቲ ዪትራዊ፡ ጋሬብ እቲ ዪትራዊ፡
41. ኡሪያ እቲ ሔታዊ፡ ዛባድ ወዲ ኣሕላይ፡
42. ዓዲና ወዲ ሺዛ እቲ ሮቤላዊ፡ ሓደ ሓለቓ ሮቤላውያን፡ ምስኡ ኸኣ ሰላሳ፡
43. ሓናን ወዲ ማዓካ፡ ዮሳፋጥ እቲ ሚትናዊ ኸኣ፡
44. ዑዚያ እቲ ዓሽትራታዊ፡ ሻማን የጉኤልን ደቂ ሖታም ዓሮዔራዊ፡
45. የዲዓኤል ወዲ ሺምሪ፡ ዮሓ ኸኣ ሓው፡ እቲ ቲጻዊ።
46. ኤሊኤል እቲ ማሃዊ፡ ዪሪባይን ዮሻዊያን ደቂ ኤልናዓም ከኣ፡ ዪትማ እቲ ሞኣባዊ፡
47. ኤሊኤልን ዖቤድን ያዓሺኤል እቲ መጾባያውን።

  1Chronicles (11/29)