| 1Chronicles (1/29) → |
| 1. | ኣዳም፡ ሴት፡ ኤኖሽ። |
| 2. | ቀይናን፡ ማሃላልኤል፡ ያሬድ። |
| 3. | ሄኖክ፡ ማቱሳላ፡ ላሜክ። |
| 4. | ኖህ፡ ሴም፡ ካም፡ ያፌትውን። |
| 5. | ደቂ ያፌት፡ ጎሜርን ማጎግን ማዳይን ያዋንን ቱባልን መሴክን ቲራስን። |
| 6. | ደቂ ጎሜር ከኣ፡ ኣሽክናዝን ዲፋትን ቶጋርማን። |
| 7. | ደቂ ያዋን ድማ፡ ኤሊሻን ታርሲስን ኪቲምን ሮዳኒምን። |
| 8. | ደቂ ካም፡ ኩሽን ሚስራዪምን ጱጥን ከነኣንን። |
| 9. | ደቂ ኩሽ ከኣ፡ ሴባን ሓዊላን ሳብታን ራዕማን ሳብትካን። ደቂ ራዕማ ድማ፡ ሼባን ዴዳንን። |
| 10. | ኩሽ ከኣ ንኒምሮድ ወለደ። ንሱ ኣብ ምድሪ ኺስልጥን ጀመረ። |
| 11. | ሚስራዪም ከኣ ንሉዲምን ንዓናሚምን ንለሃቢምን ንናፍቱሒምን፡ |
| 12. | ንጳትሩሲምን ነቲ ኻብኡ ፍልስጥኤማውያን ዝወጹ ካስሉሒምን ንካፍቶሪምን ወለደ። |
| 13. | ከነኣን ድማ ንሲዶን በዂሪ ወዱን ንሔትን፡ |
| 14. | ንይብሳውያንን ንኣሞራውያንን ንገርጌሳውያንን፡ |
| 15. | ንሃዋውያንን ንዓርቃውያንን ንሲናውያንን፡ |
| 16. | ንኣርዋዳውያንን ንጸማራውያንን ንሓማታውያንን ወለደ። |
| 17. | ደቂ ሴም፡ ዔላምን ኣሶርን ኣርፋክሳድን ሉድን ኣራምን ኡጽን ሑልን ጌተርን ሜስክን። |
| 18. | ኣርፋክሳድ ከኣ ንሻላሕ ወለደ፡ ሻላሕውን ንዔበር ወለደ። |
| 19. | ንዔበር ድማ ክልተ ወዲ ተወልዱሉ፡ ስም እቲ ሓደ፡ ብዘመኑ ምድሪ ስለ እተመቕለት፡ ፋሌግ ተባህለ፡ ስም ሓው ኸኣ ዮቅጣን እዩ። |
| 20. | ዮቅጣን ድማ ንኣልማዳድን ንሻሌፍን ንሓጻርማዌትን ንያሕን፡ |
| 21. | ንሃዶራምን ንዑዛልን ንዲቅላን፡ |
| 22. | ንዔላልን ንኣቢማኤልን ንሼባን፡ |
| 23. | ንኦፊርን ንሓዊላን ንዮባብን ወለደ። እዚኣቶም ኲሎም ደቂ ዮቅጣን እዮም። |
| 24. | ሴም፡ ኣርፋክሳድ፡ ሻላሕ፡ |
| 25. | ዔበር፡ ፋሌግ፡ ራጉ፡ |
| 26. | ሰሩግ፡ ናሆር፡ ታራ፡ |
| 27. | ኣብራም፡ ንሱ ኣብርሃም እዩ። |
| 28. | ደቂ ኣብርሃም፡ ይስሃቅን እስራኤልን። |
| 29. | ወለዶኦም እዚ እዩ፡ በዂሪ እስማኤል ነባዮት፡ ደሓር ቄዳርን ኣድብኤልን ሚብሳምን፡ |
| 30. | ሚሽማዕን ዱማን ማሳን ሓዳድን ቴማን፡ |
| 31. | የጡርን ናፊሽን ቄድማን። እዚኣቶም ደቂ እስማኤል እዮም። |
| 32. | ደቂ ቄጡራ፡ ሰበይቲ ወሰን ኣብራሃም ድማ፡ ንሳ ንዚምራንን ንዮቅሻንን ንመዳንን ንሚድያንን ንዪሽባቅን ንሿን ወለደት። ደቂ ዮቅሻን ከኣ፡ ሼባን ዴዳንን። |
| 33. | ደቂ ምድያን ድማ፡ ዔፋን ዔፈርን ሓኖክን ኣቢዳዕን ኤልዳዓን። እዚኣቶም ኲሎም ደቂ ቄጡራ እዮም። |
| 34. | ኣብርሃም ከኣ ንይስሃቅ ወለደ። ደቂ ይስሃቅ ድማ፡ ኤሳውን እስራኤልን። |
| 35. | ደቂ ኤሳው፡ ኤሊፋዝን ረጉኤልን የኡሽን ያዕላምን ቆራሕን። |
| 36. | ደቂ ኤሊፋዝ፡ ቴማንን ኦማርን ጸፊን ጋዕታማን ቄናዝን ቲምናዕን ኣማሌቅን። |
| 37. | ደቂ ረጉኤል፡ ናሓት፡ ዜራሕ፡ ሻማ፡ ሚዛ ድማ። |
| 38. | ደቂ ሴዒር ከኣ፡ ሎጣንን ሾባልን ጺብዖንን ዓናን ዲሾንን ኤጸርን ዲሻንን። |
| 39. | ደቂ ሎጣን ድማ፡ ሖሪን ሆማምን፡ ሓብቲ ሎጣን ከኣ ቲምና እያ። |
| 40. | ደቂ ሾብል፡ ዓልያንን ማናሓትን ዔባልን ሸፊን ዖናምን። ደቂ ጺብዖን ድማ፡ ኣያንዓናን። |
| 41. | ደቂ ዓና፡ ዲሾን። ደቂ ዲሾን ከኣ፡ ሓምራንን ኤሽባንን ዪትራንን ከራንን እዮም። |
| 42. | ደቂ ኤጸር፡ ቢልሓንን ዛዓዋንን ያዓቃንን። ደቂ ዲሻን፡ ዑጽን ኣራንን። |
| 43. | እቶም ኣብ ደቂ እስራኤል ንጉስ ከይነገሰ፡ ኣብ ምድሪ ኤዶም ቅድሚ ዝነገሱ ነገስታት ከኣ እዚኣቶም እዮም፡ ቤላ ወዲ ቤዖር፡ ስም ከተምኡ ድማ ዲንሃባ ነበረ። |
| 44. | ቤላ ኸኣ ሞተ፡ ኣብ ክንዳኡ ድማ ዮባብ ወዲ ዜራሕ ካብ ቦጽራ ነገሰ። |
| 45. | ዮባብ ከኣ ሞተ፡ ኣብ ክንዳኡ ድማ ሑሻም ካብ ሃገር ቴማናውያን ነገሰ። |
| 46. | ሑሻም ከኣ ሞተ፡ ኣብ ክንዳኡ ድማ ሃዳድ ወዲ በዳድ፡ እቲ ንሚድያን ኣብ መሮር ሞኣብ ዝሰዐረ ነገሰ፡ ስም ከተማኡ ኸኣ ዓዊት ነበረ። |
| 47. | ሃዳድ ድማ ሞተ፡ ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ሳምላ ኻብ ማስሬቃ ነገሰ። |
| 48. | ሳምላ ድማ ሞተ፡ ሻኡል ካብታ ኣብ ርባ ዘላ ሬሖቦት ከኣ ኣብ ክንዳኡ ነገሰ። |
| 49. | ሻኡል ድማ ሞተ፡ ኣብ ክንዳኡ ኸኣ በዓልሓናን ወዲ ዓክቦር ነገሰ። |
| 50. | በዓልሓናን ድማ ሞተ፡ ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ሃዳድ ነገሰ፡ ስም ከተማኡ ድማ ጳዒ ነበረ፡ ስም ሰበይቱውን ምሄጣብኤል፡ ጓል ማጥሬድ፡ ጓል ሜዛሃብ እያ። |
| 51. | ሃዳድ ምስ ሞተ ኸኣ፡ ኣብ ኤዶም ሹማምቲ ዀኑ፡ ሹም ቲምና፡ ሹም ዓልያ፡ ሹምየቴት፡ |
| 52. | ሹም ኦሆሊባም፡ ሹም ቴማን፡ ሹምጲኖን፡ |
| 53. | ሹም ቄናዝ፡ ሹም ቴማን፡ ሹም ሚብጻር፡ |
| 54. | ሹም ማግዲኤል፡ ሹም ዒራም። እዚኣቶም ሹማምቲ ኤዶም እዮም። |
| 1Chronicles (1/29) → |